SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,725 episodes - Tigrinya - Latest episode: 10 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ሓበጀረዋይ ሓድጊ ሙጋቤ - ሓበጀረዋይ ሓድጊ ሙጋቤ

September 07, 2019 04:43 - 5 minutes - 10.6 MB

ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ስልጣን ንንዊሕ እዋን ዝጸንሑን ኣዛራርብን መራሒ ዓሪፉ። እቲ ንዙምባቤ ንኣስታት 40 ዓመት ብሓይሊ ዝገዝኣ ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዓመቱ እዩ ዓሪፉ። - ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ስልጣን ንንዊሕ እዋን ዝጸንሑን ኣዛራርብን መራሒ ዓሪፉ። እቲ ንዙምባቤ ንኣስታት 40 ዓመት ብሓይሊ ዝገዝኣ ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዓመቱ እዩ ዓሪፉ።

ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ንኽመጹ ኣብ ዝግበር መስርሕ ገንዘቦም ንኣታለልቲ ከይከፍሉ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።(Tigrinya News)

September 05, 2019 07:02 - 9 minutes - 17.7 MB

ኣርእስታት ዜና       ኣብ ገጠራት ቪክቶርያ ከይዶም ክምህሩ ንዝደሊዩ መምህራን ንመተባብዒ  ክሳብ $50,000 ተወሳኺ ዶላር ክወሃቦም እዩ። ጅምላዊ ሃገራዊ እቶት G-D-P ካብዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብዝተሓተ ደረጃ እንተወረደኳ ዕብየት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ከምዘይትንከፍ  ሰብ መዚ ይገልጹ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝቐነየ ዓሌታዊ ግጭት ኒይጀሪያ ኣብቲ ሃገር ዝግበር ኣኼባ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ። ኣብ በዓል ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ንኽመጹ ኣብ ዝግበር መስርሕ ገንዘቦም ንኣታለልቲ  ከይከፍሉ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

Community support visa to Australia - ኤርትራዊያን ስደተኛታት፡ ናይ ኣውስትራሊያ ቪዛ ብኸመይ ይርኽቡ? መብርሂ ካብ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ

September 05, 2019 06:29 - 21 minutes - 39.5 MB

Interview with Dr Berhan on the Community support visa. - ብዙሓት ሰማዕትና እቲ ገንዘብ ከፊልካ ናብ ኣውስትራሊያ ዘምጽእ ቪዛ እንታይ ምዃኑን፡ ነዚ ቪዛ ንምርካብ ኣብ በዓል ሱዳን ገንዘብ ዘኽፍሉ ኣለዉ ዝብል መልእኽትታትን ሕቶታትን ምስበጽሓና ብዛዕባዚ ንዶ.ር ብርሃን ኣሕመድ ኣዛሪብናዮ ኣለና።

Saba Abrham - "ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ሕጊ፡ ሕጊ ሰብ እምበር ሕጊ ጓለንስተይቲ ኣይኮነን።" ሳባ ኣብርሃም

September 05, 2019 00:47 - 18 minutes - 33.7 MB

Saba Abrham On family violence - ኣብ ኲንስላንድ ምስ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝሰርሕ ትካል ሳውዝ ኮሙኒቲ ሃብ (South Community Hub) ዝበሃል ኣሎ። ኣብቲ ትካል ከም ኣባል ኮሚቴ ኮይና ትዋሳእ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽን ኣብ ህይወት ሰባት ዘውርዶ ጸገማትን ተሞክሮኣ ኣካፊላ ኣላ። 

ስርዓት ደምበዛን (ሞዛይክ ባህሊ SBS ትግርኛ)

September 04, 2019 06:19 - 17 minutes - 32.5 MB

ሎሚ ኣብ ሞዛይክ ባህሊ ብ ዓንደሚካኤል ሰሎሞን ዝተጻሕፈ ስርዓት ደምበዛን እዩ ቀሪቡ።

መሰል ህጻናት ኣብ ኣውስትራሊያ

September 04, 2019 00:55 - 8 minutes - 16.4 MB

ብመሰረት ዉዕል መሰላት ቆልዑ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ቆልዑ ክዓብዩ ከለዉ፡ ማዕረ መሰል ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ድሕነትን ኣለዎም። እንተኾነ ኣውስትራሊያ ካብዚ ብዙሕ ዲሒራ ከምዘላ ጉጅለ ተጣበቕቲ ይኣምኑ፡፡ 

YEMEN WARCRIMES RNF - ኣብ የመን ብዘሎ ኲናት፡ ኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ብገበን ኲናት ይኽሰሳ

September 03, 2019 23:13 - 4 minutes - 8.23 MB

The United Nations says Britain, the United States, France and Iran may all be complicit in possible war crimes in Yemen.  The revelations come in a new report which calls for more accountability from all sides in the war. - ኣብ የመን ኲናት ገበን ከቑጸር ዘኽእል ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ኢራንን ተሓተቲ ክኾና ይኽእላ እየን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እዚ ዝግለጽ ዘሎ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ተሓተቲ ምዃኖምን ኣጽዋር ከይቀርብ ጻዊዒት ኣብዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

Uganda wins CECAFA U15; presidents of Eritrea and CAF meet at an office near a dam - ወልፊ ሽጋራ ኣሰልጣኒ ጁቬንቱስ ሞውሪዝዮ ሳሪ የሻቕል፤ ፕረዚደንት ካፍን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓዲ ሃሎ ተራኺቦም፡

September 02, 2019 08:03 - 13 minutes - 24.2 MB

Weekly Sport (02/09/19) - President Isaias meets CAF president in Adi Halo - Ethiopian athletes victorious at All Africa Games in Rabat - Vuelta a Espana into second week, Amanuel and Tsgabu persist - Maurizio Sarri and his smoking - ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/09/2019) ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ት15 ብዓወት ኡጋንዳ ተዛዚሙ፡ ኣብኡ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ናብ ዓዲ ሃሎ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡  ቅድድም ብሽክለታ ላ ቩወልታ ኢስፓኛ ካልኣይ ሰሙኑ ይኣቱ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ጽጋቡ ግርማይን ከኣ ኣብኡ ርብርቦም ይቕጽሉ፡ ኣብ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ኢትዮጳያውያ...

