SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,771 episodes - Tigrinya - Latest episode: about 6 hours ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2023)

September 24, 2023 02:20 - 4 minutes - 7.21 MB

ንሎሚ 24 መስከረም 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ኣመሪካ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ኣመሪካዊ ሰብ ምስ ስለያ ዝተሓሓዝ ክሳብ ብሞት ዘቕጽዕ ሰለስተ ክስታት ኣቕሪባትሉ። ቀ/ሚ ኣልባነዝ ንደገፍ እወ ድምጺ ደቀባ ኣብ ፓርላማ ምስ ዝጉስጉሱ ተሳቲፉ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ፡ ናይ ተቓዉሞ ሰልፎም ቀጺሎም ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023)

September 21, 2023 09:14 - 53 minutes - 56.2 MB

ሓሙስ 21 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕ...

ብምቖት እናደደ ዝኸይድ ዘሎ ምድሪ፥ ዝገደደ ይመጽእ ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ይወሃብ

September 21, 2023 03:54 - 6 minutes - 5.72 MB

ኣውስትራሊያ ዝለዓለ ናይ ወቕቲ ጽድያ (Spring) ሙቐት ተመዝግብ ኣላ ፡ ናይ ጥዕና ክኢላታት ድማ ነቲ ዘይተርፍ ዝመጽእ ዘሎ ኣዝዩ ብርቱዕ ሙቐት ሓጋይ ምድላው ክገብሩ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ ኣለው ። ቢሮ ሜትሮሎጂ ድማ ኣውስትራልያ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክሊማ ኤል ኒኖ ኣትያ ከም ዘላ ኣዊጁ ኣሎ ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ።

September 20, 2023 23:10 - 7 minutes - 5.74 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።

ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧

September 20, 2023 02:53 - 10 minutes - 15 MB

ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) ንትውንኖ ገዛ ኣብ ትሸጠሉ ካብቲ ትረኽቦ መኽሰብ ዝኽፈል ግብሪ እዩ ። እዚ ግብሪ እዚ ኣብ ውሽጢ ናይ እቶትካ ተመላሲ / ግብሪ (income tax return)ይጠቓለል እዩ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ኣብቲ ናይ ኣውስትራሊያ ፋይናንሲያዊ ዓመት ኣብ 30 ሰነ ምዝዛም ይቐርብ ። ከም ገዛ፡ ንብረት ወይ ብርኪ ዝኣመሰሉ ናይ ካፒታል ንብረት እንተሸይጥካ ፤ ንኸይትቕጻዕ ኣብቲ ግብሪ ኣብ ትመልሰሉ እዋን መኽሰብካን ክሳራኻን ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መስከረም 2023)

September 20, 2023 02:11 - 5 minutes - 8.56 MB

ናይ ሎሚ 20 መስከረም 2023 ኣርእስታት ዜና ኤስ ቢ ኤስ፥ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዩክረይን ናይ ደገፋ ቃል ኣስሚዓ ። ሓደ ዓመት ድሕሪ ምፍራም ዉዕል ፕሪቶሪያ ገበናት ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ጣልያን ዳግማይ ብስደተኛታት ትዕለቕለቕ ኣላ ብምባል ኣማሪራ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023)

September 18, 2023 09:14 - 43 minutes - 41.8 MB

ናይ ሰኑይ 18 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ነቲ ኣብ ሊብያ ዝወረደ ጥፍ ኣት ዝምልከት ዘሎ ናይ ምድሓን ስርሒት ኩነታት ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ...

ኣብ ደርና/ሊብያ ብውሕዱ 891 ህንጻታት ከም እተደምሰሰን፡ ከንቲባ እታ ከተማ ድማ 20,000 ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ ኢሉ ።

September 18, 2023 04:29 - 6 minutes - 6.24 MB

እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ኣብታ ዘዕለቕለቐት ከተማ ኣብ ኣድሕን ህይወት ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ስርሖም ኣብዝጅመርሉ ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ግሪኽን ሰለስተ ሊብያውያንን ተቐቲሎም ።

ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን 5000 ሜ ኣመዝጊባ፣ ኣብ ተርታ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2 ኤርትራውያን ዝለዓለ ቦታ ሒዞም፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቅልውላው

