SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,725 episodes - Tigrinya - Latest episode: 10 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ኣሜሪካ ገበነኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍረዱ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ትገብር ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

December 03, 2023 22:20 - 6 minutes - 5.19 MB

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጋሻ ኣብ በዓል ንግስ ሕዳር ጽዮን ኣኽሱም ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ለውጢ ነባሪ ኣየር ትሳተፍ ኣላ። ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ምርኢት ስእሊ ኣብ ናይሮቢ ተኻይዱ። ኣሜሪካ ገበነኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍረዱ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ትገብር ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ንንቀሳቐሰሉ እዋን ጥንቃቐ ካብ ሻርክ

November 28, 2023 22:54 - 11 minutes - 16.4 MB

ኣውስትራሊያ መስተንክር ገማግም ባሕሪ ፡ ዓዳሚ ባህልታት ገማግም ባሕሪ ፡ ከምኡ "ውን ብዙሕ ዓይነት ህይወት ባሕሪ ትውንን ሃገር ብምዃን ትሕበን ሃገር እያ። ይኹን እምበር: ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ምግንዛብ ወሳኒ እዩ ። ከም ስቲንግ ጀሊፊሽ ፡ ስቲንገርስን ፡ ከምኡውን ብዙሓት ዓሌታት ሻርክ ዝኣመሰሉ ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ፍጥረታት ፡ ኣብዚ ማያት እዚ ስለ ዝነብሩ ፡ ንቑሓት ምዃን ይሓትት ። ብፍላይ ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ፡ ብዛዕባ ድሕንነት ገማግም ባሕሪ ምርዳእ ፡ ምስ ማይ ዝተሓሓዝ ሓደጋታት ንምውጋድ ፡ ከምኡ "ውን ምስ ሻርክ ክጓነፉ ንዝኽእሉ ነገራት ጥንቃቐ ዘድሊ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሕዳር 2023)

November 27, 2023 23:57 - 5 minutes - 8.35 MB

ንሎሚ 28 ሕዳር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ተገይሩ ዘሎ ምንዋሕ ናይ ሰብኣዊነት ስምምዕ ረድኤት ንምቕራብ እኹል ኣይኮነን ይብል ። ብፍታው እናተሓገዝካ ህይወትካ ምሕላፍ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ሎሚ [28 ሕዳር] ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ 46 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2023)

November 27, 2023 01:43 - 52 minutes - 52.6 MB

ናይ ሎሚ ሰኑይ 27 ሕዳር 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ናይ ቆርበት ካንሰር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሜላኖማ ሓዊስካ መብዛሕትኦም መንሽሮታት ቆርበት ዝፍጠሩ ፡ ዋህዮታት ቆርበት ምክልኻል ከይተገብረሎም ናብ ኣልትራቫዮለት ወይ UV, ወይ ናብ ጨረርታ ጸሓይ ምስዝቃልዑ እዩ። ነቶም ጸሊም ናይ ቆርበት ሕብሪ ዘለዎም ወሲኹ፡ ቆርበት መንሽሮ ዝስዕቡ ሓደገኛ ረቛሒታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዘሎ ጸሓይ ሓደጋ ብኸመይ ትከላኸሎ ዝጥምት ሓደ መደብ ክቐርብ'ዩ ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። ግዝያዊ ምምሕዳር ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ብወግዒ ተኸፊቱ ቆምስ ኣብ...

ቆምስ ኣባ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተሰምዮም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም።

November 27, 2023 01:29 - 59 seconds - 516 KB

ቆምስ ኣብ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተባሂሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም።

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። (ጸብጻብ)

November 26, 2023 22:36 - 5 minutes - 2.88 MB

ግዝያዊ ምምሕዳር ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ብወግዒ ተኸፊቱ ቆምስ ኣብ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተባሂሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም ብብልሽውና ዝተዘምተ 9 ቢሊየን ብርን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትር ቦታን ከም ዘምለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓውዩ ድሕሪ ምምላሱ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ኣብ ማራቶን በይጂንግ ስራነሽ ይርጋ ተዓዊታ፣

November 26, 2023 20:25 - 10 minutes - 8.45 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/11/2023) * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ መጉዳእቲ ሓውዩ ናብ ግጥም ብምምላስ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ብገፊሕ ክትዕወት ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ካልኣይ ዘካየደቶ ግጥም ኣንጻር ቡርኪናፋሶ 3-0 ተሳዒራ፣ * ኢትዮጵያዊት ስራነሽ ይርጋ ንኬንያውያን ብምዕብላል ኣብ ማራቶን በይጂንግ ተዓዊታ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምቛም ካልኣይ ዲቪዥን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ክዉን ክኸውን ብምግባር ካብ ዝመጽእ ሚያዝያ 2025 ኣትሒዙ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ

November 25, 2023 20:07 - 5 minutes - 4.58 MB

ንሎሚ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፥ * 24 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብሓማስ ዓርቢ ድሕሪ ምልቃቖም እስራኤል ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ተወሰኽቲ ቀዳም ዝልቀቑ ሰባት ተቐቢላ፣ * ኣባል ፖሊስ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝነበረን ብቕትለት ጂዮርጅ ፍሎይድ ዝተፈርደን ደረክ ሾውቪን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኻራ ተወጊኡ፣ * ኣብ ሶማልያ ብምኽንያት ምዕልቕላቕ ዝመቱ ሰባት ቁጽሮም ናብ ከባቢ 100 በጺሑ፣

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ

November 25, 2023 20:07 - 5 minutes - 4.58 MB

ንሎሚ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፥ * 24 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብሓማስ ዓርቢ ድሕሪ ምልቃቖም እስራኤል ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ተወሰኽቲ ቀዳም ዝልቀቑ ሰባት ተቐቢላ፣ * ኣባል ፖሊስ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝነበረን ብቕትለት ጂዮርጅ ፍሎይድ ዝተፈርደን ደረክ ሾውቪን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኻራ ተወጊኡ፣ * ኣብ ሶማልያ ብምኽንያት ምዕልቕላቕ ዝመቱ ሰባት ቁጽሮም ናብ ከባቢ 100 በጺሑ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

November 23, 2023 09:35 - 51 minutes - 35.2 MB

* ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶምዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣ * ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

November 23, 2023 09:35 - 51 minutes - 35.2 MB

* ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶምዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣ * ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ...

'ዝበዝሑ ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶም'ዮም' መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ ተቓውሞ ገጢሙዎ

November 22, 2023 23:04 - 8 minutes - 4.4 MB

ጸብጻባት ዜና * ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ * ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ * መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶም'ዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ * ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ * ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣

ን30 ዓመታት ኣነ ኣብ በረድ'የ ብነፋሪት ዝዓልብ ኔረ፡ እዚ ንፈለማ ግዜ ኣብ እምኒ ዝዓለብኩሉ ዓመት'ዩ

November 22, 2023 07:45 - 7 minutes - 5.45 MB

ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ ከቕንዑ ይኽእሉ።

ወለዲ ደቆም ይጽገሙ ከምዘለዉን ሓገዝ ከምዘድልዮምን ከለልዩ ምሕጋዝ ሓደ ካብ'ቶም ከበድቲ ብድሆታት'ዩ

November 21, 2023 21:13 - 12 minutes - 9.25 MB

ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር 'ትሮውማ' ኢልና ንገልጾ ካብ ሕማቕ ተሞክሮ ዝብገስ ስንባደ/በሰላ ኣእምሮ/ የጋጥሞም፡ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ይኹን ቀደም ነዊሕ ዝገበረ፡ ምስ ግቡእ ሓገዝ እቶም ህጻናት ክሓዊዩ ይኽእሉ'ዮም። ወለዲን ኣለይቲን ነዚኦም ህጻናት ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን መሊሱ ክስምዖም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ወለድን ኣለይትን ህይወት ደቆም ንምምምሕያሽን ዝሕግዝዎም ገለ ሜላታት ነቕርብ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

November 20, 2023 20:53 - 39 minutes - 29.4 MB

* ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳድራት 17-ሃገራት ተቐቢሉ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዩ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፣ ታሪኽ ኤርትራን ጉዕዞ ናጽነትን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ሳዋ ይቐርብ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ክወሃብ’ዩ፣ ኢትዮጵያ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዝምልከት ዋዕላ ምሁራት ከም ዘካየደት ገሊጻ፣ ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ኣለውና። * ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ንፍልስጤማውያን ደጊፎም ኣብ ዝካየዱ ሰላማውያን ሰልፍታት ወይ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝ...

