SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,636 episodes - Tigrinya - Latest episode: 16 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

"ፖለቲካዊ ንቕሓት ከይዓበየ፡ እታ ንደልያ ኤርትራ ኣይክትመጽእን'ያ፡ ነዚ ኢና ክንሰርሕ" መርሃዊ ወልደሚካኤል ግ/መራሒ ሃገራዊ ሰልፊ

March 13, 2024 03:14 - 22 minutes - 18.7 MB

ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ተመስሪቱ ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ ፖለቲካ እዩ። ናይዚ ሰልፊ ግዚያዊ ኣቦ ወምበር መርሃዊ ወልደሚካኤል፡ ነዞም ዝስዕቡን ካልእ ሕቶታትን መሊሱ ኣሎ፧ ኣብ ወጻኢ እናሃለኻ ሰልፊ መስሪትካ ምዕዋት ይከኣልዶ፧ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ካብ ዝጠፍ ኡ ተመሳሳሊ ውዳበታት እንታይ ትምህርቲ ወሲድኩም፧ ራኢን ዕላማን፧ ወዘተ።

"ቀጥታ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ን ኢትዮጵያ ናይ ርግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ሕቶ እዩ።"ሚ/ር ታየ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS (13/03/2024)

March 13, 2024 00:09 - 5 minutes - 7.66 MB

ን ሎሚ 13 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፡ ኬንያ 1000 ኣባላት ፖሊስ ናብ ሀይቲ ክትሰድድ ዝመደበቶ ኣደናጒያቶ። "ቀጥታ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ን ኢትዮጵያ ናይ ርግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ሕቶ እዩ።" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ-ኣጽቀ ስላሴ ገሊጹ። ብብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንቀንዲ መደበር ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝተቖጻጸሩ ተፈሊጡ።

What are Ramadan and Eid and how are they celebrated in Australia? - ብዛዕባ ረመዳንን ዒድን እንታይ ትፈልጡ፧ ብዛዕባ ኣከባብራኦም'ከ፧

March 12, 2024 01:25 - 10 minutes - 14 MB

As Muslims in Australia and around the world observe Ramadan, a month-long period of devotion and fasting, in this episode, we explore the religious significance of this holy month.  - ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣስላም ን ወርሒ ራመዳን ተቐቢሎም ንወርሒ ዝጸንሕ ናይ ጾምን ምስትንታንን ጸሎትን ቅንያት ጀሚሮም ኣለዉ። ሃይማኖታዊ ትርጕም እዛ ቅድስቲ ወርሒ ክንድህስስ ኢና።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መጋቢት 2024)

March 11, 2024 23:56 - 6 minutes - 9.43 MB

ን ሎሚ 12 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሓማስ ፡ ብ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ ከም እተቐትለ ተሓቢሩ ። ካብ ሲድኒ ናብ ኦክላንድ ኣብ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቴክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠማ እንተ ወሓደ 50 ሰባት ተጐዲኦም ። ማሌዥያ ንጸወታታት Commonwealth 2026 ንምእንጋድ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተዋሂብዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መጋቢት 2024)

March 11, 2024 01:58 - 55 minutes - 41.4 MB

ኣብ ጉዳይ ተፈጻምነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘድሃበ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ: ኢታማዦር ሹም ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ: ንትግራይ ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክውስኽ ዩኒሴፍ ጸዊዑ: ኣብ ኤርትራ ብምውላ ሕብረት ኤውሮጳ ንክልተ ዓመታት ዝሰልጠና 26 ጸገም ምስማዕ ዘለወን ደቂንስትዮ ተመሪቐን ዝብሉ ንሎሚ ዝተላእኩልና ጸብጻባት ዜናዮም። ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ ወይ ከይግለጽ ቤት ፍርዲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ዝተባህለ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ እዋናዊ ዛዕባ ኣለና። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን መዓ...

