SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,771 episodes - Tigrinya - Latest episode: about 6 hours ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

#44 Small talk about extreme weather (Med) - ምስ ኤስ ቢ ኤስ ቋንቋ እንግልዝኛ ንመሃር፡ ዝርርብ ብዛዕባ ሕሉፍ ኩነታት ኣየር

August 23, 2023 01:20 - 11 minutes - 22.3 MB

Learn how to start a conversation about extreme weather. Plus find out where you can find multilingual information about weather emergencies. - ብዛዕባ ክቱር ኵነታት ኣየር ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር ተምሃር ። ብተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ኩነታት ኣየር ህጹጽ ኩነታት ኣበይ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንምፍላጥ ብዙሕ ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ርኸቡ ።

ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘጋጥም ሕማማት፡ ምኽሪ ንስደተኛታትን ሓደስቲ ወለዲን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ። (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

August 23, 2023 01:07 - 8 minutes - 12.8 MB

ካብ ሕጻንነት ጀሚርካ ኣገልግሎት መውዓሊ ህጻናት ምጅማር ፡ ዕብየት ኣብ ሞያን ናይ ወላዲ ሓላፍነትን ሚዛኑ ዝሓለወ ጠቓሚ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኰይኑ ግን ፡ እዚ ውሳነ እዚ ፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ስደተኛታትን ነቶም ናይ ፈለማ ወለድን ፍሉይ ብድሆታት ኸምጽኣሎም ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ መውዓሊ ህጻናት ኣገባብ እናተጠቐምና ብዛዕባ ዝለዓል ናይ ጥዕና ጉዳያት ንዛረብ ኣለና ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2023)

August 21, 2023 09:15 - 51 minutes - 52.2 MB

ናይ ሰኑይ 21 ነሓሰ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብዚ ደቂ ሰባት ካብ ቀደም ንላዕሊ ናይ ተክኖሎጂ ዉሉፋት ኮይኖሙሉ ዘለዉ እዋን፡ ቆልዑ ካብ ብኢንተርኔት ክመጽእ ዝኽእል ዓመጽ ክድሕኑ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጥቓ ደቆም ክህልዉ ኣድላዪ እዩ። ደቅኹም እወታዊ ተመኩሮ ኣብ ኦንላይን ክረኽቡ እንታይ ክግበር ከምዝግባእ ዝገልጽ ሓደ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ። ቅነ ኣሸንዳ ብምዃኑ ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዳያስፓራ ተጋሩ ኣውስትራልያ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ተበርኪትሉ። ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢማራት ኣብ ሃፍቲታት ማይን ኢነርጂን ሓገዝ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም...

ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ም/ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም።

August 21, 2023 06:57 - 6 minutes - 4.93 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዳያስፓራ ተጋሩ ኣውስትራልያ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ተበርኪትሉ። ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢማራት ኣብ ሃፍቲታት ማይን ኢነርጂን ሓገዝ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም። ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ትስፉው መጻኢ ዝእምት ምዃኑ ተገሊጹ።

ቅነ ኣሸንዳ ምስ ኣዋልድ ኣሸንዳ።

August 21, 2023 06:49 - 8 minutes - 9.58 MB

ክረምቲ ኣብዝውደኣሉ፡ ድሮ ሓድሽ ዓመታት ዘሎ ቅነ ብ ኣዋልድ ዝጽወት ባህላዊ ጸወታታትን ጓይላን ዝገልጽ ቅድሚ ሕጂ ብ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝቐረበ ዳግም ናባኹም ነብሎ።

ጉዳፍ ጸጋይ ንለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን መሪሓ ሰለስቲኡ መዳልያታት ንኢትዮጵያ ኣዕቲራ፣ ስፐይን ሻምፒዮን ዓለም ኮይነን፣

August 21, 2023 03:43 - 12 minutes - 10.2 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/08/2023) *ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ኣትለቲክስ 2023 ቡዳፐስት ተዓዊታ፣ ለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን ከኣ ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺኤን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኩሉ መዳልያት ወሲደንኦ፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን ንእንግሊዝ ስዒረን ተዓወትቲ ኮይነን፣ * ኣውስትራልያ ብሽወደን ተሳዒረን ብዘይመዳልያ ራብዓይቲ ወጺኤን፣ እንተኾነ ግን ማቲልዳስ ስለ’ቲ ታሪኻዊ ጉዕዞአን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓወልቲ ክስራሓለን’ዩ፣ * ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዓጀብቲ ፖሊስ ክግበረሉ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ተነጺጉ፣