ተሳተፍቲ ኣብ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ንምረት ናብራን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ዝገልጹ ጭርሖታት ኣቃሊሖም

November 20, 2023 19:49 - 9 minutes - 7.77 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/11/2023) * መበል 23 ዓመታዊ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ቢንያም መሓሪን መልክነህ ውዱን ተዓዊቶም፣ ካብ ሓፋሽ ተሳተፍቲ ምረት ናብራ ዝገልጹን ንፋኖ ዝድግፉን ፖለቲካዊ መልእኽታት ተመሓላሊፎም፣ * ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሮቡዕ ምሸት ኣንጻር ሲየራ ሊዮን ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም 2026 ብጽዑቕ ግመ ተሽፊኑ ስለዝተሰናኸለ ናብ ፊፋ ጥርዓን ኣቕሪባ፣ ዝቕጽል ግጥማ ኣንጻር ቡርኪና ፋሶ ዝጅመረሉ ግዜ ተቐይሩላ፣ * ነዘርላንድስ፣ ስዊዘርላንድን ሮማንያን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክሳተፋ ቦትአን ውሑስ ከምዝገበራ ተፈሊጡ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ኤቨርተን መምርሒታት ፋይናንስ ፕሪምየር ሊግ ጥሒሳ ተባሂላ 10 ነጥቢ ክቕነሳ ተወሲኑ፣

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ድሮን ንውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣሻቒልዎ

November 19, 2023 23:30 - 7 minutes - 5.91 MB

ጸብጻባት ዜና * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳድራት 17-ሃገራት ተቐቢሉ፣ * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዩ፣ * ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፣ * ታሪኽ ኤርትራን ጉዕዞ ናጽነትን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ሳዋ ይቐርብ፣ * ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ክወሃብ’ዩ፣ * ኢትዮጵያ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዝምልከት ዋዕላ ምሁራት ከም ዘካየደት ገሊጻ፣ * ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፣

ኩፊያ ምግባር ፖለቲካዊ ተግባር ድዩ፧ እንታይ ማለት'ዩ ኸ፧

November 19, 2023 00:35 - 7 minutes - 5.36 MB

ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ኣብ ደገፍቲ ፍልስጤም ኣብ ዝካየዱ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝረአ እዩ። ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት መህሪን ፋሩቒን ሊድያ ቶርፕን ኣብ ባይቶ ተኸዲነንኦ ኔረን፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ከይተረፈ ብላዕሊ ተሰንዲዩ መሸፈኒ ኮይኑ’ዩ። ስለዚ እዚ ስካርፍ እንታይ እዩ?

ኣይትጠቐምሉ ወይ ንሓዋሩ ክትስእንዎ ኢኹም - ሓካይም ኣንቲባዮቲክስ ልዕሊ መጠን ከይንጥቀም የጠንቅቑ

November 18, 2023 00:20 - 5 minutes - 4.61 MB

ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ሰባት ዝወስድዎም ወይ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ መጠናት ሓሳኹ ዝቐትሉልና ጸረነፍሳት/ኣንቲባዮቲክስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ሓካይም ኣድማዕነትን ቀረብን ኣንቲባዮቲክስ ደረት ዘይብሉ ከምዘይኮነን ሓደስቲ ጸገማት ጥዕና እንተተቐልቂሎም ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎም ከም ዝኽእልን የጠንቅቑ።

#50 Let's go fishing! (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS: ንኺድ ንግፈፍ ዓሳ!

November 17, 2023 01:55 - 14 minutes - 13.6 MB

Learn how to talk about fishing. Plus, find out a bit of history on why Australians love fishing. - ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ከመይ ገይርኩም ምስ ካልኦት ተዕልሉ ኣብ'ዚ ተመሃሩ። እግረ መንገድኹም ከኣ ኣውስትራልያውያን ከመይ ኢሎም ምግፋፍ ዓሳ ፈትዮም ታሪኾም ትመሃሩ።

'ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኢኮዋስን ንጸገም ኣፍሪቃውያን ተሓተቲ'ዮም' ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ንኣፍደገ ባሕሪ ኢለ ኲናት ኣይከፍትን'የ' ቀ/ሚ ኣቢይ

November 16, 2023 01:48 - 7 minutes - 6.49 MB

ጸብጻባት ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ * ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛትዩ። ሃገሩ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ከኣ ተዛሪቡ። * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣፍሪቃውያን ንዘጋጥምዎም ዘለዉ ጸገማት ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኤኮዋስን ተሓተትቲ ገይሩ።’ * መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ክዕድግ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። * ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረጸቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ። * ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ንዝብል ውጥን ነጺግዎ።

እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ተጽዕቕ፣ ግብረመልሲ ዓለም ነቐፌታታት ይቐርበሉ፣

November 15, 2023 10:08 - 8 minutes - 6.12 MB

እስራኤልን ምዕራባውያን መሓዙታን ተኹሲ ደው ክብል ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ምንጻጎም ይቕጽሉ'ለዉ፡ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣውስትራልያን ከኣ ተረርቲ ነቐፌታታት ኣብ ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ነቲ ኩነታት ይቐርቡ'ለዉ። ሓማስ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሳዒሩ'ዩ ንዝብሉ ዘረባታት ክነጽጎ'ንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ጥቓ ዶብ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ነቲ መጥቃዕቲ ከዛይዶ ተዳሊዩ'ሎ ኢሉ።

