SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,688 episodes - Tigrinya - Latest episode: 17 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

“ካብ ትሕቲ ዕድመ ወተሃደር ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዳይረክተር ተክኒክ ኣብ ዓቢ ኮርፖሬሽን ኣመሪካ።” ዕላል ምስ ጸሓፊ ቶማስ ሶሎሞን

April 12, 2024 03:59 - 27 minutes - 25 MB

ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረን ትሕተ ዕድመ ዕጡቕ ኮይኑ ዝዓበየን ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና።

“ካብ ትሕቲ ዕድመ ዕጡቕ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዳይረክተር ተክኒክ ኣብ ዓቢ ኮርፖሬሽን ኣመሪካ።” ዕላል ምስ ጸሓፊ ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን

April 12, 2024 02:12 - 27 minutes - 25 MB

ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረን ትሕተ ዕድመ ዕጡቕ ኮይኑ ዝዓበየን ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2024)

April 11, 2024 04:41 - 57 minutes - 65.5 MB

ንሎሚ ሓሙስ 11 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ብኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረ ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ...

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2024)

April 11, 2024 03:09 - 13 minutes - 13.5 MB

ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣንጻር ሴማዊ ኣተሓሳስባ ኽዕብልል ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ ፣ መበል 1445 ህጅሪያ ዒድኣልፈጥር ኣብ ትግራይን ኤርትራን ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ። መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ሰለስተ ደቁን እንተ ወሓደ ክልተ ደቂ ደቁን ከም እተቐትሉ ገሊጹ ። ማሕበር ተጋሩ ቪክቶርያ ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ንምግቢ ዝዉዕል ልዕሊ 16 ሚልዮን ብር ን ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪቡ።

ርዋንዳ፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ጽንተት ዓሌትን

April 10, 2024 22:44 - 8 minutes - 11.5 MB

7 ሚያዝያ ነቲ ብ1994 ናይቲ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመላ 'ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣስተንትኖ " እያ ። ይኹን እምበር ፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ዓሌታዊ ውጥረትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ስዒቡ እዩ ተፈጺሙ ። እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ትንታነ ዜና ነዚ ክርእይ እዩ ።

ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።

April 10, 2024 21:59 - 4 minutes - 3.95 MB

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሚያዝያ 2024)

April 10, 2024 00:24 - 5 minutes - 7.97 MB

ንሎሚ 10 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘስካሕክሕ ጥሜት ተኸሲቱ። ሓማስ ነቲ እስራኤል ብዛዕባ ኣብ ምቍራጽ ተዅሲ ዝምልከት ዘቕረበቶ እማመ ፡ ንጠለባት ፍልስጤማውያን ከም ዘየማልእ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብዝያዳ ኣጽኒዑ ንሸምገልቲ መልሲ ከም ዝህብ ገሊጹ ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ክልል ኣምሓራ መበል 1445 ዒድ ኣል-ፊጥር ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ሞት ናይ 4 ኣመንቲ ኮኒኑ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለና ተቓዉሞ ናይ ምግባር መሰል።

April 09, 2024 04:38 - 10 minutes - 13.8 MB

ኣውስትራሊያዊያን ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ድምጾም እናስምዑ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፊ የዘውትሩ። ተቓውሞ ምግባር ብመሰረቱ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን ፤ ተቓወምቲ ግን ሓሓሊፎም ንዶባት ሕጊ ብኽቱር ክጥሕሱ ወይ ወይ ጸረ ሕብረተሰባዊ ባህርያት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም ። ተቓውሞ ኣብተስምዕሉ ፣ ናብ ጸገም ናይ ምእታው ዕድልኩም ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታን ኣብ ጠባይኩምን እዩ ዝምርኮስ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2024)