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2023)

August 20, 2023 03:10 - 5 minutes - 8.56 MB

ንሎሚ 20 ነሓሰ 2023 ዘዳለናዮ ሓጸርቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ፡ ዝተኣስሩ 11 ጋዜጠኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈትሕ ሓቲቱ። ጋንታ ማቲልዳስ ብጋንታ ሽወደን 2 ብባዶ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ዋንጫ ዓለም ጉዕዞኣ ኣብቂዑ። ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ጀርመን ናብ ሃገራቶም ዝመለሰቶም ስደተኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ27 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ነሓሰ 2023)

August 17, 2023 09:14 - 53 minutes - 54.7 MB

ሓሙስ 17 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣ ናይዚ ትንተና ኢብራሂም ዓሊ ከቕርበልና’ዩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም። * ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም ናይ ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ጳጳስ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንበረ ሰላማ ኣመሰራርታ...

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

August 17, 2023 06:50 - 5 minutes - 4.28 MB

ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

"ካንሰር ደም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒልናዮ ኣለና።" ተመራመርቲ ሕክምና ዓዲ'ንግሊዝ

August 17, 2023 04:51 - 3 minutes - 3.29 MB

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሆስፒታል ፡ ነቲ ማይሎማ ዝብሃል ሕማም መንሽሮ ደም ንምፍዋስ ዝገብሮ ዘሎ ክሊኒካዊ ፈተናታት ከም ዝተዓወተ ገሊጹ ። ሚሎማ ኣብ ኣንጉዕ ዓጽሚ ካብ ዝርከብ ዋህዮታት ዝምዕብል ዓይነት መንሽሮ እዩ ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ከምዘይሓዊ እዩ ዝቑጸር ።

"ኣቦታትን ሊቃውንትን ትግራይ ክሳብ ሞት ኢና ህይወትና ንህዝብና ከነወፊ።" ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም

August 17, 2023 02:09 - 30 minutes - 21.5 MB

ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም ናይ ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ጳጳስ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንበረ ሰላማ ኣመሰራርታኡ፡ መጻኢ ግድላቱን ኣሰራርሓኡን ገሊጾም ኣለዉ።

ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣

August 16, 2023 22:14 - 7 minutes - 6.25 MB

ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዘአንግደኦ ዘለዋ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ሰሉስን ሮቡዕን ድሕሪ ምክያዶም ናብ ፍጻመ ግጥም በጺሑ። እንግሊዝን ስፐይንን ሻምፒዮን ዓለም ንምዃን ሰንበት ክገጥማ'ንከለዋ ኣውስትራልያን ሽወደንን ከኣ ንሳልሳይ ደረጃ ቀዳም ክጣፍኣ'የን። ዋንጫ ዓለምን ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ (ማቲልዳስ)ን ዝፈጠርዎ ሃዋህው ግን ብኸመይ ተሓሊፉ፧

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ነሓሰ 2023)

August 16, 2023 03:16 - 5 minutes - 8.17 MB

ናይ ሎሚ 16 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታቶም፥ ነታ ብባርዕ ዝተደምሰሰት ደሴት ንምሕጋዝ ኣስታት 500 ኣባላት ሰራዊት ፌደራል ኣመሪካ ናብ ማዊ ተላኢኾም ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብዝተፈፀመ ከቢድ መጥቃዕቲ 30 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ተፈሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 16 ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዘራእትን ሃብቲ ተፈጥሮን ጉድኣት ወሪዱ። ጋንታ ማቲልዳስ ሎሚ ኣንጻር ኢንግላንድ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ጸወታ ክትገጥምያ።

መሰልን ሓላፍነት ዉርሻ: ሕጊ ዉርሻ ኣብ ኣውስትራሊያ

August 16, 2023 01:43 - 9 minutes - 13.3 MB

ኣውስትራሊያዊያን ዘይከም ካልኦት ሃገራት ንዝወርስዎ ንብረት ናይ ውርሻ ግብሪ ኣይከፍልሉን እዮም ። ይኹን እምበር ፡ ጽኑዕ ሕግታት ውርሻ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ፡ ልዕሊ 50% ካብ ኣውስትራሊያዊያን ከይተናዘዙ ክሞቱ ከለዉ ፡ ኣብያተ-ፍርዲ ኣብ መንጎኦም ጣልቃ ይኣትዋ እየን ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ቀዳማይ ግጥም ፕሪምየር ሊግ ጋንትኡ 2 ሽቶታት ኣመዝጊቡ፣ ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ንኣውስትራልያ ክድግፍ'ዩ፣