News SBS Tigrinya - መጥቃዕቲ ኣየር ምስበዝሖ እቲ እንኮ ኣብ ስራሕ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ሊብያ ተዓጽዩ። (News SBS Tigrinya)

September 02, 2019 07:38 - 9 minutes - 17.5 MB

News SBS Tigrinya - ኣርእስታት ዜና፡ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ሰንዓ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም፡ መንግስቲ  ሓተቲ ዑቕባ ዝሓዛ ጃላቡ ከምዝመለሰ ዝገልጽ ሓበሬታ ምውጻኡ፡ ነቶም ካብ ኣውስትራሊያ ክጥረዙ ዝግበሩ ዘለዉ ታሚላዊያን ኣባላት ስድራ መመክነይታ ንምርካብ እዩ ንዝበሃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሉታ ሂብ። ኣብ ተክሳስ ዝተፈጸመ ተኩስካ ምቕታል፡ ቁጽሪ ምውታት 7 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መኻይንን ዝዓለመ ሚሳይላት ካብ ሊባኖስ ከምተወንጨፋ እስራኤል ኣፍሊጣ።

POLAND WWII RNF - ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ፖላንድ ይዝከር

September 02, 2019 07:18 - 6 minutes - 11.1 MB

Commemorations of 80th anniversary of the outbreak of World War II have begun in Poland, attended by national leaders from around the world. - መበል 80 ዓመት ካልኣይ ኲናት ዓለም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ፖላንድ ይዝከር ኣሎ።

TAMIL DEPORT RNF - ሓንቲ ስድራ ካብ ኣውስትራሊያ ከይትጥረዝ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ዊዒሉ።

September 02, 2019 05:05 - 6 minutes - 11.2 MB

Thousands of Australians have rallied across the country in support of a Tamil asylum seeker family facing deportation.  The demonstrations come a day after the family was transported from Darwin to the Christmas Island detention centre - ታሚላዊያን ስድራቤት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ንዝተወሰነ ዉሳነ ብምቅዋም ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣሻሓት ሰባት ክቃወሙ ዊዒሎም።  እዚ ተቓዉሞ ዝተገብረ እታ ስድራቤት ካብ ዳርዊን ናብ ደሴት ክሪስማስ ምስገዓዘት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

Homeland Report - ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኦሮሚያ ነጻነታ ክትእውጅ ትቀራረብ፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ይቃወም (ጸብጻብ ካብ ኢትዮጵያ)

September 01, 2019 22:35 - 6 minutes - 11.8 MB

Homeland Report - ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ቤት ፅሕፈት ቤተ ክህነት ከይኽፈት ተቓዊሙ። ብሊቀ ኣእላፍ በላይ መኮነን ዝምራሕ ውዳበ ብወገኑ ምኽፋት እቲ ቤት ጽሕፈት ጠለብ አመንቲ ስለ ዝዀነ ዝዓግቶ የለን ኢሉ። ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ 5ተ ጀነሬተራቱ ተሃኒጹ ማይ ምስ መልአ ከም ዝትከሉ ተሓቢሩ። ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ኣባይ ዘለዋ ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ዝመልአሉ እዋን ነዊሕ ክኸውን ፅዕንቶ ከይገብራ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝህቡ 16 ጀነሬተራት ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ክትከሉ ተወሲኑ ኣሎ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ፣  ተምቤን፣ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዓለምን ክፅምበል ቀንዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕሩግ ድባብ ተኸምቢቱ። ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ከኣ ምድላዋት ይጻፈፍ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እምነት ሚስዮንን ክመሓደራ ዝጸንሓ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክርከባ መምርሒ ተዋሂቡ። (News) - ኣብ ኤርትራ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እምነት ሚስዮንን ክመሓደራ ዝጸንሓ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክርከባ መምርሒ ተዋሂቡ። (News)

August 31, 2019 05:00 - 4 minutes - 8.24 MB

ኣብ መላእ ሊቢያ  ኲናት ከይውላዕ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ። ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ወርሒ ሰነ ንደሓር ብዙሓት ሃለዋቶም ከምዘይፍልጥ ተገሊጹ፡፤ ኣብ ኤርትራ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እምነት ሚስዮንን ክመሓደራ ዝጸንሓ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክርከባ መምርሒ ተዋሂቡ። - ኣብ መላእ ሊቢያ  ኲናት ከይውላዕ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ። ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ወርሒ ሰነ ንደሓር ብዙሓት ሃለዋቶም ከምዘይፍልጥ ተገሊጹ፡፤ ኣብ ኤርትራ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እምነት ሚስዮንን ክመሓደራ ዝጸንሓ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክርከባ መምርሒ ተዋሂቡ።

Christians are being persecuted in Eritrea - “ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኣመንቲ ክርስትና ካብዝሓለፈ ብዝሓሰመ ግፍዒ ይወርዶም ኣሎ።”

August 31, 2019 03:10 - 7 minutes - 13.9 MB

Christians are being persecuted in Eritrea: Hanibal Daniel explains - ኣብዚ ወርሒ ተኪኤ ተስፋዮሃንስ ይመስገን ዝበሃል ናይ ቃለ ህይወት ኣማኒ፡ ኣብ ቤት ማእስርቲ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ሬሳኡ ንስድራኡ ክወስድዎ ተነጊሮም። ብዘይካዚ ካብ ዝሓለፈ ብዝገደደ ኣብ ዳህላክን ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ስድራቤታት ተፈላልዮም ይእሰሩ፡ ኣብ ከም በዓል ሓሽፈራይ ድማ ስድራ ቤታት ተኣሲረን ከምዘለዋን ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