Attending or hosting an Australian party? Here’s what you need to know - ኣበዓዕላ ዕለተ ልደት፣ መመረቕታ ገዛን ካልኦት ምትእኽኻባትን ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይመስሉ፣ ህያባትን ኣከዳድናን ከ፧

November 14, 2023 15:49 - 13 minutes - 10.1 MB

Australians are known for their laid-back culture and seize every opportunity to celebrate special occasions. But it's not only business events that come with etiquette rules to follow; every party, no matter how casual, has its unspoken cultural expectations. - ኣውስትራልያውያን በቲ ቅልል ዝበለ ወይ ተዛናዪ ባህሎምን ዝተረኽበ ዕድላት ኣውደኣመት፡ ጽብምል ወይ መደብ ምዝንጋዕ ብዝለዓለ መጠን ብምስትምቓርን ፍሉጣት'ዮም። እንተኾነ ግን ወግዓውያን ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ኣይኮኑን ናቶም ኣካይዳታትን ኣገባባትን ሒዞም ዝመጹዝመጹ፡ ዝኾነ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ፡ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ይተሓዝ ብዘየገድስ፡ ዘይዝረበሎም ትጽቢታት...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

November 14, 2023 11:53 - 6 minutes - 4.98 MB

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ኣብ ምብራቓዊ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምዕላቕላቓት ኣሽሓት ከመዛብሉ’ንከለዉ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ካልኣይ ዙርያ ዘተ ኣካይዶም፣ * ፍልይቲ ልኡኽ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ፍልስጤማውያን ኣብ ግብረመልሲ ኣውስትራልያ ንወተሃደራዊ ጎነጻት እስራኤል ኣብ ቓዛ ሓያል ነቐፌታ ኣቕሪባ፣ * ንውሳነ ቤት ፍርዲ ተኸቲሎም ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝጸንሑ 80 ስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን ድሕሪ ምልቃቖም መንግስቲ ድሕነት ሕብረተሰብ ቀዳምነት ይህብ’የ ክብል ተኸላኺሉ፣

መሓመድ ሳላሕ 200 ሽቶታት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣመዝጊቡ፣ ግጥማት ኤርትራ ተሰሪዞም፣ ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማታ ከተካይድ ሞሮኮ ኣትያ፣

November 13, 2023 05:17 - 11 minutes - 9.56 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/11/2023) * ኢትዮጵያውያን ፎትየን ተስፋይ፣ ሰንበረ ተፈሪን ጽገ ገብረሰላማን ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቦስቶን ተመራሪሐን ተዓዊተን፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ዘይትሳተፍ ምዃና ፊፋን ካፍን ብወግዒ ኣረጋጊጾም፣ * ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ኣንጻር ሲየራሊዮንን ቡርኪና ፋሶን ንዘለዎም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ዝኾንዎ ናይ መወዳእታ 23 ተጻወቲ መሪጹ፣ * ዓመተ 2023 ክትውዳእ ኣብ ትቃረበሉ ዘላ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንቅድድም ብሽግለታ ዝቐየሩ ሓያሎ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ካብ ምውድዳር ይሰናበቱ፣ * መሓመድ ሳላሕ መበል 200 ሽቶኡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ድሕሪ ምምዝጋቡ ሊቨርፑል ተዓዊታ ናብ ካልኣይ ተርታ ደይባ፣ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ምስ ቸልሲ ማዕረ ድሕሪ ምውጽኣ ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2023)

November 13, 2023 01:47 - 44 minutes - 47.9 MB

ናይ ሰኑይ 13 ሕዳር 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ። ነዚዝምልከት ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ 252 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ፕሮጀክታት ህንጸት ማይ ከተማ መቐለን ዓድግራትን ንምጅማር ዕድጊት ናውቲ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ ካብ ቤት ህንፀት ከምልጡ ዝፈተኑ ዝተብሃሉ ተሃነፅቲ ሕጊ ብዝተወሰደ ስጉምቲ 4 ተቐቲሎም። --- ሚኒስትር ገነዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ...