ማዕረ ምውጻእ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ንኣርሴናል ጠቒሙ፣ ጸብጻባት ግጥማት ኣፍሪካ 2023

March 11, 2024 01:19 - 12 minutes - 10.3 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (11032024) * ማራቶን ባርሴሎና ሰንበት ተኻይዱ ደጊቱ ኣዝመራውን ታደሰ ብርሃነን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ኣብ ኣንፊልድ ገጢመን ማዕረ 1-1 ብምፍልላየን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ኣርሴናል ተረኪባ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ እንተነበረ'ኳ ዘይንቡር ምፍንጣስ ኣካይዱ ተባሂሉ ንድሕሪት ክስራዕ ተገይሩ፣ * ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣትሌታት ዝሳተፍዎ ግጥማት ኣፍሪቃ ዓርቢ ኣብ ኣክራ፣ ጋና፣ ተጀሚሩ፣ ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ብጋናውያን ተሳዒረን፣ * ንሓደ ጻዕዳ ሰብ ‘ጻዕዳ’ ኢልካ እንተጸረፍካዮ ኣድልዎ ዓሌትነት ድዩ፧ ዝብሉ ገለ ትሕዝቶታት ንምልከቶም’ዮም፣ ሰናይ ምክትታል።

"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስራዊተይ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኣይፈልጥን" - ኢታማዦር ሹም ኢትዮጵያ

March 11, 2024 01:12 - 7 minutes - 4.92 MB

ኣብ ጉዳይ ተፈጻምነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘድሃበ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ: ኢታማዦር ሹም ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ: ንትግራይ ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክውስኽ ዩኒሴፍ ጸዊዑ: ኣብ ኤርትራ ብምውላ ሕብረት ኤውሮጳ ንክልተ ዓመታት ዝሰልጠና 26 ጸገም ምስማዕ ዘለወን ደቂንስትዮ ተመሪቐን:

MiniPod: Ep10 Eating Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 10ይ ክፋል፡ ኣብ ደገ ከይድካ/ኣብ ቤት መግቢ ምብላዕ | English on Repeat (Easy)

March 10, 2024 20:51 - 5 minutes - 4.47 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: The food here is delicious. | You should try the chicken salad. | I had a great meal, did you? | My favourite dish is garlic prawns. | Can I get the bill, please? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ኣብ'ዚ (ተቐሪቡ) ዘሎ መግቢ ጥዑም'ዩ። | ነዚ ሰላጣ ደርሆ ክትፍትንዎ ኣለኩም። | ጥዑም መግቢ በሊዐ፣ ንስኹም'ከ፧ | እቲ ዝፈትዎ መግቢ ጋርሊክ ፕሮውንስ (ጻዕዳ ሽጉርቲ ዘለዎ ናይ ባሕሪ መግቢ) እዩ። | ብኽብረትኩም፣ ቅብሊት ሕሳብ'ዶ ክትህቡኒ፧

SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 10ይ ክፋል፡ ኣብ ደገ ከይድካ/ኣብ ቤት መግቢ ምብላዕ | English on Repeat (Easy)

March 10, 2024 20:51 - 5 minutes - 4.47 MB

ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ኣብ'ዚ (ተቐሪቡ) ዘሎ መግቢ ጥዑም'ዩ። | ነዚ ሰላጣ ደርሆ ክትፍትንዎ ኣለኩም። | ጥዑም መግቢ በሊዐ፣ ንስኹም'ከ፧ | እቲ ዝፈትዎ መግቢ ጋርሊክ ፕሮውንስ (ጻዕዳ ሽጉርቲ ዘለዎ ናይ ባሕሪ መግቢ) እዩ። | ብኽብረትኩም፣ ቅብሊት ሕሳብ'ዶ ክትህቡኒ፧

ንኣደ ሰለስተ ቆልዑ ሰማንታ መርፊ ዝቐተላ መንእሰይ ስሙ ተገሊጹ

March 09, 2024 21:31 - 5 minutes - 3.84 MB

ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ካብ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ዝኾነት ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ባላራት ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ/ከይግለጽ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብይን ወይ ውሳነ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ወዱ ንሓደ ገዲም ተጻዋታይ ፍሉይ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ዝነበረ’ዩ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2024)