The benefits of joining a walking group - ብሓባር ዝግበር ናይ እግሪ ጉዕዞ ንጥዕና ጥራይ ዘይኮነ ንሓጎስን ምሕዝነትን መሰረት ዝተክል'ዩ፡

August 29, 2019 10:07 - 9 minutes - 17.8 MB

There are many health benefits of walking. And walking with others adds fun and friendship along the way.  Have you thought about joining a group for a different experience?  - ምንባርኣብኣውስትራልያ (29/08/2019) ብእግርኻ ምጓዓዝን ምንቅስቓስን ብዙሓት ጥዕናዊ መኽሰባት ክህልውዎ እንከለው ምስ ካልኦት ናይ ሓባር እግሪ ጉዕዞ ግን ሓጎስን ምሕዝነትን ብምውሳኽ ድርብ ረብሓ ይርከቦ። ፍሉይ ረብሓን ተሞክሮን ክትረኽቡ አብ ሓደ ማሕበር ወይ ምትእኽኻብ ክትጽንበሩ ሓሲብኩም ትፈልጡ’ዶ፧

Eritrea Ethiopia road inauguration in September (SBS Tigrinya Daily News (29/08/2019)) - ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ መስከረም ሓድሽ ዓመት ክምረቕ: ስልማት ሰላም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ

August 29, 2019 09:53 - 11 minutes - 21.1 MB

New Radio News Tigrinya (29/08/2019) -Ethiopia Eritrea linking road to be inaugurated in September, New Year -Abiy wins peace prize -Worry for sinking boat in the Mediterranean -Tim Fisher farewelled - ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29/08/2019) -ሃገራዊ ስነስርዓት ቀብሪ ምክትል ቀዳማይ አውስትራልያ ነበር ቲም ፊሸር ብኽብሪ ተፈጺሙ፡ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ርክብ ተዘኪሩ -ስልማት ሰላም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ -ብዙሓት ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ክትሰግር ትፍትን ዝነበረት ሓንቲ ጃልባ ልዕሊ 40 ሰባት ደሃዮም ስለዝጠፍአ ጥሒሎም ከይኮኑ ተሰጊኡ። -ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ክምረቕ ምዃኑ ...

PELL APPEAL - ይግባይ ናይ ካርዲናል ፐል ተነጺጉ

August 28, 2019 22:21 - 6 minutes - 12.1 MB

PELL APPEAL RNF - ካርዲናል ጆርጅ ፐል ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ተነጺጉ ናብ ቤት ማእሰርቱ ተመሊሱ። ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ዝለዓለ ኣብ ቫቲካን ድማ ሳልሳይ ደረጃ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሕሳት 2018 እዩ ብሓሙሽተ ዓመጽ ግብረ ስጋ፡ ኣብ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣባል መዘምራንን ዝፈጸሞ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ከም ኡውን ኣብ 1996 ኣብ ሴንት ፓትሪክ መልበርን ዝፈጸሞ ግብረ ስጋዊ ግህሰት ተኸሲሱ እዩ ተኣሲሩ።

A story of a Barber in Melbourne - "ከምቲ ቀምቃማይ ዝጾሮ ናይ ብዙሕ ሰብ ጾር ካልእ ዝጸውር ናይ ስራሕ ዓይነት የሎን።"

August 28, 2019 22:11 - 28 minutes - 52.4 MB

Barber - ኣብ እንዳ ቐምቃማይ ዜና፡ ዝተፈላለዩ ባህርያትን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ዝርከቡሉን ቦታ እዩ። ኣብ እንዳቐምቃማይ ኬድና እቲ ኣብኡ ዘሎ ዕላላት፡ ተረኽቦታት፡ ዘስሕቑን ዘጉህዩን ፍጻመታት ምስ ቀምቃሞ፡ ገዛኢ፡ ካሕሳይን ዓወትን ዕላል ጌርና ኣለና።

Tim Fischer - "ቲም ፊሸር ዓቢ ህያብ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ኔሩ።" ኣምባሳደር ፍስሃየ ኣብርሃም

August 28, 2019 06:26 - 17 minutes - 32 MB

Tim Fischer - ናይ ቀደም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቲም ፊስቸር ኣብ መበል 73 ዓመቱ ብዝነበሮ ሕማም ናይ ደም ካንሰር ዓሪፉ። ንሱ ካብ ፖለቲከኛታት ኣውስትራሊያ ፍትው ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ሓረስታይ ናብ ወተሃደር ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ካልኣይ መራሒ ኮይኑ ኣገልጊሉ።  ሓጺር ታሪኹን ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ምት እስስራትን ኣመልኪቱ  ኣምባሳደር ፍስሃየ ኣብርሃም መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

International referee Tesfay Gebreyesus passes away, Eritrean and Ethiopian journeys end in CECAFA U15 - ኣብ 1980 ናይጀርያን ኣልጀርያን ንፍጻመ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገጠማሉ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ ዳኛ ኔሩ

August 26, 2019 10:24 - 10 minutes - 19.8 MB

Weekly Sport (26/08/2019) - All African Games 2019 - International referee Tesfai Ghebreyesus passes away - Tour of Indonesia, La Vuelta a Espana - ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/08/2019) ግጥማት ሴካፋ ት15 መንእሰያት 2019 ኣብ ኣስመራ ምድባዊ ግጥማት ብምጥቕላልን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፋ ጋንታታት ብምርግጋጽን ይቕጽሉ’ለው፡  ቅድድም ብሽክለታ ላ ቩወልታ ኢስፓኛ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ካብ ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ሚቸልተን ስኮት ይሳተፉ፡ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮ ይካየዱ'ለው፡ ሕርይቲ ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ካልኣይቲ ወጺኣ፡ ገዲምን ምኩርን ኣህጉራዊ ዳኛ ተስፋይ ገብረየሱስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ

Homeland - እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ንድሕሪት ከይምለስ ስግኣታት ከም ዘለዎም ፖለቲከኛታት ገሊፆም፡፡

August 26, 2019 09:15 - 5 minutes - 10.4 MB

Homeland - ሚኒስትሪ ትምህርቲኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ዝሓሰቦ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ብኦሮምያን ትግራይን ተነፂጉ፡፡  ብሰሪ ውሕጅን ዝናብ ክረምትን ልዕሊ 23 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ተባሂሉ፡፡  እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ንድሕሪት ከይምለስ ስግኣታት ከም ዘለዎም ፖለቲከኛታት ገሊፆም፡፡  ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ካብ ኢትዮጵያ ።

SBS Tigrinya News 26 Aug - ኣብ ሱዳን ብዉሑጅ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም (ካብ SBS ትግርኛ ዜና)

August 26, 2019 06:33 - 6 minutes - 12.6 MB

SBS Tigrinya News 26 Aug - ኣርእስታት ዜና፡ ኣብቲ ብ G-7 ዝበሃል ዋዕላ ሓያላት ሃገራት ፈረንሳ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ምዕዳም ንተጋባእቲ ከምዘገረመት ተፈሊጡ። SBS ንሃገራዊ ውድድር ቋንቋታት ዕድመ ኣቕሪቡ። ኣብ ሱዳን ብዉሑጅ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም ኣብ  ሆንግ ኮንግ ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ናብ ጎነጽ ተቐይሩ።

Horn of Africa News - ዜናታት ቀርኒ አፍሪቃን ከባቢኡን SBS ትግርኛ

August 26, 2019 06:20 - 6 minutes - 11.9 MB

Horn of Africa News - ሕጊ ምርጫ ኢትዮጵያ ለውጢ ተጌርሉ፡ ሰልፊታት ተቓወምቲ አይቅበልዎን። ዕጡቓት ሖቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሱዕዲ 10 ብላስቲካዊ ሚሳይል ተኩሶም። ኣሕመድ ሞሓመድ እስላም (ማዶበ) ፕረሲደንት ጁባላንድ ሶማሊያ ኮይኑ ዳግም ተመሪጹ።

Rohinga Refugees in Bangladish - ሮሂንጃዊያን እስላም ናብ ሃገርና ኣይንምለስን ይብሉ።

August 26, 2019 02:38 - 3 minutes - 6.91 MB

BANGLADESH ROHINGYA RNF - ኣብ ባንግላዲሽን መይንማርን ዝርከቡ ሮሂንጃዊያን እስላም ዝወርዶም ጸገም ዳግም ኣቓልቦ ዓለም ይስሕቡ።  እቶም ናብ ባንግላዲሽ ተሰዲዶም ዝርከቡ ሮሂንጃዊያን ናብ መይንማር እንተተመልሱ ጸገም ከምዘይረኽቦም ሰብ መዚ ከእምንዎ ይጽ ዕሩ ኣለዉ።

Interview with Amaniel and Muluwerk - “ዝጸንሐ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ሕልሚ ክልቲኡ ተዛራቢ ትግርኛ ዝግሃደሉ ግዜ ክመጽእ’ከሎ ክትሕጎስ ጥራይ እዩ ዘለካ” አማኒኤል ሳህለ

August 24, 2019 10:03 - 48 minutes - 89 MB

Interview Interview with Amaniel and Muluwerk - ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝቐነየ፡  ኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ፡ ብዛዕባ ሕቶ ጉዳይ ትግራይ ትግርኚ ኮይኑ፡ ብፍላይ፡ “ንኽልቲኡ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ እንተዘይሓቢሮም ንሕና ብኣዕራብ  በዚ ድማ ኣብ ሽዋ ብዝትከል መንግስቲ ክንውረር ዝለንኽእል፡ ክንሓብር እዩ ዘዋጽኣና” ዝብል ዘረባኡ አዚዩ አካታዒ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ን ኣማኒኤል ሳህለን ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ኣብ ዘተ ኣቕሪብናዮም ኣለና። ንምንታይ ኣብዚ እዋን ብወገን ተጋሩ ሕውነት ምስ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ምስ ተዛረብቲ ትግርኛ ብጽዑቕ ይጉስጎሰሉ ኣሎ? ብወገን ኤርትራዊያንከ እዚ ስምዒት ኣሎ ድዩ? ኣማኒኤል ሳህለ፡ ትግራይ ትግርኚ ከምትድግፍ ገሊጽካ፡ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ድዩ? እተን ካልኦት ብሄራት ኤርትራኸ ...

ልዕሊ 4 ሽሕ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዞባ ማእከል ናብ ሳዋ ከምተወስዱ ተፈሊጡ። (ካብ ዜናታት)

August 22, 2019 07:03 - 7 minutes - 13.9 MB

ኣርእስታት ዜና ብክሲ ግብረ ስጋ ቖልዑ ገበነኛ ኮይኑ ተባሂሉ ዘሎ ካርዲናል ፐል ካብቲ ገበን ንጹህ ምዃኑ ከምዝኣምን ናይ መልበርን ሊቀ ጳጳስ መልበርን  ገሊጹ። ካብ ጃልባ ከይወርዱ ን20 መዓልታት ኣብማያት ዝጸንሑ ኤርትራውያን  ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ላምፐዱሳ ክትኣዉ  ተፈቑዱሎም። ናይ ቀደም ናይ ኣውስትራሊያ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስን ነበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ቲም ፊሸር ኣብ መበል 73 ዓመቱ ዓሪፉ። ፍሉጥ ኪኢላ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ።

Ashenda culture - ኣሸንዳ፡ ኣዋላድ ኣብ ሜዳ!