ንሕውየት ሕማም ኣእምሮ፥ ምልላይ ምልክታት ጥዕና ኣእምሮ።

November 12, 2023 21:29 - 9 minutes - 14 MB

ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ግብጺ ትርከቦም ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ርክባት ከም ዘካየደ ተገሊጹ።

November 12, 2023 20:29 - 6 minutes - 5.61 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ 252 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ፕሮጀክታት ህንጸት ማይ ከተማ መቐለን ዓድግራትን ንምጅማር ዕድጊት ናውቲ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ ካብ ቤት ህንፀት ከምልጡ ዝፈተኑ ዝተብሃሉ ተሃነፅቲ ሕጊ ብዝተወሰደ ስጉምቲ 4 ተቐቲሎም። --- ሚኒስትር ገነዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለጥ ሪፎርም ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሕዳር 2023)

November 09, 2023 01:48 - 57 minutes - 57.8 MB

ሓሙስ 9 ሕዳር 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ብዝገበሮ ሰፊሕ ኣበርክቶ ፐን ኤርትራ ናይ 2023 ተሸላሚ ክኸውን መሪጽዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓት ዘዕለለና ካል ኣይ ክፋል ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና።። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ " ትግራይ ማእኸል ካልእ ኣዕናዋይ ኩናት ክንገብራ ኣይንፈቅድን።" ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ 4 ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ተኣልዮም። ውሩይ ደራፋይ ቦብ ጌልዶፍ ናውቲ ትምህርቲ ንትግራይ ኣበርኪቱ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ብዛዕባ ኣዋህባ ኣገልግሎት ዝምልከት ኣኼባ ተኻይዱ። ካልኣይ ዙር ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ምጅማሩ ተሰሚዑ።ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጥዕና ኣእምሮን ሕውየትን ደቂ ተባዕ...

" ትግራይ ማእኸል ካልእ ኣዕናዋይ ኩናት ክንገብራ ኣይንፈቅድን።" ፕረዚደንት ግ/ም/ት ጌታቸው ረዳ

November 08, 2023 22:24 - 8 minutes - 6.53 MB

ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ካልኦት ኣርእስታት ዜና፡ 4 ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ተኣልዮም። ውሩይ ደራፋይ ቦብ ጌልዶፍ ናውቲ ትምህርቲ ንትግራይ ኣበርኪቱ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ብዛዕባ ኣዋህባ ኣገልግሎት ዝምልከት ኣኼባ ተኻይዱ።

ጥዕና ኣእምሮን ሕውየትን ደቂ ተባዕትዮ ንሰላም ሓንቲ ስድራቤት ወሳኒ ባእታ።

November 08, 2023 07:21 - 9 minutes - 9.31 MB

ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ህይወት ንዝገጥም ዝኾነ ይኹን ጽንኩር ኩነታት ክጻወሩ ከምዝኽእሉ ተነጊርዎም እዮም ዝዓብዩ። እንተኾነ ስምዒታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኣብዝወጽሉ እዋን ኣብ ሓድሽ ሃገር ህይወት ንምጥያስ ዝተጀመረ ጉዕዞን፡ ዝምድናታት ኣብ ስድራቤት ክፈርስ ይጅምር። ስሚዒትካ ንኻልእ ምንጋር ድኽመት ዘይኮነስ ጥንካረ ምዃኑ ኪኢላታት ይዛረቡ።

ካብ ህዋ ዝተሳእለ ክትቆጽሮ ዘጸግም ብዝሒ ዘለዎም ጋላክሲታት ሳይንሰኛታት ምስጢር'ዚ ፍጥረት ክፈትሑ ክሕግዞም'ዩ ተባሂሉ።

November 08, 2023 02:30 - 4 minutes - 5.84 MB

ናይ ኤውሮጳ ተለስኮፕ ጠፈር ዪክሊድ ካብ ኬፕ ካናቨራል ካብ እትለኣኽ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ዝወሰደቶ ናይ መጀመርታ ስእልታት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ወግዓዊ ገይሮሞ ። እታ ቴለስኮፕ ፡ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ላዕሊ ኮስሞስ ዘሎ እተማልአ ኣይ 3D ስእሊ ኣብ ምእካብ ከተሕልፎ እያ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (8 ሕዳር 2023)

November 07, 2023 23:29 - 5 minutes - 7.03 MB

ንሎሚ 8 ሕዳር 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታቶም እስራኤል ንሓማስ ንምድምሳስ ሰራዊታ ኣብ ከተማ ጋዛ ኣዕሚቖም ብምእታው ይቃለሱ ከም ዘለዉ ገሊጻ ። ሚሊዮናት ኣውስትራሊያዊያን ብሰንኪ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንቡር ምንቅስቓሳቶም ተጸልዩ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ከቢድ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2023)

