SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,688 episodes - Tigrinya - Latest episode: 17 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

“ጂኦፖለቲካዊ ስትራተጂ ትግራይ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠመተ ምስ ኤርትራ ርክብ ምምሕያሽ’ዩ ክኸውን ዘለዎ።” ፕሮ/መረሳ ጸሃየ

January 11, 2024 05:34 - 14 minutes - 12.1 MB

ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ምድላይ ባሕሪ ኢትዮጵያን መጻኢ ኣመቱን ዝምልከት ካልኣይ ክፋል ሰፊሕ ዝርርብ ምስ ፕሮፌሶር መረሳ ጸሃየ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ጥሪ 2024)

January 11, 2024 03:31 - 55 minutes - 56.4 MB

ንሎሚ ሓሙስ 11 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ምሁር ፖለአቲካ ተ/ፕሮ መረሳ ጸሃየ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።ከነቕርቦ ኢና። እስራኤል ድሕሪ እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንኬን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍልስጤማውያን እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝድህስስ ሓደ ትህዝቶ ኣሎና፡ ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ገምጋም ዋጋ ክራይ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ን10 ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት...

ኣመሪካ ናጻ ሃገረ ፍልስጢኤም ክምስረት ትጽውዕ፡ ኲናት ቓዛ ኣብ ምሉእ ዞባ ከይሰፍሕ የስግእ።

January 11, 2024 01:56 - 8 minutes - 6.73 MB

እስራኤል ድሕሪ እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንኬን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍልስጤማውያን እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብሰንኪ ቅትለት ኣዛዚ ሰራዊት ሕዝቦላህ ፡ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብቲ ዞባ ከይሰፍሕ ተሰጊኡ። ዛጊት ኣመሪካ ፡ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ጠለብ ኣየቕረበትን ፡ ሓደ ናይ ኣውስትራልያ ትካል ድማ ፡ መንግስቲ ምስቲ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እተኻየደ ጃምላዊ ቅትለት ብደቡብ ኣፍሪቃ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ምጽናት ዓሌት ክሳተፍ ጸዊዑ ኣሎ ።

ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ጥሪ 2024)

January 10, 2024 00:05 - 5 minutes - 8.44 MB

ኣብ ኲንስላንድን ቪክቶሪያን ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ዓድታት ከቢድ ጉድኣት ምውራድ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ዝነኣሰን ብግሁድ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ ዝምድና ዘለዎ ሰብ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝቐርበሉ ዘሎ ጥርዓን ግህሰት መግለጺ ከምዘውጽእ ኣፍሊጡ።

ፕ/ሶማልያ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፡ ሓ/ ስታፍ ሰራዊት ሶማሌ ላንድ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2024)

January 09, 2024 00:24 - 6 minutes - 8.75 MB

ናይ ሎሚ 9 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ክዘንም ዝኽእል ዝናብ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዝዘነበ ፡ ህዝቢ ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ መጠንቀቕታ ቀሪቡ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማሌ ላንድ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ፍሉጥ ጀርመናዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ፍራንዝ ቤክንባወር ኣብ 78 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ።

"ኣብዚ እዋን ትግራይ ኣጀንዳ ትቕበል እምበር ትውስን ኣይኮነትን ዘላ።" ተ/ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ

January 08, 2024 04:33 - 16 minutes - 14 MB

ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ምሁር ፖለአቲካ ተ/ፕሮ መረሳ ጸሃየ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (8 ጥሪ 2024)

January 08, 2024 01:44 - 51 minutes - 54.1 MB

ን ሎሚ 8 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብውሑዳት ዝተበገሰ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ድሮ ናብቶም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ብኸመይ ተበጊሱን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝሃብዎ ደገፍን ዝምልከት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተግባር ዝኾኑ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ኣቶ ኤፍረም ተኽላይን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣበበን ካብ ዝገለጽዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕ...