April 09, 2024 01:45 - 5 minutes - 7.12 MB

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ራፋ ንምውራር ዝኣተዎ ቃል ደጊሙ ብምርግጋጽ ፡ እቲ ወረራ መዓስ ከምዝፍጸም ክገልጽ ግን ኣይደለየን ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ቪክቶርያ ፡ ኣብ ሓንቲ ዝነደደት ማኪና ሬሳ ሰበይቲ ምስ ተረኽበ ፡ ሓደ ወዲ 21 ዓመት ሰብኣይ ብቕትለት ተኸሲሱ ። ተዋዳዳሪ ማራቶን ጕያ ሩስ ኩኽ ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ንምሉእ ዙርያ ኣፍሪቃ ብጉያ ክዘራ ታሪኽ ኣብዝሰርሓሉ ዘሎ ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጠሞ ሓደገኛ ነገራት ኣካፊሉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)

April 08, 2024 05:20 - 46 minutes - 49.4 MB

ንሎሚ ሰኑይ 8 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ ኔርና። መቐጸልታ ናይቲ ዝተገብረ ዕላል ሎሚውን ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣ...

“ምክልኻል ጥንሲ: ኣብ ግዝኣት ሓርነት ሰብ ዘሎ ዉሳነ እዩ።” መ/ ዑቕባስላሰ ሃይለ

April 08, 2024 05:06 - 22 minutes - 20.9 MB

መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ብዛዕባ ጥዑይ ሓዳር ዝምልከት ምኽርን ሓሳባትን ዝሃበሉ ካልኣይ ክፋል ትሕዝቶ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)

April 08, 2024 04:49 - 14 minutes - 13.7 MB

ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንኣዋርሕ ዝኣክል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ከም ዝሰሓበት ሓደ ወሃብ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዉሕጅ ዝወረደ ጕድኣት ኣብዝግምገመሉ ዘሎ እቲ ወሓይዝ እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ።

April 07, 2024 21:43 - 7 minutes - 5.53 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ። ኣብ ኣምሓራ ቤት ትምህርቲ ከተማ ፍኖተሰላም ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጒ ኣብ 25 ተማሃሮ ተጎዲኦም ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኣምሓራ “ገበናት ኲናት” ዝበሎ ፍጻመ ብመርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ መርመራ ክገበረሉ ጸዊዑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024)

April 04, 2024 15:35 - 57 minutes - 41.4 MB

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024) * ዜና * ሓዳስ ወኪል ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ (ጋቨርነር ጀነራል) ኣብ ኣውስትራልያ ተሰይማ፣ * ጸብጻብ ዜናታት ካብ ዞባና፣ ዘተ ሕወሓትን ብልጽግና ብዛዕባ ቀንዲ መበገሲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልቲኦም፣ ፑንትላንድ ኣሰር ሶማሊላንድ ብምስዓብ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ጀሚራ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይልታት ባሕሪ ሩስያን ኤርትራን * ቃለመሕትት ምስ መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ፣ ትንሳኤን ኣከባብርኡን፣ ማሕበራዊ ጉዳትን ኣፈታትሕኦምን * ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ፣ ክሊማ ኣውስትራልያ፣ ተነቃፍነቱን ኣተሓሕዝኡን

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024)

April 04, 2024 15:16 - 11 minutes - 7.98 MB

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024) * ሓደ ህቡብ ከሻኒ ኣብ ዓለም እስራኤል ንናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት ኮነ ኢላ ቀቲላቶም ኢሉ ይኸስስ፣ * እስራኤል ሓያሎ ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቆንስል ኢራን ኣብ ሶርያ ድሕሪ ምክያዳ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፣ * ኢትዮጵያን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ከይተሰማምዑ ተፈላልዮም፣

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ (ጸብጻብ)

April 03, 2024 21:59 - 8 minutes - 5.96 MB

ጸብጻባት ዜና (04042024) * ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ፣ * ህወሓትን ብልጽግናን፣ መሰረታዊ ጠንቂታት ኩናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ፈላሚ ርክብ ኣካይዶም፣ * ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ስምምዕ ልቓሕ ከይበፅሐ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ፣ * ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ዝምድና ንምዕባይ ተሰማሚዐን፣

'ኣብ መንጎ ማዕዳን/ምኽርን ተግሳጽን ሚዛኑ ዝሓለወ ጌርና እንተቐሪብናዮም ደቅና ክስዕቡና'ዮም' መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ

April 03, 2024 18:13 - 13 minutes - 10.4 MB

መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ለና። ቀዳማይ ክፋሉ እነሆ ነቕርበልኩም። በየነ ሰመረ'ዩ ነቲ ዕላል ኣካይድዎ፣ ሰናይ ምክትታል።

ሳማንታ ሞስቲን ሓዳስ ወኪል ንግስነት ብሪጣንያ ኣብ ኣውስትራልያ (Governor General) ተሰይማ

April 03, 2024 17:48 - 9 minutes - 7.16 MB

ተጣባቒት ማዕርነት ጾታታትን በዓልቲ ዋኒን ንግዲን ሳማንታ ሞስቲን ሓዳስ ተጸዋዒት ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ (Governor General) ኣብ ኣውስትራልያ ክትከውን ተመዚዛ። ንሳ ነዚ ሓላፍነት ዝተዋህባ ካልኣይቲ ጓለንስተይቲ ኮይና’ላ።

ዙራ'ሞ ሃገርካ - ኣውስትራልያ፣ ክቡር ሃብቲ ማያን ፍሉይ ክሊማኣን

April 02, 2024 20:47 - 14 minutes - 11.2 MB

ኣውስትራልያ፣ ምስ ልዑል ዝኾነ ፍልልያት ኣብ ዝናብ፣ ሙቐትን ተርእዮታት ኩነታት ኣየርን ኣብ መላእ’ቶም ዝተፈላለዩ ዞናታት ክሊማን ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእን፣ ካብ ኩለን ሰብ ዝነብረለን ኣህጉራት እታ ዝደረቐት’ያ። ካብ ትሮፒካዊ ሰሜን ክሳብ ተምፐረይት ደቡብ፣ ትሮፒካዊ ህቦብላታት፣ ምዕልቕላቓት፣ ማዕበላት ሙቐትን ደርቅን ዘካተቱ፣ ኣውስትራልያ ብተወሳኺ ብዙሓት ጠርዝታት ዝሓዙ ክቱራት ኩነታት ኣየር የጋጥምዋ። ክሊማ ኣውስትራልያ ነቶም ብዙሓት ዝዓይነቶም ኢኮሲስተምስ ይቐርጾም፣ ብዙሓት ካብ’ኦም ብምኽንያት ሕጽረት ማይ ብቐሊሉ ክዓንዉ/ክፈርሱ ዝኽእሉ’ዮም። ክሊማዊ ለውጢ፣ ባርዓት ጣሻን ደርቅን ብተወሳኺ ነዚኦም ከባቢታት የስግእዎም፣ ነዚኦም ንምዕቃብ ከኣ ኣድላይነት ጻዕርታት ስርሓት ምዕቃብ ኣጉሊሖም የርእዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (2 ማዝያ 2024)

April 02, 2024 05:50 - 6 minutes - 4.69 MB

ንሎሚ 2 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ቅትለት ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሰራሕተኛ ረዲኤት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን ይብል፣ * ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ሓድሽ መንግስቲ ቃለመሓላ ኣፈጺሙ፣ * ካብ 50 ክሳብ 70 ሚሜ ዝበጽሕ ህቦብላዊ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ከባቢታት ግዝኣት ቪክቶርያ ዘኒቡ፣ * ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ ፈለማ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሰይማ፣

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ማዝያ 2024)

April 01, 2024 05:38 - 55 minutes - 39.6 MB

ምሉእ ትሕዝቶ ፈነወ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (01042024) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * በዓል ፋሲካ ኣብ ኣውስትራልያን ብዛዕብኡ ዘለና ኣፍልጦን * ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ መሓረና ይከኣሎ፣ ክኢላን ኣማኻርን ቁጠባን ንግዲን - ኣብ ዛዕባታት ንግዲ፣ ዋኒናት፣ ንብረት፣ ግብሪ፣ ቦንድ፣ ስቶክ፣ ዕዳ፣ ተቐማጢ ገንዘብን ካልእን * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ - ሊቨርፑልን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግን፣ ቢንያም ግርማይን መጉዳእቱን፣ ጓል 15 ዓመት ሓያል ኣትሌት ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ እግሪ መሮር