March 07, 2024 03:26 - 55 minutes - 63.6 MB

ንሎሚ ሓሙስ 7 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ምምሃር ቋንቋ ንቆልዑ ትሰርሕ ዘላ ወ/ሮ ሶሎሜ ሞጎስ ካብ ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ መደብ ንምዕማም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገይሽ ኢትዮጵያ: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊጻ። ህወሓት "ንኲናት ይዳሎ ኣሎ" ንዝብል ክሲ ነጺጉ ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኒኪ ሀሊ ንፕሬዝዳንታዊ ምረጹኒ ትገብሮ ዝጸንሐት ጎስጓሳት ኣብቂዓ ። መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፡ ኣብዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ እንተ ተመሪጹ ፡ ኣብ 2030 ...

“ከምዚ ኣብዚ ዝሰርሖ ዘለኹ ኣብ ዓድና ከይደ ክሰርሕ’የ ዝምነ።” ዛህራ ዓሊ ዓብዱራሕማን

March 07, 2024 03:07 - 25 minutes - 22.1 MB

ኣብቲ ሒዛቶ ዝመጸት ናይ ጂኦግራፍ ትምህርቲ ካልእ ተወሳኺ ዲግሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ተማሂራ፡ ኣብ ምምኻርን ምምሃርን ደቂ ኣንስትዮ ተዋፊራ ትሰርሕ ዘላ እያ። ወ/ሮ ዛህራ ዓሊ ዓብዱራሕማን ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተሞክሮኣን ምኽሪን ሂባ ኣላ።

"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይስራሕ ኣሎ።" ኢትዮጵያ

March 06, 2024 21:53 - 3 minutes - 2.42 MB

ኢትዮጵያ: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊጻ። ህወሓት "ንኲናት ይዳሎ ኣሎ" ንዝብል ክሲ ነጺጉ። ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ተገሊጹ።

ረመዳን ክጅምር ሒደት መዓልትታት ይተርፎ ፡ ኣብ ቓዛ ውግእ ደው ንምባል ግዜ ግና እናተወደአ ይኸይድ ።

March 06, 2024 06:42 - 7 minutes - 9.84 MB

ረመዳን ክጅምር ሒደት መዓልትታት ተሪፍዎ ኣብ ዝሎ እዋን ፡ ኣብ ቓዛ ውግእ ደው ንምባል ግዜ እናተወደአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣዛተይቲ ፡ ተወሳኺ ረዲኤት ናብቲ ዞባ ክቐርብን ነቶም ብሃማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆ ድማ ናብ ዓዶም ንኺምለሱ ተስፋ ብምግባር እዮም ኣቐዲሙ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ፡ ዝትስፈዉ ፡። ኣዚ ዝቕጽል ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ ኣብታ ተኸርዲና ዘላ ወሽመጥ ልዕሊ መጠን ጥሜትን ጕድለት ምግብን ተኸሲቱ ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (6 መጋቢት 2024)

March 06, 2024 06:36 - 7 minutes - 10.9 MB

ንሎሚ 6 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ኣብ ርብዒ ዓመታዊ ናይ ታሕሳስ ብ 0.2 ሚኢታዊ ምዕባዩ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራሊያ ገሊጹ። “ሰራዊተይ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቱ'ዩ ዘሎ።” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ፡ ሰራዊቱ ገና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣሎ ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂብሉ። ሚ/ር ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ንምፍታሕ ፈደራል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ ኣነጺሩ።

ምድላው ስራሕ ንምምልካትን ንምርካብን (ምንባር ኣብ ኣውትራሊያ)

March 05, 2024 10:16 - 10 minutes - 15.2 MB

ብዛዕባ ዘገድሰካ ስራሕ ኣብ መወዓውዒ ክትድህስስ ከለኻ ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ስጕምትታት ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ስራሕ ንምምልካት ምጽሓፍ ከቢድ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ንትጽቢት እቲ ስራሕ ክቖጽረካ እትደልዮ ኣስራሒ ምርዳእ ግን ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ክብ የብሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መጋቢት 2024)