August 14, 2023 08:02 - 10 minutes - 7.78 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/08/2023) * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ሰንበት ተዛዚሙ-ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ተቐዳደምቲ ደሓን ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣርእዮም፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን ኣንጻር ሽወደን፣ እንግሊዝ ኣንጻር ኣውስትራልያ ኣብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣ * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ኣውስትራልያን እንግሊዝን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ክገጥማ’ንከለዋ ንኣውስትራልያ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ሓድሽ ወቕቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብገፊሕ ዓወት ጀሚራ ክትመርሖ ሓጊዙ፣

"ዉዕሊ ፕሪቶርያ ንምዕንቃፍ ሓይልታት ኣምሓራ ብህዝቢ ትግራይ የሳብቡ ኣለዉ።" ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ።

August 14, 2023 06:20 - 5 minutes - 3.87 MB

ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ንምዕንቃፍ ሓይልታት ኣምሓራ ብህዝቢ ትግራይ የሳብቡ ኣለዉ ክብል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከሲሱ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልል ኣምሓራ ኣመልኪቱ ክእከብ እዩ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከየስዕብ ተሰጊኡ ዝጸንሐ ነዳዲ ተኣልዩ። ዕስለ ኣንበጣ ንምጥፋእ ሓይሊ ዕማም ከም ዝተዳለወ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ: ዝሓዘቶ ነዳዲ ከይፍንጀር ተሰጊኡ ዝጸንሐ ግዒዙ ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 13 ነሓሰ 2023)

August 13, 2023 02:24 - 4 minutes - 6.84 MB

ናይ ሎሚ 13 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደው ኢላ ዝጸንሐት መርከብ: ዝሓዘቶ ነዳዲ ከይፍንጀር ተሰጊኡ ዝጸንሐ ግዒዙ ። ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ ዞባ ኣምሓራ ስክፍታአን ገሊጸን። ጋንታ ማቲልዳስ ናይ ኣውስትራሊያ ንጋንታ ፈረንሳ ብፍጹም ቅላዕ ብምስዓር ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሓ።

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ምቕጻሉ ገሊጹ።( ጸብጻብ)

August 10, 2023 06:17 - 9 minutes - 7.04 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ብዝብል ዝፍለጡ ዕጡቓት ስጉምቲ ከም ዝተወስደን “ልዕልና ሕጊ” ከም ዝተኸበረን ተገሊጹ። ብሪጣንያ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንምትግባር ንተልእኾ ክትትል ጉጅለ ተቖፃፃሪ ገንዘባዊ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ። ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ንምዕጋት ይፅዕር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ምቕጻሉ ገሊጹ። ጂቡቲ፣ ኣስታት 50 ሽሕ ቶን ክብደት ንዘለወን መራኽብ ንምጽጋን ዘኽእል ተንሳፋፊ ጋራጅ ኣብ ኣገልግሎት ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ።

ሕማም ወቕዒ (ስትሮክ)፡ ሳዕቤኑን ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምቲታትን።

August 10, 2023 04:48 - 6 minutes - 5.31 MB

ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕዒ ወይ ስትሮክ ቁጽሪ ሓደ ጠንቂ ናይ ስንክልና እዩ ፡ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ኣብ ዕድመ ህይወቶም ወቕዒ ከጋጥሞም ትጽቢት ይግበር ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ሃገራዊ ሰሙን ወቕዒ (7-13 ነሓሰ) ናይ ኣውስትራሊያ ወቕዒ ፋውንዴሽን ብዛዕባ ኣብ ሂወት ክህልዎም ዝኽእል ጽልዋን ብኸመይ ክከላኸሉ ከምዝኽእሉን ግንዛበ ንምዕባይ ተስፋ ይገብር ።

እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ተዘትይሉ፡

August 10, 2023 04:37 - 4 minutes - 4.17 MB

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ወሲባዊ መጥቃዕቲ ብዝኸፍአ ደረጃ ይፍጸም ከምዘሎ ሰሚዑ ኣሎ ። ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝግበር ውግእ ድማ ነቲ ኣብ መልእ'ታ ሃገር ከጋጥም ዝኽእል ናይ ቀቢላ ውጥረት ከይዕብልል ተሰጊኡ ።

ፋሚሊ ሰትልመንት ሰርቪስ ዝሕቦ ደገፋት እንታይ እዮም፧ ምስ ኣቶ ልኡል ፍስሃየ

August 09, 2023 07:19 - 5 minutes - 4.72 MB

ንማሕበረሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ እግሪ ንኽተኽሉ ብዝተፈላለዩ ትካላት ሓገዝ ይወሃብ እዩ። ሓደ ካብዞም ትካላት ብዛዕባ ዝኾነ ኣቶ ልኡል ፍስሃየ ካብ መልበርን ገሊጹልና ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ባሃርዳር ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከምዝሰረዘ ሎሚ ኣፍሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 9 ነሓሰ 2023)

August 09, 2023 05:45 - 5 minutes - 5.58 MB

ናይ ሎሚ 9 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ፈለማ ኣርእስታት፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣማራ ከተማ ባሃርዳር ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከምዝሰረዘ ሎሚ ኣፍሊጡ። ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ኣብ ሃገሮም ዝተፈጸሞም ሰብ ኣዊ ግህሰታት ዝገልጽ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ወጺኡ። ኣብ ዉድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ጋንታ ፈረንሳ ን ሞሮኮ 4-0 ቐዳም ምስ ጋንታ ኣውስትራሊያ ኽትገጥም እያ ።

ክእለት ቋንቋ እንግሊዝኛ ምምዕባል፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

August 09, 2023 05:26 - 10 minutes - 8.8 MB

እንግሊዝኛ ምምሃር ንናይ ተማሃራይ ቪዛ ከም ረቛሒ ስለ ዝሕሰብ፡ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝኛ ነዚ ክሕግዝን ንናይ መጻኢ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ መእተዊ መገዲ ክኸውን ይኽእል ። ኣብ ሞያኻ ንዘሎካ ተስፋ ኸተዕብዮ ወይ ብሕታዊ ዝወጠንካዮ ሸቶ ንምስላጥን እውን ተኽእሎ ኣለዎ ። ብዙሕ ናይ ምምሃር እንግሊዝኛ ኣማራጺታትን ብዘይወግዓዊ መገዲ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚታትን ኣብ ዘለወሉ ፡ ዕንቅፋታት ሰጊርካን ናይ እንግሊዝኛ ክእለትካ ከተጽፍፍን መገዲታት ኣለዉ፡ እዚ ክብጻሕ ዝኽእል እዩ ።

'ኣውስትራልያ ናብ ፍጻመ ግጥም እንተበጺሐን ህዝባዊ በዓል ክንእውጅ ኢና' ቀ/ሚ ኣልባነዚ፣ ጉዕዞ ናይጀርያ፣ ሞሮኮን ጃማይካን ኣብቂዑ፣

August 08, 2023 22:20 - 10 minutes - 8.57 MB

ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ ጋንታታት ተፈሊጠን ኣለዋ። ግጥማት ኣውስትራልያ ብብዝሒ ተዓዘብቲ ኣብ ስታድየማት፣ ኣደባባያትን መስኮታት ቴሌቪዥንን ክብረወሰን ሰይሮም። ኣውስትራልያ ክሳብ ፍጻመ ግጥም እንተበጺሐን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ህዝባዊ በዓል ክእውጅ ምዃኑ ገሊጹ። ናይጀርያ፣ ሞሮኮን ጃማይካን ኣንጻር ብዙሕ መሰናኽላት ዘመዝገብኦ ዓወት ኣድናቖት ረኺበን። ልዕልቲ ሜሪ ናይ ዴንማርክ መበቆላ ኣውስትራልያ ብምዃኑ ኣብ ግጥም ዴንማርክን ኣውስትራልያን ንመነን ትድግፍ ተቐርቂራ።

ቀጥታ ትሕዝቶ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2023)