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ማዝያ 2024)

April 01, 2024 05:17 - 8 minutes - 5.73 MB

ኣርእስታት ዜና፥ * በዓል ፋሲካ ኣብ ኣውስትራልያ ብዝተፈላለዪ ኣገባብ ተባዒሉ፣ * ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ግዝኣት ኲንስላንድ ምዕልቕላቕ ኣኸቲሉ ዝጸንሐ ኩነታት ከቢድ ዝናብ ክዝሕል ጀሚሩ፣ * መጥቃዕታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 77 ፍልስጤማውያን ቀቲሎም፣

ፈረንሳ ንኦሎምፒክስ-ፓሪስ ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ክሕግዙዋ ትሓትት

April 01, 2024 00:32 - 10 minutes - 8.09 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01042024) * ኣብ ከተማ በልግረይድ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ውድድራት ጉያ እግሪ መሮር ጓል 15 ዓመት ማርታ ኣለማየሁ ዝድነቕ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሓያሎ መዳልያታት ሓፊሶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ድዋርስ ዶን ፍላንደርስ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ካብ ውድድር እንተቋረጸ’ኳ ኣብ ዙር ፍላንደርስ ተሳቲፉ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፣ * ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ገጢመን ብዘይሽቶ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላየን ሊቨርፑል መሪሕነት ተረኪባ፣

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መጋቢት 2024)

March 28, 2024 03:38 - 55 minutes - 60.1 MB

ንሎሚ ሓሙስ 28 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣቶ መሓረና ይከኣሎ ብዛዕባ መድሕን ወይ ኢንሹራን፡ ዕዳን ካልእ ምስ ፋይናንስ ዝተሓሓዝ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት መቐጸልታ ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ንሕምጢጥ ካብ ምግጫው ድሒነን ተባሂሉ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ። ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ኣለና። ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ብ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ በዓል ትንሳኤ እዩ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር “ኣብ ኣውስትራሊያ፡ በዓል ትንሳኤ ብኸመይ'ዩ ዝበዓል፧” ዝብል ትሕዝቶ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 3.4 ...

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መጋቢት 2024)

March 28, 2024 01:55 - 14 minutes - 14 MB

ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 3.4 ሚኢታዊት ኮይኑ ቀጺሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣፍሊጡ። በዓል ትንሳኤ እናቐረበ ኣብዝመጻሉ ዘሎ: ኣውስትራልያውያን ዋጋ ቸኮላታ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ።

ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

March 27, 2024 22:18 - 9 minutes - 6.35 MB

ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ንሕምጢጥ ካብ ምግጫው ድሒነን ተባሂሉ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ። ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ሰፊሩ።ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና።

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ በዓል ትንሳኤ ብኸመይ'ዩ ዝበዓል፧

March 27, 2024 02:56 - 10 minutes - 14.2 MB

በዓል ትንሳኤ ኣብ ክርስትያናዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ሓደ ካብ ኣዝዩ ኣገደስቲ በዓላት እዩ ። ሃይማኖት ብዘየገድስ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ፡ ኣብቲ ናይ ነዊሕ መወዳእታ ሰሙን ዕረፍቲ ፡ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ፡ ከምኡ እውን ምስ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይተሓሓዝ እዩ ። ዕረፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሉግዜ ምስዚ በዓላት ስለዝጋጠም ፡ ህጻናት ኣብ ባህላዊ ወግዕታትን ፌስቲቫላትን ንኽሳተፉ ሰፊሕ ዕድል ዝህብ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2024)