March 05, 2024 01:18 - 5 minutes - 7.92 MB

ንሎሚ 5 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ; ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፍ ከምዝኽእል በዪኑሉ። ካብ የመን ናብ ስዑድያ ዶብ ክሰግሩ ዝፈተኑ በማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብ ሓለዋ ዶብ ስዑዲ ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ ። ምስቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ፡ ተወሳኺ 2.5 ሚልዮን ኣውስትራሊያዊያን ምሕፋስ ሰውነት ከምዘርኣዩ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መጋቢት 2024)

March 04, 2024 04:06 - 46 minutes - 44.1 MB

ንሎሚ ሰኑይ 4 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ መራሕቲ ሃገራት ኣስያን ዝገብርዎ ፍሉይ ኣኼባ ፡ ኣብ ጸጥታ ኰነ ኣብ...

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ክልተኣዊ መስርሕ ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

March 03, 2024 22:46 - 4 minutes - 2.86 MB

ዝርዝር ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ክልተኣዊ መስርሕ ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ማንቸስተር ደርቢ ብዓወት ሲቲ 3-1 ተዛዚሙ፣ ፖግባ ኣርባዕተ ዓመት ተፈሪድዎ፣ ሱቱሜ ከበደ ኣብ ቶክዮ ተዓዊታ፣

March 03, 2024 21:45 - 10 minutes - 7.95 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/03/2024) * ሻምፒዮና ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ግላስጎው 24 ብዙሓት ኣገረምቲ ውጽኢታት ተመዝጊብዎ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኢትዮጵያዊት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ * ሶኑይ ኣብ ዝጅመር ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ቢንያም ግርማይ ንጋንትኡ ኢንተርማርሸ-ዎንቲ መሪሑ ክሳተፍ ምዃኑ ክረጋገጽ’ንከሎ ኣማኑኤል ገ/ሄር ከኣ ንጋንትኡ ሊድል ትሬክ ወኪሉ ክሳተፍ’ዩ፣ * ፈረንሳዊ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ተጻዋታይ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ጁቬንቱስን ዝነበረ ፖውል ፖግባ ዘይሕጋውያን ሓይሊ ዘደንፍዑ ንጥረነገራት ኣብ ነብሱ ድሕሪ ምርካቦም ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ኩዕሶ እግሪ ክእገድ ተወሲንሉ፣

English on Repeat - Ordering Tea or Coffee - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 9ይ ክፋል፡ ምእዛዝ ቡንን ሻሂን | English on Repeat (Easy)

March 03, 2024 20:51 - 5 minutes - 4.27 MB

Listen to 'English on Repeat', a podcast to help us improve our speaking skills: I would like a coffee, please. | Can I have a tea with milk, please? | I will take a cappuccino with sugar, please. | I will have a muffin, please. | Nothing for me, thanks. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ብኽብረትኩም፣ ቡን ደልየ ኔረ። | ሻሂ ምስ ጸባ ዶ ክእዝዝ፧ | ብኽብረትኩም፣ ካፑቺኖ ምስ ሽኮር ክወስድ'የ፣ | ብኽብረትኩም፣ ሓንቲ ማፊን ክወስድ'የ፣ | ንዓይ ደሓን፣ ዝእዝዞ የብለይን፣ የቐንየለይ።

MiniPod: Ep9 Ordering Tea or Coffee | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 9ይ ክፋል፡ ምእዛዝ ቡንን ሻሂን | English on Repeat (Easy)

March 03, 2024 20:51 - 5 minutes - 4.27 MB

Listen to 'English on Repeat', a podcast to help us improve our speaking skills: I would like a coffee, please. | Can I have a tea with milk, please? | I will take a cappuccino with sugar, please. | I will have a muffin, please. | Nothing for me, thanks. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ብኽብረትኩም፣ ቡን ደልየ ኔረ። | ሻሂ ምስ ጸባ ዶ ክእዝዝ፧ | ብኽብረትኩም፣ ካፑቺኖ ምስ ሽኮር ክወስድ'የ፣ | ብኽብረትኩም፣ ሓንቲ ማፊን ክወስድ'የ፣ | ንዓይ ደሓን፣ ዝእዝዞ የብለይን፣ የቐንየለይ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ለካቲት 2024)