November 07, 2023 00:58 - 6 minutes - 5.8 MB

ንሎሚ 7 ሕዳር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ምስ ፕረሲደንት ቻይና ኣብ በይጂንግ ተዘራሪቦም። ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ሰብ ኣዊ ረዲኤት ንምቕራብ ተዂሲ ደው ክብል ጸዊዑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣምባሳደራተን ካብ እስራኤል ይስሕባ ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ምዕልቕላቕ ማይ ዕንወት ኣውሪዱ ፤ 20 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 12,000 ምምዝባሎምን ድማ ተገሊጹ ።

ታምራት ቶላ ኣብ ማራቶን ኒው ዮርክ ተዓዊቱ፣ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ኣይክትሳተፍን'ያ፣ ስዕረት ኣርሴናልን VAR (ቪኤይኣር)ን

November 06, 2023 03:04 - 12 minutes - 10.8 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (6/11/2023) * ታምራት ቶላ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ’ቲ ቦታ ብምምዝጋብ ተዓዊቱ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥም ንኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ደቀንስትዮ ናይጀርያ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ካልእይ እግሪ ግጥም 4-0 ስዒረንአን፣ ብድምር ውጽኢት 5-1 ኸኣ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ምንስሓባ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብወግዒ ኣፍሊጡ፣ * ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ኣንጻር ሲየራሊዮንን ቡርኪናፋሶን ንዘለዎም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ዝኾንዎ 30 ተጻወቲ መሪጹ፣ *VAR (ቪኤይኣር) ኣካታዒ ኣብ ዝኾነሉ መበል 11 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ኣከራኻሪ ብዝኾነ ውሳነ ብኒውካስትል ዩናይትድ ንፈለማ ግዜ ኣብ’ዚ ወቕቲ ተሳዒ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2023)

November 06, 2023 01:51 - 44 minutes - 44.7 MB

ናይ ሰኑይ 6 ሕዳር 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሕማም ልቢ እዩ ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 12 ደቒቕ ሓደ ኣውስትራልያዊ ብሰንኪ ሕማም ልቢ ይመውት ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ሓደ ኣውስትራልያዊ ፡ብ ወቕዒ ልቢ ፡ይመውት ። ምልክታት ወቕዒ ልቢ ከመይ ጌርካ ከም እተለልዮን እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ትፈልጥዶ ? ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ደም ኣብ ትካላት ጥዕና ንምህብታም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተሳትፎኡ ከዕቢ ኣተሓሳሲቡ። ኲናት ትግራይ ዝተወለዐሉ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓም ግእዝ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዘኪሩ። ብሰንኪ ኮሮናን ኲናትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንዓመታት ቦኺሮም ዝጸንሑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብብዝሒ ተዓዊቶም። ስነ-ስርዓት ዕላዊ ምጅማር ፕሮጀክት ዳግመ ...

ኲናት ትግራይ ዝተወለዐሉ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓም ግእዝ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዘኪሩ።

November 05, 2023 21:39 - 7 minutes - 5.67 MB

ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ደም ኣብ ትካላት ጥዕና ንምህብታም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተሳትፎኡ ከዕቢ ኣተሓሳሲቡ። ኲናት ትግራይ ዝተወለዐሉ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓም ግእዝ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዘኪሩ። ብሰንኪ ኮሮናን ኲናትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንዓመታት ቦኺሮም ዝጸንሑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብብዝሒ ተዓዊቶም። ስነ-ስርዓት ዕላዊ ምጅማር ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ተጀሚሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሕዳር 2023)

November 02, 2023 03:17 - 55 minutes - 58.7 MB

ሓሙስ 2 ሕዳር 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ብዝገበሮ ሰፊሕ ኣበርክቶ ፐን ኤርትራ ናይ 2023 ተሸላሚ ክኸውን መሪጽዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓት ኣዕሊሉና ኣሎ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና።። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ጉዳዮም ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ። ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ቻይና ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ። ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክጅምር ተንቀሳቒሱ። ...

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ጉዳዮም ተዘራሪቦም።

November 01, 2023 23:16 - 5 minutes - 4.69 MB

ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ቻይና ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ። ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክጅምር ተንቀሳቒሱ። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ጣልያናዊት ክልል ላዝዮን ናይ ምትሕግጋዝ ክልተኣዊ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ቆልዑ ቓዛ ብኽትሓስቦ ዘጸግም መጠን ይቕተሉ፡ ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ይልቀቑ።

November 01, 2023 23:11 - 7 minutes - 6.62 MB

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሓካይም ፡ ኣብታ እተኸብበት ግዝኣት ጋዛ ሕክምናዊ ቀረብ ፡ መሰረታዊ ምግብን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ኣብዘይብሉ መደንዘዚ ብዘይብሉ ቆልዑ ኣብ ሆስፒታላት ይሕከሙ ከም ዘለዉ ይገልጹ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2023)