August 22, 2019 04:46 - 21 minutes - 40.1 MB

Ashenda - ኣብ እዋን ኣሸንዳ ኣዋልድ ነጻነተን ዝእውጃሉ መልክዐን ንደገ ዘውጽኣሉ፡ ባህላዊ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ባህሊ እዩ።  ሎሚ ኣብ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ምስ ኣሸንዳ መጺእና ኣለና።  እዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣብቲ እዋን ዝስምዑ ቃላትን ተግባራትን እዮም፡ ኣልቦ፡ ዝብጦ፡ ጎባጉብ፡ ወለባ፡ ሓምቢር፡ ጽሩር፡ ማርዳ፡ ጠልሰም፡ ኩትሻ፡ ስቑር፡ ተሓንቕ፡ ሃሪ ማዕተብ፡ ዛዕጎል….. ኩሕሊ፡ ሽቶ፡ ኣደስ፡ ዒላም፡ ሶስላ፡ ቅንፍር፡ ኣሽኩት….. ቁንጮቑንጮ፡ ተለላ፡ ግልቢጭ፡ ቅጭን፡ ቅርድዶ፡ ኣልባሶ፡ ጋመ፡ ዓይሚ ስገም፡ ድርማሞ፡ ሳዱላ….

ምስ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣባልት ሉኡላዊ ባይቶ ሱዳንን ከነላልየኩም

August 22, 2019 01:12 - 6 minutes - 12.2 MB

ፍሉጥ ኪኢላ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ንብዙሕ ኣዋርሕ ህዝቢ ሱዳን ብዝገበሮ ዘይሕለል ተቓዉሞ ነቲ ን 30 ዓመታት ዝገዝአ ዑመር ኣልበሺር ምስተዓልወ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽመርሕ እዩ ተመሪጹ። መንዩ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ? እቲ ኣቦ ወምበር ሉኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጀነራል ዳጋሎኸ መንዩ?  

በሽርን መስርሕ ፍርዱን

August 21, 2019 02:28 - 6 minutes - 12.4 MB

ካብ ስልጣኑ ዝተዓልወ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ብዘጠፋፍኦ ናይ ሚሊዮናቶ ዶላራት ክሲ ኣብ ናይ ካርቱም ቤት ፍርዲ ብዕለት 19 ነሓሰ ጀሚሩ። እቲ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን፡ ብልሽውና፡ ኣብ ኢዱ ዘይሕጋዊ ባጤራታት ወጻኢ ምጽንሑን ብዘይ ውግዓዊ መገዲ ዉህብቶታት ምቕባሉን ብዝብሉ ክሲታት እዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

Inaugural CECAFA U15 in Asmara, Eritrea and Ethiopia lose opening matches - 'ንራፋኤል ናዳል ስዒርዎ ከብቅዕ ኣብ ዝቕጽል ግጥሙ ብቑጡዕ ባህርያቱን ኣመና ሸለልትነቱን ተሳዒሩ ንፈተውቲ ከይተረፈ ኣቐይሙ'

August 19, 2019 07:40 - 12 minutes - 23.3 MB

Weekly Sport (19/08/19) Inaugural CECAFA U15 tournament underway in Asmara, both Eritrea and Ethiopia lose opening games Amanuel Ghebrezgiabher finishes strong at the Vuelta a Burgos Eritrea team participating at the Tour de l'avenir The enigmatic Nick Kyrgios - ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/08/2019) ቦኽሪ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ኣብ ኣስመራ ይካየዱ ኣለው፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስዕረት ጀሚረንኦ፡  ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ቩወልታ አ በርጎስ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ንጋንትኡ ዳይመንሽን ዳታ ዝለዓለ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፡ ኣብ ዙር ደ ለ'ኣቭሪን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነኣድ ውጽኢት የመዝግቡ፡ ክእለቱን ...

ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዝርከብዎም 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ። (ካብ ዜናታት)

August 19, 2019 07:23 - 10 minutes - 19.4 MB

ኣርእስታት ዜና፡ ሓንቲ እስራኤላዊት ተመሃሪት ኣብ በረኻታት ደንከል ኢትዮጵያ ህይወታ ሓሊፉ። ብሪጣኒያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትፈላለየሉ እዋን ናይ መሰጋገሪ ዉዕል እንተዘይፈሪማ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ነዳድን መግቢን ከጋጥም እዩ ዝብል ሓበሬታ ምልሓኹ።  ኣብ ሆንግ ኮንግ  ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ፡ ትማሊ  ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ከምዝተሳተፉ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ገሊጾም። ክልተ ሓዲሽ መድሃኒት ሕማም ኢቦላ ተረኺቡ። ኣመሪካ  ሓደጋ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣየንጸላልዋን ዘሎ ክብል ሓደ ኣማኻሪ ኣብ  ዋይት ሃውስ ገሊጹ፡

"ታህዲድ ቻይና ንሰላማዊ ተቓዉሞ ህዝቢ ሆንክ ኮንግ ኣይገትኦን'ዩ።"

August 19, 2019 07:08 - 6 minutes - 11.4 MB

ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓዉሞ ንመበል 11 ሰሙኒ ቀጺሉ። መንግስቲ ዝጀመሮ ምትዕርራይ ፖሊሲ ንምቅዋም፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ጽርግያ ወጺኡ ዊዒሉ።  ትማሊ ዝተገብረ ናይ ልዕሊ ሚሊዮን ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ጎነጽ ዘይተሓወሶ ኮይኑ፡ መራሕቲ ናይዚ ተቓዉሞ በይጂንግ ነዚ ንምጭፍላቕ ትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ታህዲድ ኣደብ ክትገብረሉ መራሕቲ ዓለም ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።