September 18, 2023 02:24 - 12 minutes - 10.4 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/09/2023) * ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን 5000 ሜ ኣመዝጊባ፣ * ልዕሊ26 ጎየይቲ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ ማራቶን ሲድኒ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያዊት ራሕማ ቱሳ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ኣልማዝ ኣያና ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኒው ደልሂ፣ ህንዲ፣ ኣብ ዝካየድ ማራቶን ክትሳተፍ’ያ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ሰንበት ብዓወት ኣሜሪካዊ ሴፕ ከስ ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄር ብሓፈሽኡ መበል 82 ተርታ ብምሓዝ ምሉእ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ * ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝለዓሉ 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ ተሰሪዖም፣ * ጋንታ ከተማ ባህር ዳር ኣብ መባእታዊ ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ካፍ ኮንፈደረሽንስ ካፕ ንቱኒዝያዊት ጋንታ ክለብ ኣፍሪከይን 2-0 ስዒራታ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ ...

ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። (Report)

September 18, 2023 00:32 - 8 minutes - 6.21 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ። ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ተበጊሱ። ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣበጊሱ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትግርኛ ChatGPT እንታይ ረብሓ'ዩ ዘለዎ፧ መብርሂ ካብ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን

September 17, 2023 12:11 - 16 minutes - 14.8 MB

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2023)

September 17, 2023 02:22 - 7 minutes - 10.7 MB

ናይ ሎሚ 17 መስከረም 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታት: ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበረ ረፈረንደም ህዝቢ “እወ” ከድምጽ ምዃኑ ቀ/ሚ ኣልበነዝ ተስፋኡ ገሊጹ። ኣብ ሊብያ ልዕሊ 11 ሽሕ ዝቐዘፈን ልዕሊ 10 ሽሕ ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፋኦም ዝድሕኑ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድል እናማህመነ ከምዝኸደ ተገሊጹ። ዋና ኣመሓዳሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣል ቡርሃን ናብ ኡጋንዳ ገይሹ። ኣብ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 8500 ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ድሕሪ ምእታዎም ህዝቢን ዜጋታትን ኢጣልያ ኣሻቒሉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መስከረም 2023)

September 14, 2023 09:13 - 55 minutes - 63.1 MB

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ነቶም ሓድሽ ዓመተ 2016 ከም ኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ተብዕሉ ደጊምና እንቋዕ ኣብጽሓኩም እናበልና መልእኽቲ ቀሺ ገብረ ብርሃን ፍስሃ ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያምን ሚካኤልን ብርስቤን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን። ከነቕርበልኩም ኢና ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሊዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኣሰረ ተገሊጹ። ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። ኣብ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ንምውፃእ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ዳያስፖራ ትግራይ ተሓታትነት ክረጋገጽ...

ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ።

September 14, 2023 06:26 - 7 minutes - 5.59 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሊዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኣሰረ ተገሊጹ። ኣሜሪካዊ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ። ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። ኣብ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ንምውፃእ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ዳያስፖራ ትግራይ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ምዕልቕላቕ ማይ ሊብያ፡ ብውሑዱ 10,000 ሰባት ጠፊኦም/ሞይቶም፡ ክሳብ ርብዒ ከተማ ደርና ዓንያ።

September 14, 2023 02:25 - 7 minutes - 6.56 MB

ጕጅለታት ምድሓን ነቶም ኣብታ ብምዕልቕላቕ ማይ ዝዓነወት ሊብያዊት ከተማ ደርና ግዳያት ንምርካብ ድልያ የካይዱ ኣለዉ: ኣብታ ከተማ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝደቀስሉ ነዋሕቲ ህንጻታት በቲ ማይ ተወሲዶም እዮም ። ሰበ-ስልጣን ከም ዝገልጽዎ ፡ ቍጽሪ እቶም ክሳዕ ሕጂ ዝሞቱ ሰባት ብንጹር ዘይተፈልጠ እኳ እንተ ኰነ ፡ እንተ ወሓደ 10,000 ዝዀኑ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ወይ ሞይቶም እዮም ። ... ጸብጻብ

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መስከረም 2023)