November 01, 2023 03:34 - 5 minutes - 6.9 MB

ንሎሚ 1 ሕድር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ጃባልያ ብናይ እስራኤል ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት’ውን ቆሲሎም። ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ፡ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ዝቕባበ ብቕልጡፍ ንምንካይ መጠን ወለድ ክውስኾ ተማሕጺኑ ኣሎ ። ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ፡ ታሪኽ ብሪጣንያን ኬንያን 'ዜሕዝን ፍጻመ "ምዃኑ ተኣሚኑ ።

ምምልካት ንናይ ዉልቂ ልቓሕ

November 01, 2023 03:30 - 9 minutes - 13.4 MB

ብዙሓት ሰባት ፡ ወጻኢታት መነባብሮ ባዕሎም ንምምሕዳር ዘለዎም ድልየት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። ይኹን እምበር: ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምግባር: ብጥንቃቐ ኽሕሰበሉ ዘለዎ ሓያሎ ረቛሒታት ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ጥቅምቲ 2023)

October 30, 2023 23:48 - 5 minutes - 7.07 MB

ናይ ሎሚ 31 ጥቅምቲ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ እስራኤል ፡ ኣብ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምድሪ ብሓማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ ንሓደ ወተሃደራ ሓራ ከምዘውጽአ ገሊጻ ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ስጳኛ ጾታዊ ኣመጽ ከም ዝፈጸመ ዝኽሰስ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ዝነበረ ልዊስ ሩቢለስ ፡ ካብ ኵሉ ምስ ኩዕሶ እግሪ ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ንሰለስተ ዓመት ከይሳተፍ ብፊፋ ተኣጊዱ ።

ተጻዋታይ ሊቨርፑል ሉዊስ ዳያዝ ኣብ ኮሎምቢያ ወለዱ ተጨውዮም፣ ማራቶን ዳብሊን ብዓወት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ፣

October 30, 2023 09:30 - 10 minutes - 8.81 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/10/2023) * ማራቶን ዳብሊን 2023 ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያዊያን ከማል ሑሴንን ኣመንተ ሶመረን ተዛዚሙ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥም ንኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ደቀንስትዮ ኢትዮጵያን ናይጀርያን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥመን ማዕረ 1-1 ተፈላልየን፣ * ዝዓበየ ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዓለም ዝኾነ ዙር ፈረንሳ ዝመጽእ ዘሎ ዓመተ 2024 ኣብ ኢጣልያ ተበጊሱ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ኒስ ክዛዘም ምዃኑ ኣዳለውቲ ኣፍሊጦም፣ * ወለዲ ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ኮሎምቢያዊ ሉዊስ ዳያዝ ኣብ ሃገሩ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሰባት ከምተጨውዩ ተጸብጺቡ፣ * ኣብ 10ይ ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ተጻወቲ ሊቨርፑል ነቲ ወለዱ ተጨውዮሞ ዘለዉ ወዲ ጋንትኦም ደገፎም ይገልጹ፣ * ኣብ ግጥም ኣብ መንጎ ጋንታታት ከተማ ማንቸስተር ወይ ማንቸስተር ...

“ሓደ ሃገር ብዘይ ነጻነት ዘረባን ጽሑፍን ባህልን ክምዕብል’ዩ ማለት ሓሶት’ዩ።” ካሳሁን ቸኮል ተዓዋቲ ፐን ኤርትራ 2023

October 30, 2023 05:06 - 27 minutes - 22.5 MB

ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ኣብቲ ንሓርነትን ደሞክራስን ዝተገብረ ቃልሲ ኤርትራውያን እጃሙ ዘበርከተ፡ ኣብ 1983 ዝመስረቶ ናይ ሕትመት ትካል “ረድ ሲ ፕረስ” ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ጽሑፋቶም ብነጻነት ከሕትሙ ብምሕጋዝ ልዕሊ 3500 መጻሕፍቲ ዘሕተም እዩ። ኣብ 2000 ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ዋዕላ “ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት” ፍሉጣት ጸሓፍትን ኣጋይሽን ዓለም ብምዕዳም ንኽካየድ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ኤርትራዊ እዩ። ብዘይካዚ ኣቶ ካሳሁን ኣብቲ “በርሊን ማኒፈስቶ” ተባሂሉ ብገለ ሰባት እተጸውዐ፡ ንሱን ካል ኦት ኤርትራዊያን ምሁራትን ናብ ፕረሲደንት ኤርትራ ደብዳበ ብምጽሓፍን ናብ ኡ ከይዶም ሕቶ ደሞክራስን ዝጸውዑ ሓደ እዩ። ብዝገበሮ ሰፊሕ ኣበርክቶ ፐን ኤርትራ ናይ 2023 ተሸላሚ ክኸውን መሪጽዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓት ኣዕሊሉና ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2023)