ኢትዮጵያ፡ ብዘይግቡእ ፍቓድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ሰነዳቶም ከጻርዩ ጸዊዓ።

January 07, 2024 22:49 - 5 minutes - 4.31 MB

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ። ኤርትራ፡ ካብ ሩስያ ዝተለገሰላ 25 ሽሕ ቶን እኽሊ ተቐቢላ።

MiniPod: Ep1 Introducing Yourself | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 1ይ ክፋል፡ ነብስና ምልላይ | English on Repeat (ቀሊል)

January 07, 2024 21:01 - 5 minutes - 4.2 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills. In this episode, we practice saying hello and introducing ourselves in English. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ሰላምታን ነብስና ምልላይን ክንመሃር ኢና።

ቅትለት ህቡባት ኣትሌታት ዓለም ስንባደ ፈጢሩ፣ ኣርሰናል ካብ ኤፍኤ-ካፕ ተገሊፋ፣ ማራቶናት ዱባይን ዢያመንን ኢትዮጵያውያን ተዓዊቶሞም፣

January 07, 2024 21:00 - 10 minutes - 9.34 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/01/2024) * ኣብ ቻይና ዝተኻየደ ማራቶን ዢያመን ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶሞ፣ * ማራቶን ዱባይ ሰንበት ተኻይዱ ንፈለማ ግዚኦም ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትዕግስት ከተማን ኣዲሱ ጎበናን ተዓዊቶሞ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ የዕሪፎም ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኣብ ዝተኻየድሉ ሰሙን ሊቨርፑል ንኣርሰናል ክትግልፋ’ንከላ ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ማንቸስተር ሲቲን ዝርከብአን ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓወት ኣመዝጊበን ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ሓደ ህቡብ ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለሉን ፍሉጥ ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ንህብብቲ ኣትሌት በዓልቲ ቤቱን ኣደ ክልተ ደቁን ብመኪና ሃሪሙ ቀቲልዋ ዝተባህለሉን ኣብ ስፖርት ዓለም ዘሰንብድ ኩነታት ፈጢሮም፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ጥሪ 2024)

January 04, 2024 03:31 - 51 minutes - 55.6 MB

ንሎሚ ሓሙስ 4 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብቲ ብዛዕባቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድግፉን ዝቃወሙን ዝተገብረ ዘተ፡ ካልኣይ ክፋሉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኲንስላንድ ከይዶም ፡ ኣብ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ጻዕሪ ምጽርራይ ድሕሪ ዉሕጅ ክሕግዙ እዮም። ሓላፊ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ ፡ድሕርቲ እቲ ኣብ በይሩት ዝተፈጸመ ቅትለት ምክትል መራሒ ሓማስ ፡ "ስቕ ክብሃል ኣይክእልን እዩ" ኢሉ ። ኣብ ወደብ ዓሰብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ናብ መርከብ ዘቕነዐ ነታ...

ስምምዕ ባሕሪ ሶማሌላንድን ዝሰዓበ ግብረመልስታት ህዝቢታትን ሃገራትን።

January 03, 2024 22:21 - 5 minutes - 4.65 MB

ኢትዮጵያ ምስታ ገዛእ ርእሳ ተመሓድር ሶማሌላንድ ክራይ ባሕሪን ኣምሳያኡ ድማ ነታ ዓለም ኣፍልጦ ዘይሃባ ግዝኣት ሶማሊያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክህባ ምዃኑ ዝወጸ ናይ ስምምዕ ዜና ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ሶማሊላንድን ህዝቢን መንግስታትን ኲነኔን ደገፍን ይህቡ ኣለዉ። ብዘይካ'ዚ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኢጋድን ካልኦት ተሰማዕቲ ሰባትን ብዛዕባዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ወደብ ዓሰብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ናብ መርከብ ዘቕነዐ ነታጒ ተተኲሱ። (ሓጸርቲ ጸብጻብ ልኡኽና)

January 03, 2024 21:59 - 2 minutes - 2.18 MB

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠልብ ዳግም ጽሒፉ። ዕጡቓት ብሄረሰብ ኣገው ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ውዕል ተፈራሪሞም። ኣብ ወደብ ዓሰብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ናብ መርከብ ዘቕነዐ ነታጒ ተተኲሱ።

መጥቃዕቲ ድሮን እስራኤል ኣብ በይሩት ንሓደ ካብ መራሕቲ ሓማስ ቀቲሉ፡ እቲ ኲናት ኣብ መላእ ዞባ ከየስፋሕፍሕ ተሰጊኡ።

January 03, 2024 04:11 - 6 minutes - 8.45 MB

እስራኤል ኣብ በይሩት፡ ሊባኖስ ኣብ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ድሮን ፡ ሳልሕ ኣል-ኣሮሪ ዝበሃል ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ቀቲላቶ ። ጕጅለ ሕዝቦላህ ሊባኖስ ሕነ ከም ዝፈዲ እኳ እንተ ገለጸ ፡ እስራኤል ግና ንዝዀነ ዝመጽእ ምላሽ ንምሃብ ከም እተዳለወት እያ እትገልጽ እዚ ጸብጻብ... ከም ዘመልክቶ ኣብ ዌስት ባንክ ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት 'ተቛሪጹ እዩ ።

ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ትግራይ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 20ሽሕ ዶላር ሓገዝ ምብርካቶም ኣተሓባበርቲ ይገልጹ።

January 03, 2024 01:35 - 15 minutes - 12.1 MB

ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብውሑዳት ዝተበገሰ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ድሮ ናብቶም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ብኸመይ ተበጊሱን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝሃብዎ ደገፍን ዝምልከት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተግባር ዝኾኑ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ኣቶ ኤፍረም ተኽላይን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣበበን ገሊጾም ኣለዉ።

ሶማሊያ ንስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ነጺጋቶ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ጥሪ 2024)

January 02, 2024 23:50 - 6 minutes - 8.6 MB

ንሎሚ 3 ጥሪ 2024 ዝተዳለወ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ሶማልያ ነቲ ዞባ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ስምምዕ ነጺጋቶ ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንምክትል ኣዛዚ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ኣሩሪ ቀቲላ። ሓዉ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝኾነ ኢሰያስ ኢሳቕ፡ ሓደ ካብቶም 100 ጸለዉቲ ሰባት ናይ 2023 ተባሂሉ።

ስምምዕ ባሕሪ ኢትዮያን ሶማሊላንድን፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥሪ 2024)

January 02, 2024 00:05 - 5 minutes - 7.27 MB

ንሎሚ ክልተ ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ፡ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንኣጠቓቕማ ባሕሪ ዝምልከት ዉዕል ፈሪመን። እስራኤል ካብ ገለ ከባቢታት ጋዛ ታንክታታ ተውጽእ ምቅይያር ስልቲ ኲናት ትገብር። ኣብ ኲንስላንድን ኒው ሳውዝ ወልስን ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣየር ወሓይዝን ምዕልቕላቕን ይፈጥር።

“በቲ ትርድእዎ ቋንቋ ክንዛረብ ጀሚርና ኣለና።” ሃቱ፣ “ናይ ደንጎላ ቋንቋ ኢሂን ምሂን ዘምጽእ ኣይኮነን። ኣኽሊሉ

January 01, 2024 02:36 - 24 minutes - 18.7 MB

ካልኣይ ክፋል ዘተ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድግፉን ዝቃወሙን ምስ ኣቶ መዝሙር ሰሎሞን፡ ኣኽሊሉ ገብረእግዚኣብሄርን ሃቱ ገብረመድህንን እዩ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ጥሪ 2024)

January 01, 2024 02:19 - 51 minutes - 48.3 MB

ሎሚ ናይ ፈለማ መዓልቲ 2024 እያ፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም ሰማዕትና 2024 ናይ ሓጎስ፡ ሰላምን ትዕናን ዓመት ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሎሚ ሰኑይ ሓደ ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ መንጎ ንፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድግፉን ዝቃወሙን ዝተገብረ ዘተ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያዊያን ፡ ን 2023 ተሰናቢቶም ፡ ንሓድሽ ዓመት 2024 ድማ ብ ምርኢታትን ርችትታትን ተቐቢሎም ። ፓኪስታን ፡ ምስ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኣጋርነታ ንምርኣይ ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት ጽምብል ከይክበር ኣጊዳ። ኣብ እንግሊዝ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝፈጠርዎ ግጭት ኣርባዕተ ፖሊስ ተወቒዖም።

ሰብኣዊ ቅልውላው ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድን የሰሓሕብ።

December 31, 2023 23:16 - 4 minutes - 3.57 MB

ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ነቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ምስቲ ኣብ 1977 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ እዩ ኣመሳሲልዎ፡ ኣፈኛ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቱሉ ግና ነዚ ዘረባን ብጥምየት ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ዘረጋገጸ የለን ክብል እዩ ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ኣውስትራልያ ክቀዳደሙ'ዮም፣ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ቅድድም ተሰናቢቱ፣ ማን ዩናይትድን ኣርሰናልን ተሳዒረን፣