September 13, 2023 03:22 - 6 minutes - 8.85 MB

ናይ ሎሚ 13 መስከረም 2023 ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፥ ኣብ ሊብያ ብዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ10,000 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ። ኣብ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 2900 ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ናይ 1 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ሩስያን ካልኦት ሰበስልጣን ሩስያን ንምዝርራብ ናብ ሩስያ ኣትዮ።

ምድላው ንፈተና ዜግነት ኣውስትራሊያ: መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ

September 13, 2023 00:39 - 10 minutes - 14.6 MB

ኣውስትራልያዊ ዜጋ ምዃን ንብዙሓት ብስደት ናብዚ ሃገር ዝመጹ ዘሐጕስን ዘዕግብን ነገር እዩ ። ዜግነት ንምርካብ ግን መጀመርያ "ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነት ፈተና" ክትሓልፍ ኣለካ ። እቲ መርመራ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ክብርታትን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣውስትራሊያ ንዘሎካ ፍልጠት ዝዕቅን እዩ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነትንምርካብ ዝወሃብ ፈተና ንምድላው ዝሕግዙ ምኽርታት ኽንህበካ ኢና ። 

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመተ 2016ን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ካብ ቐሺ ገብረብርሃን ፍስሃ

September 12, 2023 01:19 - 12 minutes - 18.3 MB

መልእኽቲ ቀሺ ገብረ ብርሃን ፍስሃ ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያምን ሚካኤልን ብርስቤን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን።

ግብጺ ብዘይ መሓመድ ሳላሕ ንኢትዮጵያ ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣

September 11, 2023 12:38 - 12 minutes - 10.2 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/09/2023) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን፣ ዘ ግሬት ኖርዝ ራን፣ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ግብጺ ንኢትዮጵያ 1-0 ስዒራታ፣ * ብዕድመ’ቲ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ተዓልዩ ዘሎ መራሒ ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ናብ ሃገራዊት ጋንትኡ ዝተመልሰ ፒየረ ኤመሪንግ ኦባመያንግ ንሱን ሃገሩን ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ከይሓለፉ ተሪፎም፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዩሮ 2024 ሽቶ ኣመዝጊቡ 5-0 ተዓዊቶም፣ * ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ከዋኽብቲ ንባሎን ድ’ኦር ተሓጽዮም፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2023)

September 11, 2023 09:19 - 49 minutes - 48.5 MB

ናይ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ጽባሕ ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት 2026 ከምኡ’ውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስ እዩ። ንኹሎም ተብዕሉ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ብሩኽ ኣውደኣመትን ንምነየልኩም። ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ሂቦም ኣለዉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድ...

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ።

September 11, 2023 06:03 - 8 minutes - 6.48 MB

መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፓስፖርት ጸገም ይፍታሕ ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ካብ መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለማርያም ሃይሉ፡ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርስበን።

September 11, 2023 02:43 - 10 minutes - 9.04 MB

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መስከረም 2023)

September 10, 2023 02:53 - 5 minutes - 7.21 MB

ናይ ሎሚ 10 መስከረም 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 2,012 ሰባት ሞይቶም 2,059 ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ። ሰብመዚ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቓውሞ ክገብሩ ዝፈተኑ ሰልፈኛታት ማህረምቲን ማእሰርቲን ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዘተሓሳሰቦ ኣምነስቲ ኢነትርናሽናል ገሊጹ። ሓደ ብግብረ-ሽበራ ክሲ ተኣሲሩ ዝነበረ ወተሃደር ብሪጣንያ ነበር ፡ ኣብ ለንደን ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ ተታሒዙ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መስከረም 2023)

September 07, 2023 09:12 - 57 minutes - 58.6 MB

ሓሙስ 7 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክ...

ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ።

September 07, 2023 06:47 - 10 minutes - 7.84 MB

ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክተኣታተው ጸዊዖም።

ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ክግበር እዩ፡ ንምንታይ "እወ" ወይ "ኣይፋል" ንምድማጽ ጎስጓስ ዝካየድ ዘሎ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ

September 07, 2023 04:52 - 15 minutes - 13.3 MB

ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ።

ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ኬንያ።

September 07, 2023 02:22 - 5 minutes - 5 MB

ኬንያ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ጸዓታ ካብ ተሓደስቲ ምንጭታት ከም ጂኦተርማል ፣ ሃይድሮ ፣ ንፋስን ጸሓያዊ ጸዓትን ትረክብ ። ጸሓያዊ ጸዓት ንኢንዱስትሪን ኣብ ገዛን ዝያዳ ሰሓቢ እናዀነ ምስ ከደ ፡ እታ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገር ፡ ከም ጸሓያዊ ጸዓት ዜመንጭዋ መሳሪሒታትን ኢንቨርተራትን ዝኣመሰለ ፍርያት ካብ ደገ ናይ ምምጻእ ስራሕ ደው ኣቢላቶ እያ ። ናይ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ዋዕላ ክሊማ ኣብዚ ሰሙን [5 መስከረም] ካብ ናይሮቢ ጀሚሩ ፡ ናይ ኬንያ ፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ፡ እታ ኣህጉር ኩሉ ሓይላ ብተሓዳሲ ጸጋታት ከተሐይል ከም እትኽእል ተዛሪቡ ።

ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት።

September 06, 2023 02:02 - 9 minutes - 13.6 MB

ኣውስትራሊያውያን ንፓርክታቶም ይፈትውዎን ንዝተፈላለየ መዓላ ይጥቀሙሉን ። እዚ ሓምላይ ቦታታት እዚ ፡ ኸልቢ ንምዝዋር ፡ ንምዝናይ ፡ ፡ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባርን ፡ ምስ ፈተውቲ ኣብ ዝግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ፡ ን ፒክኒክ ፡ ባርቢኲ ምግባር ንዚግበር ምትእኽኻብ ፡ ን ኣጋጣሚታት በዓል ንምትእንጋድ ፡ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ንምግባር ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ። ኣዘውቲርካ ናብ መናፈሻ ትኸይድ ኩን ኣይትኹን ወይ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ህዝባዊ ሓምላይ ቦታታት ክትድህስስ ትደሊ እንተኾይንካ: ሕግታትን ገለ ካብቲ ልሙድ ናይ ስነ-ስርዓት ምኽርታት ምፍላጥ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መናፈሻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ክሕግዘካ እዩ: እዚ ከኣ ሓጐስ ናይ ኵሉ እናኣረጋገጽካ: ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ መናፈሻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ክሕግዘካ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መስከረም 2023)

September 06, 2023 01:42 - 6 minutes - 9.05 MB

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ዘቕርበልኩም በየነ ሰመረ ናይ ሎሚ 6 መስከረም ኣርእስታት ዜና እዞም ዝስዕቡዮም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ሰባት ብምቕታልን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ። ሰብ መዚ ሩስያ ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍናው ፡ ናይ ኣውስትራልያ ድሮን ትጥቀም ከም ዘላ ገሊጾም ። ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 6 ኣባላት ተቓዋሚ ውድባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2023)

September 04, 2023 09:13 - 50 minutes - 56.3 MB

ናይ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)። ብዛዕባቲ ኩነታት ምስ ሸዊት ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሳ 33 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ንምቁራፅ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ምርመራ ገበናት ኲናት ተቓዊመን። ቀዳማይ ሚኒስተር ...

ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ።

September 04, 2023 06:40 - 6 minutes - 5.24 MB

ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሳ 33 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ንምቁራፅ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ምርመራ ገበናት ኲናት ተቓዊመን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ “ኣስታት ሓደ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት” ዝበሎም ሰባት ክሰጉግ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ። ኩርናዕ ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ብዝብል ዝፍለጥ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዳግም ተኸፊቱ ግልጋሎት ክህብ ጀሚሩ ። ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ወረዳ ኢሮብ ዝዓለመ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ተሳሊጡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ከም ኡውን ዜማታት ክንጋብዝ ኢና።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ተጸንቢሩ፣ ኣርሰናል ንማን ዩናይትድ ስዒራታ፣ ኒው ካስትልን ኣሌክሳንደርን ግን ሳልሳይ ስዕረት ተሰኪሞም፣