March 27, 2024 02:45 - 5 minutes - 8.28 MB

ንሎሚ 27 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፈለማ ኣርእስታት ዜና: ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ምእታው ኣምሓራ ኲናት ምጽሕታር’ዩ ክብል ባይቶ ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ኣጠንቂቑ። ነቲ ኣብ ባልቲሞር ዝፈረሰ ዓቢ ድንድል ዳግም ምምሕዳሩ ከምዝሃንጾ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣፍሊጡ ። ኣብ ደቡብ ፐርዝ ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ፡ ሸሞንተ ኣባይቲ ምስ ኣዕነወ ኣብትሕቲ ቁጽጽር ዊዒሉ ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መጋቢት 2024)

March 26, 2024 00:15 - 6 minutes - 8.6 MB

ንሎሚ 26 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና: ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ማካይን ከተእቱ መዲባ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ካብ ከተማ ፐርዝ ብሸነኽ ደቡብ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ፡ ሰለስተ ኣባይቲ ነዲዱ ። ኣመሪካ ንውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ቓዛ ድምጺ ተዓቅቦ ብምግባራ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል :ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኣመሪካ ክሰዶ መዲብዎ ዝነበረ ሰሪዝዎ፣

“ዕዳ ማለት ናይ በረኻ ገበል ኣምጺእካ ወዲ ገዛኻ ክኸውን ከም ምፍታን’ዩ።” መሓረና ይከኣሎ

March 26, 2024 00:06 - 24 minutes - 21 MB

ዕዳ ምዕዳይን ምሕደራኡን፡ ዓይነታት መድሕን ወይ ኢንሹራንስን ጥቕሞምን፡ ኣበየናይ ኢንቨስት ክንገብር ወይ ከነውፍር፡ ብዛዕባ ስቶክ ማርኬት፡ ቦንድን ካልእ ሕቶታትን ኣብዚ ቃለመሕትት ብኣቶ መሓረና ይከኣሎ ተተንቲኖም ኣለዉ። ኣቶ መሓረና ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ፋይናንስ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝመጻሉ ብዛዕባ ኣብ ቢዝነስ ምንጣፍ፡ ኣገባብ ልቓሕን ምሕደራ ዕዳ፡ ምውናን ገዛን ካልእ ምስ ዋኒን ዝተኣሳሰር ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ኣካፊሉ ነይሩ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ክፋሉን ናይ መወዳእታን ቀሪቡ ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2024)

March 25, 2024 06:22 - 53 minutes - 53.5 MB

ንሎሚ ሰኑይ 25 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ባርዕ ጫካ እናገደድደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተቐትሉ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 133 ሰባት ሓዘን ተኣዊጁ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽና...

ዓመታዊ ስነስርዓት ኢፍጣር ብ ካውንስል ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያዊያን ጀበርቲ።

March 25, 2024 03:05 - 6 minutes - 7.15 MB

ካውንስል ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያዊያን ጀበርቲ ዓመታዊ ረመዳን ኢፍጣር ኣብ ኣዳራሽ ኮሊንግዉድ ብ24 መጋቢት 2024 ኣካይዱ። ነቲ ስነስርዓት ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2024)

March 25, 2024 02:50 - 13 minutes - 13.7 MB

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ባርዕ ጫካ እናገደድደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተቐትሉ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 133 ሰባት ሓዘን ተኣዊጁ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። (ጸብጻብ)

March 24, 2024 21:38 - 6 minutes - 4.47 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። "ንህዝቢ ኦሮሞ ካብ መረበቱ ምፍንቓል ኣብቂዑ ኣሎ" ክብል ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ተዛሪቡ። ንመሓዝኦም ዝቐተሉ ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 22 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

MiniPod: Ep12 Future Plans| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ መበል 12 ክፋል፡ መጻኢ መደባት| English on Repeat (Easy)

March 24, 2024 20:57 - 5 minutes - 4.17 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you have any plans? | I want to travel. | I hope to start a business. | I plan to save money. | I’d like to live near the beach. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ዝኾኑ መድባት ኣለዉኹም ድዮም፧ | ኣነ ክገይሽ (ክጓዓዝ) ይደሊ። | ሓደ ንግዲ ክጅምር ተስፋ 'ገብር። | ገንዘብ ከዋህልል ይምድብ (መደብ ኣሎኒ)። | ጥቓ ገምገም ባሕሪ ክነብር ድሌት ኣሎኒ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ኼንት ዌቨለኸም 7ይ ወጺኡ፣ ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ብ9 ወርቂ 8ይ ኤርትራ ኸኣ ብ7 ወርቂ መበል 11 ወዲኤን፣