December 31, 2023 22:11 - 11 minutes - 9.26 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/01/2024) * ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣውስትራልያ ‘ቱር ዳውን ኣንደር’ ክሳተፉ’ዮም፣ * ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ቅድድም ምስናቡት ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 5ሽሕ መዛዘሚ ዕለት 2023 እጅጋየሁ ታየ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ መወዳእታ ሰሙን ዓመተ 2023 ቀጺሎም ሊቨርፑል ገና ግጥማ ከየካየደት መሪሕነታ ከተደልድል እንከላ፣ ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ተሳዒረን፣

ኣብ እንግሊዝ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝፈጠርዎ ግጭት ኣርባዕተ ፖሊስ ተወቒዖም።

December 31, 2023 21:10 - 2 minutes - 1.83 MB

ኣብ እንግሊዝ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝፈጠርዎ ግጭት ኣርባዕተ ፖሊስ ተወቒዖም። ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ 1 ጥሪ 2024 ጀሚሩ ብዕሊ ኣባል ብሪክስ ትኸውን።

ክፉት ዘተ ደገፍቲን ተቓወምቲን ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣኽሊሉ ገ/እግዚኣብሄር መዝሙር ሰሎሞን ሃቱ ገብረመድህን

December 29, 2023 01:32 - 27 minutes - 21.5 MB

ቀዳማይ ክፋል ዘተ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድግፉን ዝቃወሙን ምስ ኣቶ መዝሙር ሰሎሞን፡ ኣኽሊሉ ገብረእግዚኣብሄርን ሃቱ ገብረመድህንን እዩ። ካልኣይ ክፋሉ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ከነቕርቦ ኢና።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ታሕሳስ 2023)

December 28, 2023 02:48 - 53 minutes - 57.3 MB

ንሎሚ ሓሙስ 28 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሳራ በላይ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን እያ። ብዛዕባ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ምርኩስ ዝገበረት ታሪኻዊት ልቢወለድ መጽሓፍ "ጻላም ሳንዱቕ" ጽሕፋ። ብዛዕባ መጽሓፋ ዝምልከት ኣዕሊላትና ኣላ። ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሂወትን ኣካልዊን ጻታውን ዓመጽ የጋጥመን። ኣብ ቤተ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ንኩሉ ዝትንክፍ ዓመጽ እንተኾነ’ኳ፡ ብስደት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ተወሳኺ ሓጹራት የጋጥመን። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶን ጸብጻብ ል ኡኽናን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ናብ ዓሰርተ ክብ ኢሉ ኣሎ ። ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዕዉት ና...

ኢትዮጵያ ዕዳኣ ብዘይምኽፋላ ዘስዕበላ ቁጠባዊ ጽልዋ እንታይ እዩ፧

December 27, 2023 21:55 - 3 minutes - 2.71 MB

ኢትዮጵያ ኣብ ተርታ ቀዳሞት ዕዳ ዘይኸፍላ ምስርዓ ተደራራቢ ጽልዋ ከም ዘሕድር ተገሊጹ።

መጠንቀቕታታት ነቲ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝመጽእ ዘሎ ዋዒ ኣየርን ባርዕ ጫካን።

December 27, 2023 03:17 - 6 minutes - 9.06 MB

ብዙሓት ትካላትን ክኢላታትን ኣብዚ ናይ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ሳመር (ሓጋይ) ውዑይን ሓጋይ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ተነብዮም ኣለው ። መንግስታት ግዝኣታት ኣውስትራሊያ ከምኡ "ውን ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎታት ንዝኸፍአ ኩነታት ክንዳሎ ኣለና ይብሉ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ታሕሳስ 2023)

December 27, 2023 00:50 - 4 minutes - 6.89 MB

ንሎሚ 27 ታሕሳስ 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ከቢድ ኩነታት ኣየር ህይወት ሰባት ይቐዝፍ ኣሎ። መጥቃዕቲ እስራኤል ይብርትዕ ነበርቲ ቓዛ ዉሕስ መዕቆቢ ይስእኑ። ምስ ጥርጣረ ምስግጋር ሰባት ሓንቲ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብ ፈረንሳ ናብ ህንዲ ተመሊሳ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2023)

December 26, 2023 02:10 - 5 minutes - 7.38 MB

ንሎሚ 26 ታሕሳስ 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ግብጺ ብዛዕባ ጋዛ ዝምልከት ሓድሽ እማመ ዉዕል ኣቕሪባ። ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ብኸቢድ ዝናብን ዉሕጅን ይሕመስ። ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀላይ ቱርካና ናይ ኬንያ ሞይቶም ተረኺቦም።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ብዙሓት ተጠርጠርተ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትየ ኢሉ።