Homeland - ድምር ዕዳ ኢትዮጵያ 52.57 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። (ካብ ዜናታት ኢትዮጵያ)

August 18, 2019 22:49 - 4 minutes - 8.69 MB

Homeland - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዓለም ህያብ ቱሪዝም 2019 ተሰላሚ ክከውን ተሓጽዩ።   70 ቢሊዮን ብር ዕዳ ተሰኪመን ዘለዋ 6 ፕሮጀክትታት ሽኮር ኢትዮጵያ ክሽየጣ እየን። ብዋሕስ ዝተፈትሑን ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሎም ክሱሳት ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ መሰል ዋሕሶም ተኸልኪሎም። ድምር ዕዳ ኢትዮጵያ 52.57 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ABUSE LAW - ሓዲሽ ሕጊ ጸረ ዓመጽ ቆልዑ

August 18, 2019 05:09 - 5 minutes - 10.4 MB

ABUSE LAW RNF - ንቖልዓ ብግብረ ስጋ ዓሚጸ ኢሉ ኣብ ቅድመይ ዝተናዘዘ ሰብ፡ ናብ ፖሊስ ከይድ ካብዝነግረሉ ክእሰር እመርጽ ክብል ኣብ መልበርን ላዕለዋይ ካህን ካቶሊክ ኣረጋጊጹ።  ብ 14 ነሓሰ ዝጸደቐ ሓዲሽ ናይ ቪክቶሪያ ሕጊ፡ መንፈሳዊያንን ናይ ሃይማኖት መራሕቲን ብዛዕባ ግብረስጋዊ ዓመጽ ቆልዑ ንመንግስቲ ሪፖርት ክገብሩ የገድድ።

መራሕቲ ህዝባዊ ኣብያን መራሕቲ ውተሃደራዊያንን ሱዳን ዉዕል መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሞም።( ካብ ዜናታት ቀርኒ አፍሪቃ)

August 18, 2019 02:57 - 6 minutes - 11.4 MB

ኣብታ ስደተኛታት ጽዒና ተኸርዲና ዝጸንሐት መርከብ ዝነበሩ መሰነይታ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ጥልያን ክኣትዉ ተፈቐዲዎም ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ካውንስልን ቀንዲ ልፍንቲ ተቓወምቲን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት መገዲ ዝመርሕ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ ብወግዒ ፈሪሞም።[node_list uuid="cefbcdda-3420-466d-a95f-a8d74d344267,d21e00d0-62be-4e18-b7ef-a5c4a2fc26f5"]

"ተገንጸልቲ ካብ ዓደን ከይወጹ ዘተ ዝበሃል የለን።" ሰብ መዚ የመን (ካብ ዕለታዊ ዜናታት)

August 15, 2019 07:13 - 10 minutes - 19.1 MB

ኣርእስታት ዜና       ጀርመን ናብ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ክትወርድ ትኽእል እያ ተባሂሉ። ናብ ርሑቕ ዞባታት ኣውስትራሊያ ከይዶም ዝሰርሑ ቁጽሪ ብዝሒ ስደተኛታት ብኸመይ ክውስኽ ከምዝኽእል ፓርላመንታዊ ኮሚተ ይሰርሕ ኣሎ። ቻይና እቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝግበር ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ምስ  ግብረሽበራ ዝቀራረብ ጠባያት እዩ ብምባል ኮኒናቶ።  ኣብ 2017 ኣብ ኣውስትራልያ 3,128 ሰባት ብነፍሰ ቅትለት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።  ተገንጸልቲ ካብ ዓደን ከይወጹ ዘተ ዝበሃል የለን ክብሉ ሰብ መዚ የመን ገሊጾም።

“ጽቡቕ ኣካላውዊ ቅርጺ እንተ ኣማዕቢልካ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ የስፍሖ እዩ።” ኤርሚያስ ተስፉ

August 14, 2019 23:17 - 15 minutes - 29.2 MB

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፡ ካብኡ ናብ ሊብያ ብድሕርዚ ናብ ፈረንሳ በጺሑ፡ ዜግነት ፈረንሳ ምስረኸበ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ኣሎ። ብዝያዳ ግና ፍሉይ ክእለት ካሊስተኒክስ (Callisthenics) ናይ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኣካላት የዘውትር እዩ። እዚ ዓይነት ስፖርት ኣብ ህይወቱ ሞራል ክብ ከብል፡ ርእሰ ተኣማንነት ከጥርን ንስራሕ ባብ ከምዘርሓወሉ ይዛረብ። ኣብ ኣውሮጳ ብስደት ዝነብሩ ሰባት ናብ ኣውስትራሊያ መጺኦም ስራሕ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ይምዕድ።

US IMMIGRATION RNF - ኣመሪካ፡ ፍቓድ መንበርን ዜግነትን ዝኸልእ ሓድሽ ሕጊ ትእውጅ።

August 14, 2019 02:33 - 4 minutes - 8.59 MB

US IMMIGRATION RNF - ኣመሪካ ነቶም ናይ መንግስቲ ሓገዝ ዝረኽቡ ስደተኛታት መሰል ቀዋሚ መንበርን ዜግነትን ዝኸልእ ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኣ። እዚ ናይ ሕጊ ለውጢ ነቶም ብትሑት ደሞዝ እናሰርሑ ብኸፊል ካብ መንግስቲ ሓገዝ ክረኽቡ ዝጸንሑ እሞ ዜግነት ኣመሪካ ክረኽቡ ተስፋ ጌሮም ዝጸንሑ ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ስግኣት ከውድቕ እዩ።