September 04, 2023 06:05 - 11 minutes - 10 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/09/2023) * ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንዝመጹ ክልተ ወቕትታት ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ክጽንበር ምዃኑ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ ኣማኑኤል ሰንበት ኣብ 9ይ መድረኽ ዝድነቕ ራብዓይ ወጺኡ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ጥቓ 3 ቢልዮን ዶላራት ተደናዲኑ ዝሓለፈ ሰሙን ተዓጽዩ፣ * ስዑዳዊት ጋንታ ኣልኢቲሓድ ንሞ ሳላሕ ክትገዝእ ዘካየደቶ ጽዑቕ ጻዕሪ ፈሺሉ፣ ሳላሕ ንጋንትኡ ሊቨርፑል ሽቶ ኣመዝጊቡ ኣብ’ቲ ዓርቢ ዝካየድ ግጥም ሃገሩ ኣንጻር ኢትዮጵያ ግን ዕረፍቲ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወታ ቀጺላ መሪሕነታ ዓቂባ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ሕጂ’ው...

“ፖሊስ እስራኤል ዋጋ ኣኽፊሎሙና እዮም፡ ዳርጋ ግጥምና ምስ ፖሊስ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።” ሸዊት ሃይለ

September 03, 2023 12:52 - 15 minutes - 21.7 MB

ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መስከረም 2023)

September 03, 2023 01:40 - 4 minutes - 7.06 MB

ን ሎሚ 3 መስከረም ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታቶም፡ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቱን ብዝተላዕለ ዕግርግር ፡ ልዕሊ 150 ተጎዲኦም ። ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ጋቦን ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ከሰጋግራ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ብ ዓርቢ 61 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ነሓሰ 2023)

August 31, 2023 09:14 - 51 minutes - 54.2 MB

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 31 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ጋቦን ካልእ ዕልዋ ተፈጺሙ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመጸ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ብተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምስተገብረ እዩ ። ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ቦንጎን ስድራቤቱን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንጋቦን ዝገዝአ ኮይኑ እቲ ን56 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርወ መንግስትነት ንምንዋሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ኣዊጁ ነይሩ። እቲ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ናይ ርድኡኒ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፈ ሓኪምን ደራስን ዶ/ር ክብረኣብ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ምስ ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስ...

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም።

August 31, 2023 06:37 - 6 minutes - 5.11 MB

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ ተሓቢሩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። ደቡብ ሱዳን ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢላ መስመራት መተሓላለፊ ነዳዲ ንምቛም ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ከውጽእ ምዃኑ ተሰሚዑ።

ንልዕሊ 55 ዝጸንሐ ስድራቤታዊ ግዝኣት ጋቦን ወተሃደራዊ ዕልዋ ገጢምዎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ሻሙናይ ዕልዋ ኮይኑ ኣሎ።

August 31, 2023 05:37 - 7 minutes - 6.56 MB

ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋቦን ስልጣን ድሕሪ ምሓዞም ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትዮምዎ ። እዚ ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንሻምናይ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረ ኮይኑ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካዊ ቅልውላው እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ።

"ንዶ/ር ክብረኣብ ዓርኩ መጻሕፍ’ዩ ነይሩ።" ፋርማሲስትን ደራስን ተስፋይ መንግስ

August 30, 2023 07:30 - 28 minutes - 25.2 MB

ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ ን ኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓኪም ኮይኑ ንህዝቢ ብሞያኡ ዘገልገለ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ዕድመኡ ኣብ ርእሲ ሞያኡ ከም "ባቢሎን፡ "ልኡኻት ሳጥናኤል"ን ዝብላን ካልኦት መጻሕፍቲን ብምብርካቱ ብብዙሓት ክፍለጥን ክኽበርን ገይርዎ እዩ። ዶ/ ክብረኣብ ፍረ ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ሕክምና ዶክተር ዝተመረቐ፡ ካብቶም ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ክልኒክ ኣብ ኣስመራ ዝኸፈተን እዩ ነይሩ። ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ ስነ ስርዓቱ ተፈጺሙ ኣሎ። ምስ ዶ/ር ክብረኣብ ንልዕሊ 50 ዓመታት ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ወናኒ ፋርማሲ ካቴድራልን ጸሓፍን ተስፋይ መንግስ ብዛዕባ ዶ/ር ክብረኣብ ዘለዎ ዓሙኢቕ ኣፍልጦኡ ኣካፊሉና ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ነሓሰ 2023)

