ሎሚ ናይ ፈለማ መዓልቲ 2024 እያ፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም ሰማዕትና 2024 ናይ ሓጎስ፡ ሰላምን ትዕናን ዓመት ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሎሚ ሰኑይ ሓደ ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ መንጎ ንፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድግፉን ዝቃወሙን ዝተገብረ ዘተ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያዊያን ፡ ን 2023 ተሰናቢቶም ፡ ንሓድሽ ዓመት 2024 ድማ ብ ምርኢታትን ርችትታትን ተቐቢሎም ። ፓኪስታን ፡ ምስ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኣጋርነታ ንምርኣይ ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት ጽምብል ከይክበር ኣጊዳ። ኣብ እንግሊዝ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝፈጠርዎ ግጭት ኣርባዕተ ፖሊስ ተወቒዖም።