“ሰራዊት ኣካል ህዝቢ ስለዝኾነ ንለውጢ ምስህዝቡ ክውግን ኣጽዒቕና ክንሰርሕ ኢና።”

August 14, 2019 00:30 - 58 minutes - 107 MB

ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ቪዝባደን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን (ሃድኤ-ሕድሪ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተባህሉ ዉድባት ኤርትራ  ናይ ሓድነት ጉባኤ ተካይዱ ኔሩ። ነቲ ሓደ ኮይኑ ዘሎ ዉድብ  ኣቶ ተስፋይ ወ/ሚካኤል (ደጊጋ) ክመርሖ ተመሪጹ። ብዛዕባቲ ዉዱብን ካልኦት ፖለቲካዊያን ዉዱባት ኤርትራን ዘሎ ጉዕዞን ኩነታትን ናይ መጻኢ መደባትን ከብርሁልና፡ ምስ ኣቦ መንበር እቲ ዉድብ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ፡ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራን ኣቶ ብርሃነ ደበሱን ዝርርብ ጌርና ኣለና።

Diversity: Interview with Dr Aman - “ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ ወይ ብብሄር ኣግላልነት ይወርደና ኣሎ ኢሎም ንዝጠርዑ፡ ክስምዑን ጉዳዮም ክፍታሕን ኣለዎ።” ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ

August 12, 2019 09:23 - 56 minutes - 103 MB

Diversity: Interview with Dr Aman - ጥቕሚን ጉድኣትን ምህላው ብዙሕነት (Diversity): ኣብ ሃገር ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሳዕቤኑ እንታይ እዩ። ብዙሕነት ናይ ሓንቲ ሃገርከ ረብሓ ድዩ ጉድኣት? ብሰንኪ ብዙሕነት ክመጹ ዝኽእሉ ጸገማትን ኣፈታትሖኦምን ከመይ ይመስል? ዝብሉን ካልእን ብዛዕባ ብዙሕነት መጽናዕቲ ምስዝገበረ ዘተ SBS ትግርኛ  ምስ ዶ/ር ኣማኒኤል ኤልያስ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል እዩ።

Tour of Pologne, Tsgabu and Merhawi; Ethiopian stadiums suspended by CAF - ኣሜሪካዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ንሓይሊ ዘደንፍዕ ጥረ ነገር ተመርሚሩ ጠኒሱ ከምዘሎ ስለዘመልከተ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ

August 12, 2019 08:48 - 10 minutes - 18.8 MB

Weekly Sport (12/08/19) Petru Mamo finishes second in Swiss Alps CAF suspends Ethiopian stadia from hosting games, grants temporary permission to two Tour of Pologne finishes, Tsgabu Grmay finished fourth on the final day, Merhawi Kudus finishes second on Mountain sprint Eritrea to host CAF tournament - ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/08/2019) ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፖሎኝ ብዓወት ፓቨል ሲቫኮቭ ተዛዚሙ፡ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ናይ መዛዘሚ መድረኽ ዝድነቕ ሓምሻይ ወጺኡ፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፡  ግጥማት ሴካፋ ት15 ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ ባሕቲ መስከረ...

ዕድመ፡ ጻታን ባህላዊ ውርሻን ክንደይ ሰዓት ከንድቅስ ዝጸልዉ ረቛሒታት ከምዝኾነኑ ተፈሊጡ (Tigrinya news 12 Aug 2019)

August 12, 2019 07:32 - 9 minutes - 17.2 MB

ኣርእስታት ዜና፡ ኢራናዊ ስደተኛ ጸሓፊ፡ ብዝጸሓፎ መጽሓፍ ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ተሸላሚ ኮይኑ።  እዚ ሓዲሽ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ብፍቓድ ጥንሲ ምስዳድ፡ ጾታ ንምምራጽ ማዕጾ ከምዘይከፍት ናይቲ ክፍለ ግዝኣት ፕርሜር ትትስፎ።  ኣብ ካሽሚር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ክፍታሕ  ዓለም ክትለዓል ሰበይቱ ነቲ ብ ህንዲ ተኣሲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ተገንጸልቲ ካሽሚር ጸዊዓ።  ኣብ ታንዛኒያ ሓንቲ  ነዳዲ ጽ ዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ወዲቓ ብዝተፈጥረ ባርዕ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ሲኢኖም።

Homeland Report - ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ መገዲ ኣየር 'ኖርዝስታር' ኣስታት 3.8 ቢልዮን ብር ከም ዝስለዐሉ ኣጣየሽቱ ተዛሪቦም፡፡ (Ethio-News)

August 12, 2019 01:24 - 8 minutes - 14.3 MB

Australia pledges participate in Ethiopia's economic development. Tigray Region's airliner. Bekele Gherba's speech - ኣውስትራልያ ኢትዮጵያ ንዝወጠነቶ ጥጡሕ ባይታ ምህዞ ከም ትድግፍ ኣፍሊጣ፡፡  ብ4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ቅድሚ ክልተ ዓመት ክህነፅ ዝተወጠነ ዝተዋደደ ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ባዕኸር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክዛዘም ተባሂሉ ዛጊድብ ሰንኪዋ ሕዲበጀት ኣይተዛዘመን ተባሂሉ።   ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ መገዲ ኣየር 'ኖርዝስታር'  ኣስታት 3.8 ቢልዮን ብር  ከም ዝስለዐሉ ኣጣየሽቱ ተዛሪቦም፡፡   ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ኣብ ጉዳይ ምዕፃው ፅርግያ መስመር ኣዲስ ኣበባ ወልድያ መቐለ ንሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን ነቒፎም ፡፡ 