October 30, 2023 01:44 - 44 minutes - 44.3 MB

ናይ ሎሚ ሰኑይ 30 ጥቅምቲ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣሎ ኣርእስታት: ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተኸልከለ ኣኼባ ህወሓት ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ። ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ"ብርጌድ ንሓመዱ " ምንቅስቓሳቱ ኣብ ዓዲግራት ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ፅላል- ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ህልዊ ኵነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ብምጽዋዕ ብሓንሳብ ንምስራሕ ዘለዎ ድሉውነት ኣፍሊጡ። ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምምርማር ዝቖመ ኮሚሽን፡ ምርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ክጠብቕ ጸዊዑ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ዘዛንዩ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ኣውስትራሊያ ንፍልስጢኤማውያንን ንእስራኤላውያንን ዝድግፍ ሰልፍታት ተኻይዱ። ** ሓይልታት እስራኤል ኣብ ጋዛ ና...

ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተኸልከለ ኣኼባ ህወሓት ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ።

October 29, 2023 23:09 - 7 minutes - 6.29 MB

ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣሎ ኣርእስታት: ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተኸልከለ ኣኼባ ህወሓት ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ። ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ"ብርጌድ ንሓመዱ " ምንቅስቓሳቱ ኣብ ዓዲግራት ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ፅላል- ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ህልዊ ኵነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ብምጽዋዕ ብሓንሳብ ንምስራሕ ዘለዎ ድሉውነት ኣፍሊጡ። ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምምርማር ዝቖመ ኮሚሽን፡ ምርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ክጠብቕ ጸዊዑ።

"ብዛዕባ'ዚ ከይትጽሕፍ እናተበሃልኩ ብዙሕ ኣሕሊፈ፡ እንተኾነ ምጽሓፍ ክገድፎ ኣይክእልን'የ" ዕላል ምስ ደራሲ "ሰነድ ሰማንያ" በረኸት ምስግና

October 29, 2023 22:15 - 41 minutes - 30.5 MB

ጸሓፊ ናይ ረዲዮ ድራማታት፡ ፊልምን መጽሓፍትን ጋዜጠኛ በረኸት ምስግና ኣብዚ ዓመት፡ ካልኣይቲ መጽሓፉ "ሰነድ ሰማንያ" ኣሕቲሙ ንነበብቲ ዘርግሒዋ ይርከብ። ብዛዕባ መጽሓፉ ካብቲ ብስደት ዝነብረሉ ኣንጎላ ምስ ደራሲ መጽሓፍ "From Asmara to the Yara" ኢብራሂም ሓጅን ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ዝገበሮ ዕላል።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2023)

October 26, 2023 02:54 - 54 minutes - 53.4 MB

ሓሙስ 26 ጥቅምቲ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ ግድን ከምዝኾነ ዝሃቦ መግለጺ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ቀዳማይ ኣጀንዳኦም ኮይኑ ይዘራረብሉ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ኣብዚ እዋን ምልዓሉን ክመጽእን ክምዕብልን ዝኽእልን ኩነታት ብዝምልከትን ካብ መሪሕነት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝኾነ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶንዮ ትንታነ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም፡ ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእ ብዘይምፍጻሙ ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። ኣብ ግብጺ ካይሮ ካብ ክሳብ ሰኑይ ጀሚሩ ...

ኣባል ባይቶ ኢውሮፓዊ ሕብረት ካትሪን ላንገንሲፐን፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ዝግደሱ ኤርትራውያን ዝርርብ ከም ዘካየደት ተገሊጹ።

October 25, 2023 22:37 - 9 minutes - 7.55 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም፡ ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእ ብዘይምፍጻሙ ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። ኣብ ግብጺ ካይሮ ካብ ክሳብ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ድርድር ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ፡ ገለ ምዕባለን ምርድዳእን ከምዘርኣየ ተገሊጹ። መራሕቲ ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ባህርዳር ተመያዪጦም። ኤርትራ ንፉዓት ተምሃሮ ሸሊማ ኣባል ባይቶ ኢውሮፓዊ ሕብረት ካትሪን ላንገንሲፐን፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ዝግደሱ ኤርትራውያን ዝርርብ ከም ዘካየደት ተገሊጹ።