March 24, 2024 20:56 - 13 minutes - 10.9 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/03/2024) * ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣክራ 2023 ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ኣትለቲክስ ዘመዝገበቶም ዓወታት ተጠቒማ 9 ወርቂ ዝርከብዎም 22 መዳልያታት ኣዋህሊላ 8ይ ክትውድእ’ንከላ ኤርትራ ዝበዝሑ ብቅድድም ብሽግለታ ዘመዝገበቶም 7 ወርቂ ዝርከብዎም 15 መዳልያታት ኣዋህሊላ ኣብ መበል 11 ተርታ ተሳትፎኣ ዛዚማ፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሌሶቶ ክልተ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኣካይዳ ኣብ’ቲ ቀዳማይ 2-1 ክትሰዓር’ንከላ ኣብ’ቲ ካልኣይ 2-1 ስዒራ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኼንት ዌቨለኸም ተሳቲፉ ዝነኣድ 7ይ ወጺኡ፣ * ማልያታት ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ጀርመንን ምስ ቅዲን ኣፍረይቲ ትካላት ስፖርታዊ ናውትን ብዝተኣሳሰር ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኣዘራረብቲ ኮይኖም፣

The importance of understanding cultural diversity among Indigenous peoples - ኣገዳስነት ምርዳእ ኣብ መንጎ ደቀባት ዘሎ ብዙሕነት፡

March 21, 2024 05:22 - 9 minutes - 8.55 MB

Understanding the diversity within the First Nations of Australia is crucial when engaging with Aboriginal and Torres Strait Islander peoples and building meaningful relationships. - ምስ ተቐማጦ ደሴት ቶረስን ኣቦርጂንን ኣብ ዝግበር ጽምዶ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ንምህናጽ ፡ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ ዘሎ ብዙሕነት ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መጋቢት 2024)

March 21, 2024 03:51 - 56 minutes - 56.9 MB

ንሎሚ ሓሙስ 21 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኪኢላ ፋይናንስ መሓረና ይከኣሎ ካብ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ኣብ መቐለ መኻናት ሰባት ውሉድ ዝረኽቡሉ ሕክምና ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ገንዘቡ ንዘይመለሱ ዓማዊል ብሕጊ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ። ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና። ከምኡውን “ምርዳእ ብዛዕባ ጥፈሻ (bankruptcy): መን’ዩ ዝግብኦ፡ ትርጉሙ’ኸ እንታይ እዩ፧ዝድህስስ ሰሙናዊ መደብ ምባር ኣብ ኣውስትራሊያን ን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝመልኩ ክኢላታት ቀል...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መጋቢት 2024)

March 21, 2024 01:41 - 14 minutes - 13.6 MB

ኣርእስታት ዜና፥ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝመልኩ ክኢላታት ቀልጢፎም ስራሕ ክረኽቡን ዝሓሸ ደሞዝ ክኽፈሉን ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ። ኣብ ምብራቕ ፐርዝ ካብዝተላዕለ ባርዕ ብዙሕ ኣባይቲ ከምዝደሓነን መበገሲ ናይቲ ባርዕ ብጥርጣረ ከምዝጥምትዎን ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኤርትራ ናይ15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓንጺጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኤርትራ ናይ15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓንጺጹ። (ካልእ ጸብጻብን)

March 20, 2024 22:46 - 9 minutes - 6.36 MB

ኣብ መቐለ መኻናት ሰባት ውሉድ ዝረኽቡሉ ሕክምና ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኤርትራ ናይ15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓንጺጹ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ገንዘቡ ንዘይመለሱ ዓማዊል ብሕጊ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝቐነዩ ስራሕተኛታት ክወጽኡ እናተጸብዩ ዳግም ተጨውዮም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ንዑደት ስራሕ ጁባ ኣትዩ