December 25, 2023 03:59 - 3 minutes - 2.66 MB

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ተፍትሽ ብዙሓት ተጠርጠርተ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ተባሂሉ። ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ናብ ካናዳ ከም ዝገዓዙ ተገሊጹ ኢንስቲትዩት ምርምር መፅናዕትን ስነ-ህዝብን ኣብ ምንካይ ዘይሕጋዊ ስደት ትግራይ ኣመልኪቱ ዋዕላ ኣሳሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2023)

December 25, 2023 01:20 - 46 minutes - 45.3 MB

ሎሚ በዓል ልደት’ዩ፡ ንኹሎም ነዚ በዓል ተኽብሩ ናይ ሰላምን ጥዕናን በዓል ንምነየልኩም፡ ንሎሚ ሰኑይ 25 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትረኽቦ ዝግባእ ዝምልከት ዋዕላ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሳለጠ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ምሁራትን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓ ምድላያ ቅኑዕን ስትራተጂካዊ ሕቶን እዩ ኢሎም። ል ኡኽና ዝሰደዶ ትሕዝቶ እዩ ድሕሪ ዜና ከነቕርበልኩም ኢና። ኣብዚ ጀሚሩ ዘሎ ዕረፍቲ ወቕቲ ሳመር፣ ኣብ ግዳም ወይ ኣብ ገማግም ባሕርን ፓርክታትን ወጺእካ ምዝንጋዕ ብዙሓት ከምረብሓ ዝቖጽርዎ ንጥፈት እዩ። እዚ ነዚ ሃገር ንምፍላጥ ዝበለጸ መገዲ እኳ እንተኾነ ድሕነት ዘለዎ ንጥፈት ክኸውን ግና ክውሰዱ ዝግብኦም ጥንቃቐታት ኣለዉ። ሎሚ ንርእዮ ወቕታዊ ዛዕባ እዩ። ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ዘዛንዩ ሙ...

ፕሪምየር ሊግ ንበዓል ሰላሕ፣ ፓርተይን ቅዱስን ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኸስሮም ይዳሎ፣ ቸልሲን ማንቸስተር ዩናይትድን ሕጂ'ውን ተሳዒረን፣

December 24, 2023 22:46 - 11 minutes - 8.65 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/12/2023) * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኣይቮሪኮስት ክጅመር ኣብ ዝተቓረበሉ ጋንታታት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ከዋኽብተን ክኸስራ ይዳለዋ፣ * ናብ ፍጻመ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ዊምብልደን ንምብጻሕ ዝካየዱ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምውሳን ዝሓለፈ ሰሙን ምድባት ዕጫ ተኻይዶም፣ * ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክለባት 4-0 ስዒራ ሻምፒዮና ዓለም ኮይና፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ሰሙን ቀጺሎም ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ተርታ ዝርከባ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ገጢመን 1-1 ማዕረ ተፈላልየን፣ ቸልሲን ማንቸስተር ዩናይትድን ደጊመን ተሳዒረን ናብ ዝለዓለ ቅልውላው ተሸሚመን፣

ኣብ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ዋዕላ ተኻይዱ።

December 24, 2023 21:45 - 4 minutes - 3.71 MB

ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትረኽቦ ዝግባእ ዝምልከት ዋዕላ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሳለጠ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ምሁራትን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓ ምድላያ ቅኑዕን ስትራተጂካዊ ሕቶን እዩ ኢሎም።

“ብልሙድ ናይ ገድሊ ጽሑፋት ብዛዕባ ጅግንነት'ዩ ክጸሓፍ ጸኒሑ፡ ኣነ ግና ንማሕበራዊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ከንጸባርቕ ፈቲነ” ሳራ በላይ

December 24, 2023 08:40 - 17 minutes - 14.1 MB

ሳራ በላይ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን እያ። ብዛዕባ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ምርኩስ ዝገበረት ታሪኻዊት ልቢወለድ መጽሓፍ "ጻላም ሳንዱቕ" ጽሑፋ። ብዛዕባ መጽሓፋ ዝምልከት ኣዕሊላትና ኣላ።

ባይቶ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ውሳነ ኣሕሊፉ። (ጸብጻብ)