Sawa Military camp Eritrea - “ ሳዋ፡ ኣፍራይት ግዱድ ግልያታት መንግስቲን ስደተኛታትን” ሁዪማን ራይት ዎች

August 10, 2019 03:59 - 4 minutes - 6.68 MB

HRW says President Afwerki has not reformed education system that conscripts students into government service - ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ኣገዲዱ ናብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርናን ናይ መንግስቲ ስራሓትን ዝገብር ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኣሻሓት ስደት ኤርትራዊያን ምዃኑ  87 ገጽ ዝሓዘ ሓዲሽ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች  ሪፖርት ገሊጹ።  

Interview with Saron Tsegay - “ሰበይቲ ኮይና ትራክ እናዘወረት ብዙሕ ኣይክትጸንሕን እያ ዝብሉኒ ደቂ ተባዕትዮ ሓበሻ ኔሮም።” ሳሮን ጸጋይ

August 06, 2019 22:50 - 16 minutes - 28.6 MB

 Saron Tsegay from the Eritrean community is a woman truck driver and she shares her experience with SBS Tigrinya. -   ነባሪት ከተማ መልበርን ዝኾነት ወ/ሮ ሳሮን ጸጋይ ኣብቲ ካብ ማሕበረሰባትና ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተዋፊረን ዘይሰርሓሉ ምዝዋር ዓባይ መኪና (ትራክ) ስራሕ ተዋፊራ ትርከብ እያ። ንምንታይ ናብዚ ብደቂ ኣንስትዮ ዘይተለምደ ስራሕ ተዋፊራ? ንልዕሊ 6 ዓመታት ተዋፊራትሉ ዘላ ስራሕ እንታይ ረብሓታት ረኺባትሉ፡ ኣብ ስራሕ ዘጓንፋ ጸገምን ካልእን ኣብቲ ተዋፊራትሉ ዘላ ስራሕ ተመኩሮኣ ኣካፊላትና ኣላ።[node_list uuid="4697ea8b-f044-4710-8be8-e639bc2a4ece,e7366dd6-405f-4b6a-ad0c-541508a4d769"]

Ghenet Weldu: a woman who lost her two husbands in the Eritrea struggle for freedom - ፖለቲካ ኤርትራ ንክልተ ሰብኡታ ዝበልዓ ፡ ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ

July 13, 2019 02:09 - 23 minutes - 42.2 MB

Ghenet Weldu lives in Brisbane with her two sons. Her first husband was killed by his comrades in Eritrea. After eight years she married her second husband and he was a member of the central committee of one of the factions of the Eritrean rebels. In 1992, he was kidnaped by the Eritrean security forces from Kassale, Sudan to Eritrea. Ghenet resettled in Australia in 2019 and she tells SBS Tigrinya her story and the story of her lost husbands and how she managed to grow her two sons in Austr...

Ghenet Weldu: a woman who lost her two husbands in the Eritrea struggle for freedom - ፖለቲካ ኤርትራ ንክልተ ሰብኡታ ዝበልዓ ፡ ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ (ኣብ 2019 ብብዝሒ ካብ ዝተሰምዑ መደባት)

July 13, 2019 01:09 - 23 minutes - 40.1 MB

Ghenet Weldu lives in Brisbane with her two sons. Her first husband was killed by his comrades in Eritrea. After eight years she married her second husband and he was a member of the central committee of one of the factions of the Eritrean rebels. In 1992, he was kidnaped by the Eritrean security forces from Kassale, Sudan to Eritrea. Ghenet resettled in Australia in 2019 and she tells SBS Tigrinya her story and the story of her lost husbands and how she managed to grow her two sons in Austr...

Tigrinya Legend folklore - ንራእሲ ወልደሚካኤል ስሎሞን (ጎሚዳ)ን ንደጊያት ሃይሉ ተ/መድግን (ኣባ ጋላ)ን ዝተገብረ ማሰን መልቀስን፡ (ሞዛይክ ባህሊ)

July 12, 2019 23:26 - 14 minutes - 25.7 MB

 folklore  for Welemichael Solomon and Haylu Teweldmedhin (cultural show) - ንሎሚ ዝቐረበ መደብ ብ መም. ይስሃቕ ዮሴፍ ካብ ዝተጻሕፉ ክልተ መጻሕፍቲ ዝተረኽበ ንቐዳሞት ኣቦታት ዝተፈላለዩ ሰባት ብመሰንቆን ካልእን ዝተገብረሎም ደርፊታት፡ ማሰን መልቀስን እዩ።

Beyene Haile - ደራሲ በየነ ሃይለ እንክዝከር (ሞዛይክ ባህሊ SBS ትግርኛ)

July 06, 2019 03:03 - 16 minutes - 28.6 MB

Beyene Haile - ብ ኣቦ ሰውራ ስነጽሑፍ ኤርትራ ዝፍለጥ ደራሲ በየነ ሃይለ ብምኽንያት ሻውዓይ ዓመት ሞቱ ዝተዳለወ ትሕዝቶ።

FOLAU LOBBY RNF - መልእኽቲ ጸረ ሶዶማዊ ተግባር እስራኤል ፎላን ንደገፉ ዝውህለል ዘሎ ዶላራትን።

June 26, 2019 02:30 - 6 minutes - 11.4 MB

  The Australian Christian Lobby has come to the rescue of Israel Folau, kick starting a fresh fund raising drive for his legal battle against Rugby Australia.   While there's renewed backlash to Folau's anti-gay comments, this time directed at the public relations company that represents him - እስራኤል ፎላ ተጻዋታይ ናይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍቱው ዝኾነ ጸወታ ሀገራዊ ራግቢ   ዝነበረ እዩ። ንሱ ኣማኒ ክርስትና ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እምነቱ ኣንጻር ግብረሰዶማዊያን ድምጹ ከስምዕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፤ “ግብረሰዶማዊያን መወዳእታኦም ኣብ ሲኦል ምእታው እ...