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2024)

March 20, 2024 00:11 - 6 minutes - 8.73 MB

ንሎሚ 20 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ካብ ፐርዝ ብሸነኽ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ጫካ ኣብ ህይወት ሰባትን ኣባይትን ስግኣት ፈጢሩ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ወጢናቶ ዘላ መደብ ደው ንምባል ፡ ካብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዝቐረበሉ ጻውዒት በንጃሚን ናታንያሁ ነቲ ነጺግዎ ። ስፖርታዊያን ሩስያውያንን ቤላሩሳውያንን ኣብ ፓሪስ ዝካየድ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሊምፒክ ንኸይሳተፉ ተኣጊዶም።

ምርዳእ ብዛዕባ ጥፈሻ (bankruptcy): መን’ዩ ዝግብኦ፡ ትርጉሙ’ኸ እንታይ እዩ፧

March 19, 2024 03:44 - 9 minutes - 13.8 MB

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ምጥፋሽ ገንዘብ (bankruptcy) ይሓፍሩን ይጭነቑን እኳ እንተ ኰኑ ፡ ካብ ፋይናንሲያዊ ጸገማት ንምንጋፍ ግና ዝበለጸ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል እዮ ። ዕዳኻ ኽትምሕድሮ እንተ ዘይክኢልካ ፡ ንዕዳኻ ናይ ጥፈሻ ወይ bankruptcy. ፋይል ክትከፍተሉ ትኽእል ኢኻ ። ሞያዊ ምኽሪ ብምርካብ ምጥፋሽ ወይ bankruptcy. እቲ ቅኑዕ ኣማራጺ ምዃኑን ሳዕቤናቱን ከም እትርድኦን እዩ ዝገብር ።

"ኣብ ቢዝነስ ንወዲ ሰብ ክልተ ነገር’የን ዝሃስዮኦ፡ ፍርሂ ወይ'ውን ድፍረት” መሓረና ይከኣሎ

March 19, 2024 00:53 - 18 minutes - 16.6 MB

ኣቶ መሓረና ይከኣሎ ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ፋይናንስ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝመጻሉ ብዛዕባ ኣብ ቢዝነስ ምንጣፍ፡ ኣገባብ ልቓሕን ምሕደራ ዕዳ፡ ምውናን ገዛን ካልእ ምስ ዋኒን ዝተኣሳሰር ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኣካፊሉ ኣሎ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ቀዳማይ ክፋሉ ኮይኑ ኣብ መጻኢ ካልኣይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 መጋቢት 2024)

March 18, 2024 23:22 - 4 minutes - 6.72 MB

ንሎሚ 19 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ትሮፒካዊ ሳይክሎን ወይ ኣውሎ ንፋስ ሜጋን ን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ብቐጻሊ ይወቕዖ ኣሎ: ሓይልታት እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ብምውራር ፡ ብዙሕ ጕድኣት ኣውሪዶም ፡ መራሕቲ ምዕራባዊ ዓለም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዳግማይ ብምምራጹ ይነቕፋ ቻይናን ኢራንን፤ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ፑቲን ይሰዳ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መጋቢት 2024)

March 18, 2024 06:49 - 56 minutes - 41.3 MB

ሶኑይ 18 መጋቢት 2024 ዝተፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ - ዜና፣ ቃለመሕትት ምስ ግዝያዊ መራሒ ሓድሽ ኣብ ደገ ዝተመስረተ ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ፣ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምካ ዝምህር መደብ (መበል 11 ክፋል)፣ ጸብጻባት ዜና ካብ ልኡኽናን ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛን

ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ህይወቶም ሓሊፉ

March 17, 2024 23:37 - 7 minutes - 5.29 MB

ጉዳይ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ብህፁፅ ንክፍትሑ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ፣ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣፅዲቑ፣ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ህይወቶም ሓሊፉ ዝብሉ ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም::

ሊቨርፑል ካብ ኤፍኤ ካፕ ብማንቸስተር ዩናይትድ ተገሊፋ፣ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ 6 ወርቂ ዝርከቦም 13 መዳልያታት ዓቲራ፣