December 21, 2023 06:17 - 4 minutes - 3.78 MB

ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ንሰለስተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ወተሃደራዊ መኮንናት ትግራይ ከም ዘፍተሐ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ዘትዩ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ራብዓይ ዙር ሱሉሳዊ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ። ባይቶ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ውሳነ ኣሕሊፉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ታሕሳስ 2023)

December 21, 2023 03:47 - 55 minutes - 65 MB

ኣብ መልበርን ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ግጥማት ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃዊያን ኤርትራን ደቡብ ሱዳን ተጋጢመን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሰዓረትሉ እዩ ነይሩ። ናይዚ ጸብጻብ ድሒሩ ክቐርብ እዩ። በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ንዕ ኡ ስዒቡ ኣብ ኣውስትራሊያ ቦክሲንግ ዳይ ዝበሃል 26 ጥሪ ናይ ዕዳጋን ካልእ ንጥፈታትን ይካየድ እዩ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ነዚ ዝጥምት መዓልቲ ‘ቦክሲንግ ዳይ’ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ክቐርብ እዩ። ጸብጻብን ኣብ መወዳእታ ድማ ቀንዲ ዜናታት ናይዚ ሰሙን ቀሪብና ኣለና። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ፕረዚደንት ሩስያ ፡ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ምእታዋን ፡ ሽወደን እውን ክትስዕባ ምዃናን ፡ እቲ ኪዳን ንዶባት ሃገሩ ይቐርብ ከምዘሎ ብምሕባር ኣጠንቂቑ ። ** ኣብ ኲንስላድ ዝቕጽል ዘሎ ብርቱዕ ዉሕጅ ናብ ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ኣብ...

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ምስቓይን ማእሰርቲን ንተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት የሻቕሎም።

December 20, 2023 21:31 - 4 minutes - 3.36 MB

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ምክልባት ደው ንኽብል ስጕምቲ ክወስድ ኤርትራውያን ውድባትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።

መዓልቲ ‘ቦክሲንግ ዳይ’ ኣብ ኣውስትራሊያ

December 20, 2023 01:42 - 11 minutes - 15.7 MB

በብዓመቱ መዓልቲ ቦክሲንግ ኣውስትራሊያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓልቲ ፍሉይ ባህላውን ንግዳውን ኣገዳስነት ኣለዎ ። እዚ ጥጡሕ ሃይማኖታዊ ትርጕም ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ኣውስትራሊያዊያን ንበዓል ልደት ዘናውሑሉ መዓልቲ እዩ ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስድራቤት ባርቢኲ (ኣብ ደገ ወጺእካ ስጋ ምጥባስ): ግጥማት ክሪኬት ዝግበረሉ: ከምኡውን ነቲ ናይ ሲድኒ ክሳብ ሆባርት ዝግበር ናይ ጀላቡ ዉድድር ዝግበረሉ እዋን እዩ ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ሸመቲ ናብ ድኳናት ተቐዳዲሞም ብምእታው ዝሓሰሩ ክዳውንቲ ንምርካብ ክጓየዩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2023)

December 20, 2023 01:33 - 5 minutes - 7.38 MB

እስራኤል ኣብ ጋዛ ብ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ን ምውጻእ ንኻልእ ናይ ሰብኣዊ ተኲሲ ደው ምባል ክትሰማማዕ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ ። ፕረዚደንት ዩክረይን ፡ ሰራዊት ሃገሩ ፡ ተወሳኺ 500,000 ሰባት ከም ዝደሊዮ ገሊጹ ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምሕላው ኣህጉራዊ መስርሕ ኣበጊሳ።

ቫቲካን: ካህናት ካቶሊክ ንተጻመድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ክባርኹ ከምዘፍቀደት ገሊጻ ።

December 19, 2023 07:32 - 6 minutes - 8.45 MB

ቫቲካን ንሮማናውያን ካህናት ካቶሊክ ፡ ንተጻመድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ክባርኹ ከምዘፍቀደት ገሊጻ ። እንተዀነ ግን: እቲ ምብራኽ ዝወሃቦም እቶም ተጻመድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ኣካል ናይቲ ስሩዕ ስርዓተ ቅዳሴ ምስ ዘይኮኑ እዩ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ተገይሩ ዝሎ ለውጢ ኵሉ ሰብ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን ።

"ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ዓለማዊ ጸገም'ዩ" ኣመሪካ (ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ 19 ታሕሳስ 2023)

December 19, 2023 01:53 - 5 minutes - 7.38 MB

ንሎሚ ሰሉስ 19 ታሕሳስ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፥ ኣርእስታት ህናት ካቶሊክ ንተጻመድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ክባርኹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣፍቂዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ጸጥታ ኣህጉራዊ ጸገም ከምዝኾነን ብሓባር ክፍታሕ ከምዘለዎን ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ። እስራኤል ብሓገዝ ኣመሪካ ንዅሎም ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ንምግዓዝ ትሰርሕ ከም ዘላ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ገሊጹ ።

ግጥማት ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃዊያን ኣውስትራሊያዊያን ተዛዚሙ፡ ደቡብ ሱዳን ንኤርትራ ስዒራ ዋንጫ ዓቲራ (ጸብጻብ)

December 18, 2023 23:09 - 11 minutes - 10.6 MB

ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ኣፍሪቃዊያን ኣውስትራሊያዊያን መንእሰያት ናይ ስፖርት ተውህቦኦምን ክእለቶምን ከንጸባርቑ ቀንዮም። ብፍላይ ትማሊ ሰንበት 17 ታሕሳስ 2023 ኣብ @Ralph Reserve ኣብ ሳንሻይን -፡ ቪክቶሪያ ናይ መወዳእታ ግጥም ኣብ መንጎ ጋንታ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ተኸታቲሎሞ። ኣብ መወዳእታ ጋንታ ደቡብ ሱዳን ንጋንታ ኤርትራ 3 ብ 1 ብምስዓር ናይ'ዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ። ኣብ'ቲ ብዉዕዉዕ ኣፍሪቃዊ ሙዚቃ ተሰንዩ መንእሰያት እናሳዕስዑ ዝተዓዘብዎ ጸወታ ተረኺብና ንገለ ኣብ'ቲ ቦታ ዝነበሩ ኣዛሪብና ኣለና።

ብውድድር ኢኖቬሽን ኣቬሽን ኢትዮጵያ ዕበ ለገሰ ደብረጽዮን 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

December 18, 2023 02:28 - 4 minutes - 3.78 MB

ብውድድር ኢኖቬሽን ኣቬሽን ኢትዮጵያ ዕበ ለገሰ ደብረጽዮን 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1800 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2023)

December 18, 2023 02:23 - 49 minutes - 53.1 MB

ንሎሚ ሓሙስ 18 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፡ ድሒሪ ዜና ብውድድር ኢኖቬሽን ኣቬሽን ኢትዮጵያ ዕበ ለገሰ ደብረጽዮን 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1800 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ዝብሉ ኣርእስታት ናይቲ ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዩ። ብዛዕባ ኣውስትራሊያዊያን ኣትማንን ሳሬትን፡ እንታይ ትፈልጡ ምስትንከሱ እንታይ ትገብሩ? ነዚ ዝምልስ ትሕዝቶውን ኣለና ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ: ሶኑይ ብምዃኑ ድማ ዘዛንዩ ዜማታት ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቻይና ኣብ 2024 ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራሊያ ገይራቶ ዝጸንሐት ተሪፎም ዘለዉ ናይ ሰደድ እገዳታት ክተወግድ ምዃና ሚኒስተር ንግዲ ዶን ፋሪል ተስፋኡ ገሊጹ ። ** መንግስቲ እስራኤል ብቕልጡፍ ኣብ ጋዛ ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናብ ቤቶም ክምለሱ ምስ ሓማስ...

ሄኖክ ምሉእብርሃን ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ትዕግስት ኣሰፋ ከኣ ብልጽቲ ኣትሌት ዓለም 2023 ተሰይሞም፣ ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ኣብ ማራቶን ኣቡ ዳቢ ተዓዊቱ፣