August 07, 2023 09:18 - 11 minutes - 12.2 MB

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ደሴት ራስል ኲንስላንድ ብ ዘጋጠመ ባርዕ ፡ ሓሙሽተ ቘልዑን ኣቦኦምን ተቐቲሎም ። ** ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ፡ ካብ ደቡባዊት ደሴት ላምፔዱሳ ክልተ ሬሳታት ከምዘውጽ አን 57 ሰባት ከም ዝደሓነን ገሊጹ ። ** ኣውስትራልያ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ክግድቡ ምዒደን።

ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ገለ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ መንግስቲ ኣረጋጊጾም።

August 07, 2023 06:28 - 7 minutes - 5.56 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣውስትራልያ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ክግድቡ ምዒደን። ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ገለ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ መንግስቲ ኣረጋጊጾም። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቐጸለ ግጭት ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፈተና 12 ክፍሊ 5 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብዝተፈጥረ ዕግርግር ትሽዓተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተገሊጹ።

ጥዕና ኣፍን ስንን ምሕላው ማለት ጥዕና ምሉእ ኣካል ምሕላው እዩ።

August 07, 2023 05:49 - 5 minutes - 4.57 MB

ማሕበር ስኒ ኣውስትራሊያ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሰለስተ ርብዒ ካብ ኣውስትራሊያዊያን ሳሕቲ ወይ ፈጺሞም ከምዘይሓጽቡ ፤ ኣብ መዓልቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሓደ ግዜ ጥራይ ኣስናኖም ከምዝብርሹ ይሕብር ። እዚ ዘሻቕል ሓድሽ ሓበሬታ እዚ ፡ ካብቲ ናይ ሎሚ ዓመት [7-13 ነሓሰ] ዚኽፈት ሰሙን ጥዕና ስኒ ፡ ኣቐዲሙ ዝወጽእ እዩ ።

በዓል ቢንያም ግርማይ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ከይወዳደሩ ቪዛ ተኸሊኦም፡ ሻምፒዮን ኣሜሪካ ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፈን፡

August 07, 2023 02:43 - 10 minutes - 8.83 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07082023) * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ት18 መንእሰያት ደቀንስትዮ ታንዛንያ ሻምፒዮን ብምዃን ክዕወታ’ንከለዋ ኢትዮጵያ ሳልሰይቲ ወጺኤን፣ * ኣብ ቱርኪ መንእሰይ ተቐዳዳማይ መንግስ ጴጥሮስ ተዓዊቱ፡ * ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም ኣርባዕተ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ኤርትራ ኣብ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ኣብ ስኮትላንድ ከይሳተፉ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቪዛ ተኸሊኦም፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን፣ ጃፓን፣ ነዘርላንድስን ሽወደንን ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክሓልፋ’ንከለዋ ሻምፒዮን ዝሓለፉ ክልተ ዋንጫታት ዓለም ዝነበራ ኣሜሪካ ግን ተገሊፈን፡

ተቓዉሞታትን ናዕብን ኣብ ፈስቲቫላት ኤርትራ ቀጺሉ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ (06 ነሓሰ 2023)

August 06, 2023 03:23 - 5 minutes - 7.61 MB

ንሎሚ 6 ነሓሰ 2023 ዘዳለናዮ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ተቓዉሞታትን ናዕብን ኣብ ፈስቲቫላት ኤርትራ ቀጺሉ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ህውከት ቀጺሉ ሰብ መዚ ኣምሓራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ኣለዉ። ኣውስትራሊያ ዜጋታት ናብ ከተማ ላሊበላ ከይገሹ መኺራ። ጋንታ ማቲልዳ ኣንጻር ዴን ማርክ ኣብትገብሮ ጸወታ ሳም ከር ክትጻውት’ያ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም።

August 05, 2023 03:21 - 6 minutes - 9.21 MB

ንሎሚ 5 ነሓሰ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፈለማ ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም። ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ፡ ዉግእ ቀጺሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ኣብ ኖርዘርን ተሪቶርዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ጋርማ ተረኺቡ፡ ህዝቢ ኣብቲ ንድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ዝግበር ረፈረንደም እወ ከድምጽ ጎስጒሱ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተቓልዑ ሰባት ልዕሊ 20 ሚልዮን.

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ነሓሰ 2023)

August 03, 2023 09:15 - 58 minutes - 61.1 MB

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 3 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምስ ኣቶ ኣማኑኤል ይትባረኽ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ፧ ጉዳዮም ዝከታተሎ መን ኣሎ፧ ብዉድብ ይኹን ብውልቂ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እንተልዩን ብኸመይ ናብ ኣቶም ክበጽሕ ይኽእል፧ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ካልእን ዝምልከት ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ ...

ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ።

August 03, 2023 06:38 - 8 minutes - 6.61 MB

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !! መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ወዲቑ። ኣብ ኤርትራን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ፈረንሳን ካል ኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዜጋታተን ካብ ኒጀር የውጽኣ ኣለዋ።

August 03, 2023 04:54 - 5 minutes - 5.26 MB

ዜጋታት ፈረንሳን ካልኦት ኤውሮጳውያንን ካብ ኒጀር ከወጹ ጀሚሮም። ኣብታ ምዕራባዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያዱ፡ ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምስጋእ እዩ እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ። ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ ኣሎ ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝግበረለን ሃገራት ዘለዋ ዝርዝር ኣትያ ኣላ።

ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ቅያን ታሪኽን ኣብ ዝሰርሓሉ ብራዚልን ኢጣልያን ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፈን፡

August 03, 2023 00:12 - 7 minutes - 5.55 MB

ኣብ'ዚ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ - ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ መወዳእታ መልክዖም እናሓዙ ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓሊፈን ሓበን ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ኣውስትራልያውያ ደቀንስትዮ ውአሳኒ ግጥመን ኣንጻር ካናዳ ተዓዊተን መላእ ሃገር ኣነቓቒሐን፡ ብራዚልን ኢጣልያን ተገሊፈን፡

"ሓደ ካብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸድናሉ ምኽንያት ብዛዕባ'ቶም ብሓይሊ ዝተሰጒ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምጽራይ'ዩ።" ኣማኑኤል

August 02, 2023 07:55 - 27 minutes - 25.1 MB

ነባሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ኣማኑኤል ይትባረኽ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ሲቪክ ማሕበራት ወኪሉ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ትግራይ ብምጉዓዝ ሃለዋት ስደተኛታት ኤርትራዊያንን ሓቲቱ፡ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊያንን ዘይመንግስታዊያንን ርክባት ኣካይዱ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ፧ ጉዳዮም ዝከታተሎ መን ኣሎ፧ ብዉድብ ይኹን ብውልቂ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እንተልዩን ብኸመይ ናብ ኣቶም ክበጽሕ ይኽእል፧ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ካልእን ዝምልከት ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ነሓሰ 2023)

August 02, 2023 04:46 - 5 minutes - 8.23 MB

ናይ ሎሚ 2 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከቢድ ዉግእ ከምዝነበረ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ኣብ ኒጀር ጣልቃ ምእታው ከም ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ኲናት ምእዋጅ’ዩ። ኣብ ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ጋንታ ማቲልዳስ ኣንጻር ጋንታ ዴንማርክ ክትገጥም እያ።

Voice Referendum: What is it and why is Australia having one? - ረፈረንደም “ድምጺ ንፓርላማ”፡ እንታይ እዩ? ንምንታይ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ትገብር ኣላ?

August 02, 2023 02:58 - 9 minutes - 13.2 MB

Australians will vote in the Indigenous Voice to Parliament referendum on October 14. Here’s what you need to know about the process, including why it’s taking place, and the information that communities can expect to help guide their decisions at the polls. - ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትረይት ኣይላንደራዊያንን ኣብ ቅዋም ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ትፈልጡዶ? ኣብ ቅዋም ኣውስትራሊያ ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ‘Voice to Parliament’ ንምእታው ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራላዊያን ብረፈረንደም ድምጾም ክህቡ መዲቡ ኣሎ። ስለዚ እዚ ረፈረንደም እንታይ እዩ? ኣብ ኣውስትራሊያ ድምጾም ክህቡ መሰል ዘለዎም መን’ዮም?...

ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2023)

July 31, 2023 09:11 - 11 minutes - 11.8 MB

ኣርእስታት ዜና፥ ** ነቶም ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ ደሴታት ኲንስላንድ ዊትስ ዝወደቐት ኣርባዕተ ዝጠፍኡ ወተሃደራት ናይ ምርካብ ተስፋ ከም ዘየለ ተገሊጹ ። ** መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኒጀር ነቲ ብሓይሊ ዝመንዝዕዎ ስልጣን ከረክቡ ሓደ ሰሙን ሂቦሞም። ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነውሐ ግዜ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ጸዊዑ።

እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

July 31, 2023 07:35 - 5 minutes - 4.15 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ይውስኽ ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ፌደራል ሓባሲንብዓት ኣረጋጊጹ። ራብዓይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅምር እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ናብ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብሰንኪ ኲናት ኣቋሪፁዎ ምምሃር ምስትምሃር ዳግም ንምጅማር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ተምሃርኡ ንምዝገባ ፀዊዑ። ሓዱሽ ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ኣመሪካ /USAID/ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዚዙ።

ሞሮካዊት ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ታሪኽ ሰሪሓ፣ 'ሽቶ ኣመዝጊበ ብታሕጓስ ማልያይ ምስ ኣውጻእኩዎ ኣቦይ ኣይተሓጎሰን' ናይጀርያዊት ኣጥቃዒት ኦሾላ

July 31, 2023 06:16 - 10 minutes - 8.78 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/07/2023) * ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኣብ ዝተፈላለዩ ቅድድማት ብሽግለታ ኤውሮጳ ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀ ንኡድ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ወዲቑ ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ክትብል ጋንትኡ ሓቢራ፣ * ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሴካፋ ት18 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ብኡጋንዳን ታንዛንያን ተሳዒራ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ሓንቲ ካብ ኣዳለውቲ ዝኾነት ኒውዚላንድ ኣብ ምድባዊ ግጥማት ተገሊፋ፣ * ሞሮካዊት ተጻዋቲት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ ግዜ ሒጃብ ተኸዲና ዝተጻወተት ኮይና፣ * ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ሳም ከር ኣብ ወሳኒ ግጥም ኣንጻር ካናዳ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ፣

ዩክሬን ኣብ ርእሰ ከተማ ራሻ ኣብ ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ተካይድ ኣላ።

July 31, 2023 05:49 - 4 minutes - 3.89 MB

ዩክረይን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ሳልሳይ ሳዕ መጥቃዕቲ ድሮን ኣካይዳ ኣላ ፣ በዚ መጥቃዕቲ ህንጻታት ዓንዩን ሓደ ሰብ ተጎዲኡን ኣሎ ። ናይ ዩክረይን ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እቲ ውግእ ናብ ሩስያ ይምለስ ከም ዘሎ ገሊጹ ። እዚ ዝመጻሉ ዘሎ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ናይ 10 ነጥቢ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ ብዩክረይን ዝተወደበ ዋዕላ ሰላም ከተአንግድ ምዃና ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዩ ።

መጠንቀቕታት ምልክታት ሕማም ልቢ ብምፍላጥን ስጉምቲ ብምውሳድን ካብ ሞት ምድሓን።

July 31, 2023 04:38 - 8 minutes - 6.15 MB

ልብኹም ክሳብ ክንደይ ጥዑይ ከምዘሎ ትፈልጡዶ? ሕማም ልቢ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጠንቂ ሞት ብምዃኑ ጥዕና ልብኹም ከመይ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

#42 Let’s talk about thrifting & fashion (Adv) - ምስ ኤስ ቢ ኤስ ቋንቋ እንግልዝኛ ንመሃር፡ ብዛዕባ ክዳውንትን ፋሽንን ንዛረብ

July 30, 2023 08:15 - 14 minutes - 28.1 MB

Learn how to talk about thrifting and sustainable fashion. Plus find out how you can upcycle your old clothes and items for free. - ብዛዕባ እንዳ ክዳውንትን ፋሽንን ንዘራረብ። ብተወሳኺ ዘለኩም ናይ ቀደም ክዳውንቲ ዳግማይ ብኸመይ ትጥቀምሉን ዘይትጥቀምሉ ነገራት ብኸመይ ብነጻ ንኻልእ ትህቡ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2023)

July 30, 2023 02:51 - 4 minutes - 6.3 MB

ናይ ሎሚ 30 ሓምለ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታቶም፡ ኬንያዊያን ተቓወምቲ ምስ መንግስቲ ተሰማሚዖም ወተሃደራዊ መራሕቲ ነቲ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም [ባህ-ዞም] ድሕሪ ምዕላዎም ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ን ኒጀር ዝወሃብ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣቛሪጽዎ ። “ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ዝበሃል የለን እዚ፡ ብኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተኣወጀ ኲናት እዩ፡” ፕ/ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡

ንኣውስትራልያውያን ዘሰንበደ ዓወት ናይጀርያውያን ኣብ ኣውስትራልያ ብዙሕ ሕቶታት የልዕል

July 27, 2023 22:46 - 8 minutes - 6.65 MB

ካልኣይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ዝተኻየደሉ ክልቲኤን ብሓባር ነቲ ውራይ ዘአንግደኦ ዘለዋ ሃገራት ስዕረት ኣጋጢምወን ናይ ምሕላፍ ዕድለን ኣብ ሰንፈላል ይርከብ። ዓብላሊ ዓወት ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ግን ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾነን ንውሳነታት ኣሰልጣኒ ኣውስትራልያ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወን ኮይኑ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሓምለ 2023)

July 27, 2023 09:15 - 52 minutes - 56.5 MB

ናይ ሓሙስ 27 ሓምለ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብ ዝተሰደድካሉ ሓዲሽ ሃገር ፡ ኣዕሩኽ ምጥራይ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ። ብባህሪ ወይ ከም ልምዲ፡ ተመሳሳሊ ባህሊ ምስ ዘለዎም ሰባት ናይ ምድግጋፍ መርበብ ክንምስርት ኢና እንደሊ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ማሕበረሰቡ ከም ዝተሰነየ ላዕለዋይ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም። መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም። ኣብ ትግራይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህፃናት ፣ ነፍሰፁርን ኣዴታትን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ ዕላል ምስ ኣቶ ክብሮም ከበዶም ሎሚ ክንዛ...

መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም።

July 27, 2023 06:39 - 4 minutes - 3.95 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ማሕበረሰቡ ከም ዝተሰነየ ላዕለዋይ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም። መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም። ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ኣማኻሪ ጸጥታን ክልል ኣምሓራን ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊፁ። ኣብ ትግራይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህፃናት ፣ ነፍሰፁርን ኣዴታትን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ።

ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ብ ኣሕተምቲ ኣይብቑዑን'ዩ ዝተባህላ፡ መጽሓፋ ምስ 60 ሽሕ ዶላር ግንዖ ናይ ኣውስትራሊያ ዝለዓለ ሽልማት ተሸሊማ።

July 27, 2023 05:12 - 6 minutes - 5.33 MB

ናይ መጀመርታ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ፡ እቲ ዛንታታት ኣውስትራልያዊ ከምዘይኮነ ተነጊርዋ ነይሩ ። ሹንኩሪ ቻንድራን ኣብዚ እዋን ሕብንቲ ናይ Miles Franklin Literary Award ተሸላሚት ኮይና ኣላ ። እታ ዝጸሓፈታ ናይ ልቢ ወለድ መጽሓፋ - Chai Time at Cinnamon Gardens - - ውግእ: በሰላን ምክፍፋልን ብዝፈታተን ክትጸሮ ዝኸብድ ዛንታታትን ዝመልአት እያ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ (26 ሓምለ 2023)

July 26, 2023 02:50 - 3 minutes - 4.24 MB

ቀንዲ ነጥብታት፡ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣብ ናይ ርብዒ ዓመት ወርሒ ሰነ ወሪዱ። ሰበ ስልጣን ቻይና ፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኪን ጋንግ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶሞ ። ጀነራላት ሱዳን; ኬንያ ዓቃብ ሰላም ናብ ግዝኣቱ ከይትልእኽ ኣጠንቂቖም።

ካብ ባህላዊ ድሕረ ባይታኻ ወጻኢ ምሕዝነት ምፍጣር ዝህቦ ጥቕሚ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)

July 26, 2023 01:37 - 9 minutes - 12.8 MB

ኣብ ዝተሰደድካሉ ሓዲሽ ሃገር ፡ ኣዕሩኽ ምጥራይ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ። ብባህሪ ወይ ከም ልምዲ፡ ተመሳሳሊ ባህሊ ምስ ዘለዎም ሰባት ናይ ምድግጋፍ መርበብ ክንምስርት ኢና እንደሊ ። እንተዀነ ግን: ነቲ ማሕበራዊ ዓንኬል ከተስፍሖን ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል ። ክንዮ ተመሳሳሊ ባህላዊ ዝምድና ምስዘለዎም ዕርክነት ምፍጣር፡ ንኣረኣእያኻ ከመሓይሾን ን ናተይነት ስምዒትካ ኼዕዝዞን ይኽእል እዩ ።