March 17, 2024 20:37 - 12 minutes - 10.3 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/03/2024) * ማራቶን ሲዮል ሰንበት ተኻይዱ ጀማል ይመርን ፍቅርተ ወረታን ተዓዊቶም፣ * ዮሚፍ ከጀልቻ ኣብ ውድድር 10ኪሜ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ኣብ ስፐይን ተዓዊቱ፣ * ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥማት ዩኤፋ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣርሰናል ኣንጻር ባየርን ሙኒክ ማንቸስተር ሲቲ ኸኣ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ክገጥማ’የን፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ሚላኖ-ሳንሬሞ ተሳቲፉ፣ * ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኤርትራ 6 መዳልያታት ወርቂ ዝርከቦም 13 መዳልያታት ኣዋህሊላ ሻምናይ ተርታ ሒዛ ኣብ ዝለዓሉ 10 ሃገራት ተሰሪዓ፣ * ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ተገሊፋ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ዝበጽሓሉ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ኮቨንትሪ ሲቲ፣ ማንቸስተር ሲቲ ኸኣ ኣንጻር ቸልሲ ክገጥማ ምኻነን ተፈሊጡ፣

MiniPod: Ep11 Going To A Party | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ መበል 11 ክፋል፡ ናብ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ/ፓርቲ) ምኻድ | English on Repeat (Easy)

March 17, 2024 20:20 - 5 minutes - 4.43 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Will you come to the party? | I’m looking forward to the party. | I'm going to my friend’s for a barbecue. | I'll bring some chips and dips. | What will you bring? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ናብ'ቲ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ) ክትመጹ ዲኹም? | ነቲ ድግስ ብሃንቀውታ'የ ዝጽበዮ ዘለኹ። | ስጋ ክንጠብስ ናብ እንዳ ዓርከይ ክኸይድ'የ። | ኣነ ገለ ዝተጠብሰ ድንሽ (ቺፕስ)ን ዝጥማዕን ከምጽእ'የ። | ንስኹም'ከ እንታይ ከተምጽኡ ኢኹም፧?

ኣብ ምእላይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ሰባት ደሞዝ ተወሲኾም

March 16, 2024 20:29 - 6 minutes - 5.13 MB

ሰራሕተኛታት ምእላይ ኣረጋውያን ወይ ኤጅድ ኬይር ታሪኻዊ ዝኾነ ወሰኽ ኣብ ክፍሊት ወይ ደሞዝ የብዕሉ’ለዉ። ኮሚሽን ርትዓዊ ስራሕ ወይ ዘ ፈይር ዎርክ ኮሚሽን ብዝሃቦ ውሳነ ገለ ኣለይቲ ኣረጋውያን ደሞዞም ብ28% ክውስኸሎም’ዩ - እዚ ወሰኽ ዶንጊዩ ከማን ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ። እንተኾነ ግን ኩሎም ኣብ’ቲ ጽላት ዝተዋፈሩ ኣይኮኑን ናይ’ዚ ወሰኽ ተረጋሕቲ ዝኾኑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2024)

March 14, 2024 01:56 - 53 minutes - 56.6 MB

ንሎሚ ሓሙስ 14 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ግዚያዊ ኣቦወምበር ሓድሽ ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣቶ መርሃዊ ወልደሚካኤል ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። ብዛዕባ ምማት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜ/ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሬ ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና። ኣብ ሃይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝድህስስ ትንታነ ዜና ን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዝለዓለ ኣካል ኣስራሕቲ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ን ኮቪድ 19 ዝሃቦ ምላሽ ብሮያል ኮምሽን ክምረምር ጸዊዑ ። ቲክቶክ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነቲ ዝተዋህቦ መምርሒ እንተዘይተግቢርዎ ኣብ መላእ ኣመሪካ ከይሰርሕ ዝእግድ ሕጊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣሕሊፉ ። ሰራዊት ጅቡቲ ብሰንኪ ከባብያዊ ግጭት ካብ ማእከላይ ሶማል ወጺኡ።