August 30, 2023 06:33 - 5 minutes - 8.48 MB

እቲ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ዝግበር ረፈረንደም ኣብ 14 ጥቅምቲ ከምዝኸውን ተፈሊጡ ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ - ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣቶ ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ግጭት ብውሕዱ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብዛዕባ ንዝተጎድኡ እንስሳ ዘገዳም ምሕጋዝ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

August 30, 2023 02:04 - 9 minutes - 13.6 MB

ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩን ኣዝዮም መሰጥትን እንስሳ ዘገዳም ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ኣውስትራልያ ብደረጃ ኣህጉር ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ተነጺላ ብምህላዋ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ዓመታት ዘጋጠመ ናይ ፍሉይ ታሪኽ ፍልቀት እዩ ። ናብ ኣውስትራሊያ ክትገይሽ ወይ ንዳህሳስ ኣብ ትመጻሉ ፤ ገለ ካብ ፍሉያት ዓሌት እንስሳ ዘገዳም ከጋጥሙኻ ይኽእሉ እዮም ። እቲ ዘሕዝን ግና ፡ ሓድሓደ ግዜ እንስሳ ዘገዳም ክሓሙ ይኽእሉ እዮም ፣ ወይ ከኣ ብመካይን ሓደጋ የጋጥሞም፡ ከም ሓዊ ወይ ዕልቕልቕ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝስዕብ ጸገም ክጕድኡ ይኽእሉ እዮም ፣ ስለዚ ፡ እተጐድኡ ወይ ዝሓመሙ እንስሳ ዘገዳም እንተ ኣጓኒፎምኻ ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ ?

ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ንኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ዝለዓሉ መዳልያታት ኣምጺኤን፣ ቫን ዳይክ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብምህራሙ ብቐይሕ ወጺኡ፣

August 28, 2023 08:54 - 13 minutes - 11.1 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/08/2023) * ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኣሜሪካ ብ12 ወርቂ፣ 8 ብሩርን 9 ነሓስን ቀዳመይቲ ወጺኣ፣ ኢትዮጵያ ብ 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስን 6ይቲ ወዲኣ፣ * ኣብ ውድድር ማራቶን ደቀንስትዮ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኢትዮጵያውያን ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዓቲረን፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ከኣ ኣብ ዝለዓሉ 10 ደረጃታት ወዲኤን፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ’ለዉ፣ * ሎሚ ዓመት ኣብ ዕድጊ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝወጽእ ገንዘብ ልዕሊ 2 ቢልዮን ክሓልፍ ምዃኑ ተገሊጹ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወት ብምዕቃብ ትቕጽል ዘላ በይና ጋንታ ኮይና መሪሕነት ሒዛ፣ * ንኮኾብ ተጻዋቲት ሃገ...

ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ ሰላም ናይቲ ክልል ዝምልከት ገምጋም ኣሳሊጡ።

August 28, 2023 07:08 - 7 minutes - 5.26 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ካይሮ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ድርድር ይካየድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ጎና ጎኒ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣኼባ ክልተኣዊ ርክባት ኣሳሊጡ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ። ሚኒስቴር ሕርሻ ንትግራይ ትራክተራትን ጀነረተራት ማይን ደገፍ ከመይ ዝገበረ ተሓቢሩ። ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ ሰላም ናይቲ ክልል ዝምልከት ገምጋም ኣሳሊጡ። ኣብ መቐለ ብነታጉ ሰባት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ሰብ ከም ዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

መራሕን ምክትልን ጉጅለ ዋግነር ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ፡ ህዝቡ ሓዘኑ ይገልጸሎም።

August 28, 2023 05:27 - 6 minutes - 6.02 MB

ናይ ሩስያ መርማሪ ኮሚተ ፡ሓላፊ ጉጅለ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝሞቱ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ብመርመራ ዲ.ኤን.ኤ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ ። ሓያሎ ደገፍቲ ፕሪጎዚን ፡ ሞቱ ንምሕዛን ኣብ ሞስኮ ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ተረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንወተሃደራት ዋግነር ንሩስያ እሙናት ከም ዝዀኑ ኺመባጽዑ እኳ እንተ ኣዘዞም ፡ መጻኢ እቲ ጕጅለ ግና ንጹር ከም ዘይኰነ እዩ ዝገልጽ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2023)