December 17, 2023 22:40 - 11 minutes - 9.14 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/12/2023) * ሄኖክ ምሉእብርሃን ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2023 ተሰይሙ፣ * ትዕግስት ኣሰፋ ብልጽቲ ኣትሌት ናይ’ዚ ዓመት ተባሂላ ብኣትለቲክስ ዓለም ተሰሊማ፣ * ኤርትራዊ ኣትሌት ሳምሶን ኣማረ ኣብ ማራቶን ኣቡ ዳቢ ተዓዊቱ ወርቂ መዳልያ ዓቲሩ፣ * ፊፋ ዓለም ለኸ ግጥማት ክዳንዩን ክተሓጋገዙን ዝኽእሉ ዝበሎም በኣምላክ ተሰማ ዝርከቦም ዝርዝር ኣስማት ኢትዮጵያውያን ደያኑ ዘርጊሑ፣ * ሓለቓ ጋንታ ሉተን ታውን ብጸገም ልቢ ኣብ ማእከል ግጥም ወዲቑ ሻቕሎት ኣብ ዝፈጠረሉ ቀዳመ ሰንበት ሊቨርፑልን ማንቸስተር ዩናይትድን ገጢመን ብዘይሽቶ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላየን ኣርሰናል መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ካብ ሊቨርፑል ተረኪባ፣

ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ንዝብገሱ ስደተኛታት ንምግታእን ኣብ ቱኒዚያ ዘለዉ ነናብ ዓዶም ንምምላስ ስምምዕ ተገይሩ።

December 17, 2023 22:29 - 6 minutes - 5.45 MB

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናቅ ፡ናብ ሮማ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ነቲ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂዮርጂያ ሜሎኒ ዝን ዘይሕጋዊ ስደት ንምፍታሕ እተጠቕመትሉ ሜላ ን ኢድዎ። እቶም መራሕቲ ነቶም ካብ ቱኒዝያ ነናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ፕሮጀክት ክገብሩ ተሰማሚዖም ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ታሕሳስ 2023)

December 14, 2023 05:45 - 53 minutes - 54.3 MB

ንሎሚ ሓሙስ 14 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፡ ብኣጋጣሚ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 10 ታሕሳስ ን15 መዓልታት ዝጸንሕ ጎስጓስ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ(ጎነጽ): ኣፍልጦ ምዕባይን ምክልካሉን ተራ ዋዕሮ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂተባዕትዮ ኣካል ናይ እዚ ጎስጎስ ክኾኑን ዝሰርሖ ዘሎ ስርሓት ምስ ሜሪማግደላን ደበሳይ ካብ መስረትቲ ዋዕሮ ዝተገብረ ካልኣይ ክፋል ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ንህዝቢ ሰብኣውነት ዝስመዖ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ጸዊዑ። ዝገልጽ ትሕዝቶ እዩ ክኸውን። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ቅነ በዓላት መበቆላዊያን ናይ ደቀባት ምግብታት ኣብ መኣድኹም ምቕራብ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ፥ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን...

ዓለም ኣብዚ ዓመት እዚ፥ ንጥዕና ብዚምልከት ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢምዋ እዩ ።

December 14, 2023 01:31 - 9 minutes - 7.98 MB

ዓለም ኣብዚ ዓመት እዚ ንጥዕና ብዚምልከት ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢምዋ እዩ ። ነዚ ብድሆ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክገልጾ ።

ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ንህዝቢ ሰብኣውነት ዝስመዖ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ጸዊዑ።

December 14, 2023 01:24 - 3 minutes - 2.7 MB

ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ንህዝቢ ሰብኣውነት ዝስመዖ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ጸዊዑ። መንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ንሳልሳይ ግዜ ክዛተዩ ከም ዝኽእሉ - ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቡ።

#52 How to talk about happy and sad moments (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ ሕሉፍካ ዘኪርካ ምንፋቕ

December 13, 2023 04:57 - 12 minutes - 23.7 MB

Learn how to talk about nostalgic moments, when you think about the past and can feel both happy and sad at the same time. - ኣብ እዋን ናፍቖት ትገብሮም ዝርርብ ተመሃር, ናይ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ትዝክረሉ ኣብ ሓደ ግዜ ሕማቕን ጽቡቕን ስምዒት'ዩ ዝስመዓካ።

መበል 23 ዓመት ዉዕል ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንክዝከር፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ታሕሳስ 2023)

December 13, 2023 01:01 - 5 minutes - 8.36 MB

ኣመሪካ ነቲ 23 ዓመት ዝኾኖ ዉዕል ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ደገፋ ዳግም ገሊጻ። ሓፈሻዊ ባይቶ ው/ሕ/ሃ ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ደው ክብል ዝጠልብ ውሳነ ይእምም ። ቀዳማይ ሚኒስተራት ኣውስትራልያ ፡ ኒው ዚላንድን ካናዳን ፡ ንግጭት እስራኤል-ሓማስ ዝምልከት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።