August 27, 2023 02:47 - 5 minutes - 8.62 MB

ናይ 27 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ኣርእስታቶም ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዓቲረን። ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ሓያል ነትጒ ኣጋጢሙ። ፊፋ ንሓለቓ ፈደረሽን ስጳኛ ልዊስ ሩቢለስ ብዘይ ፍቓዳ ን ተጻወቲት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ብምስዓሙ ካብ ስልጣኑ ክጥረዝ ጸዊዑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ነሓሰ 2023)

August 24, 2023 09:12 - 52 minutes - 57.7 MB

ሓሙስ 24 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኲናት ይሕመስ ኣሎ። ናይዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ካበይ ናበይ፧ ጽልዋ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ነቲ ኩነታት ናበይ ከብጽሕዎ እዮም፧ ተራ ኤርትራ ኣብዚ ኩነታትን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል ለውጢን ጽልዋኡን ዝምልከት ምስ ዶክተር ሞሓመድ ኬር ዘተ ገይርና ኣለና ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ዋዕላ "ብሪክስ" ኣብ ምብዛሕን ቅልጣፈ ምጽምባር ኣባል ሃገራትን ዝምልከት ዕንቅፋት ከም ዝገጠሞ ተገሊጹ። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ናብ ምምላስ ከም ዝእቶ ኣፍሊጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕ...

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

August 24, 2023 07:01 - 8 minutes - 6.41 MB

ዋዕላ "ብሪክስ" ኣብ ምብዛሕን ቅልጣፈ ምጽምባር ኣባል ሃገራትን ዝምልከት ዕንቅፋት ከም ዝገጠሞ ተገሊጹ። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ናብ ምምላስ ከም ዝእቶ ኣፍሊጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ ባንኪ ዓለም ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ

ብርቱዕ ሙቐትን ደርቅን ዘስዓቦ ባርዕ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ከምዝህሉ ብምትንባይ ህዝቢ ክዳሎ ጻዊዒት ቀሪቡ።

August 24, 2023 04:52 - 4 minutes - 3.65 MB

ኣውስትራሊያውያን ካብቲ ኣብ ናይ 2019ን 2020ን በቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጸሊም ክረምቲ ባርዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከይድገም ኣብ እዋን ሓጋይ ወቕቲ ባርዕ ዝኣትወሉ ኣቐዲሞም ክዳለዉ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ ። ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ምንካይ መጠን ዝናም ፣ ልዕሊ ማእከላይ መጠን ሙቐት ከምኡ 'ውን ምቅይያር ኩነታት ኣየር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ።

ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግን ትጽቢታቱን ።

August 24, 2023 00:35 - 5 minutes - 8.41 MB

መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግ መበል 15 ዓመታዊ ዋዕላኦም የካይዱ ኣለዉ ። እቲ ኣኼባ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ተኣንጊዱ ፣ ንኣባልነት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምስፋሕን ንምዕራባዊ ጽልዋ ንምምካትን ምሕያልን ዝዓለመ ዘተ ክግበር እዩ ።

"ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝተሓላለኸን ዝተተሓሓዘን እዩ ኮይኑ ዘሎ።" ዶ/ር መሓመድ ኬር ዑመር

August 23, 2023 13:14 - 23 minutes - 21.7 MB

እብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኲናት ይሕመስ ኣሎ። ናይዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ካበይ ናበይ፧ ጽልዋ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ነቲ ኩነታት ናበይ ከብጽሕዎ እዮም፧ ተራ ኤርትራ ኣብዚ ኩነታትን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል ለውጢን ጽልዋኡን ኣብዚ ምስ ዶክተር ሞሓመድ ኬር ተዘትይሉ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ነሓሰ 2023)

August 23, 2023 02:51 - 5 minutes - 8.23 MB

ን ሰለስተ መዓልታት ዝግበር ዋዕላ ብሪክስ ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ይካየድ ኣሎ። መዓልቲ ረፈረንደም ንምቕያር ቅዋም ኣውስትራሊያ ዝመጽእ ረቡዕ ክፍለጥ እዩ። "ሂዩማን ራይትስ ዎች"፡ ሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ክኣትዉ ዝፈተኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀቲሎም ክብል ከሲሱ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ዉግእ ቀጺሉ።