February 29, 2024 04:07 - 57 minutes - 63.3 MB

ንሎሚ ሓሙስ 29 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 14 ዓመታዊ ስሩዕ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ፡ ብ24 ለካቲት 2024 ብቤት ትምህርቲ ቋንቋ ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መልበርን ተኻይዱ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና። ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ንፈልጦን ንቃለሶን። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ልኡኽና ዝርእዮም ኣርእስታት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ዝሰወሩዎም ሰባት ሃለዋት ክነግሩ ተሓቲቶም። ኢትዮጵያን ኬንያን ዝምድናአን ዝያዳ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብዛዕባ ሓገዝ ንናይ ፈለማ ዓደግቲ ገዛ ዝምልከት ፈደራል መንግስቲ ዘቕረቦ...

"እቶም ወለዲ ትግርኛ ይዛረቡ፡ ደቆም ግና እንግሊዝኛ ስለ ዝኾነ ቆልዑ ቋንቋኦም ክመሃሩ ኣለዎም ኢለ'የ ተበጊሰ።" ሶሎሜ ሞጎስ

February 29, 2024 03:40 - 12 minutes - 10.1 MB

ወ/ሮ ሶሎሜ ሞጎስ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ትመጽእ ነዊሕ እዋን'ኳ እንተ ዘይገበረት፡ ቆልዑ ቋንቋ ትግርኛ ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ተበግሶ ቋንቋ ኣዲኦም ከጽንዑ ትጽዕር ኣላ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ብዛዕባ ትገብሮ ንጥፈታት ኣዕሊላ ኣላ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ዝሰወሩዎም ሰባት ሃለዋት ክነግሩ ተሓቲቶም። (ጸብጻብ)

February 28, 2024 23:07 - 4 minutes - 2.18 MB

ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ዝሰወሩዎም ሰባት ሃለዋት ክነግሩ ተሓቲቶም። ኢትዮጵያን ኬንያን ዝምድናአን ዝያዳ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም።

መዓልታዊ ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ዝስደዱ ዘለዉ ሱዳናዊያን ኣብ ጸገም ይወድቁ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

February 28, 2024 23:01 - 5 minutes - 4.59 MB

ኣብ ሱዳን ካብ ዘሎ ኲናት ዝሃደሙ ኣሽሓት ስድራቤታት ፣ ኣብ ቻድን ደቡብ ሱዳንን ዓቢ ናይ ምምዝባል ቅልውላው ይፈጥሩ ኣለዉ ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ከቢድ ጥምየት ፡ ሕጽረት መግቢን ሕማማትን የጋጥሞም ኣብዘሎ እዋን እቲ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት ይገድድ ከምዘሎ ይገልጽ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ለካቲት 2024)

February 28, 2024 00:16 - 4 minutes - 6.96 MB

ንሎሚ 28 ለካቲት ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት፡ ሬሳ ናይቶም ብሓደ ኣባል ፖሊስ ተቐቲሎም ተባሂሉ ዝተገልጸ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ርሑቕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገዛ ተረኺቡ። ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ራፋ ዝርከብ ህንጻ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ድሕሪ ምህራሙ፡ ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተቐቲሎም

ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ንፈልጦን ንቃለሶን።

February 28, 2024 00:11 - 12 minutes - 17.6 MB

ኣብዚ ሓበሬታ ብፍጥነት ብርሃን ዝውንጨፈሉ ዘሎ ዘመን ፡ ንሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ። ከም ናይ ሓሶት ዜና: ግጉይ ሓበሬታ: ወይ ኮነ ኢልካ ንምግጋይ ዝወሃብ ሓበሬታ: ንኣረኣእያ ሰባት ኣብ ምቕያር፡ ኣብ ምቕራጽ ርእይቶታትን ኣብ ኣገዳሲ ውሳኔታት ጽልዋ ብምሕዳር ዝገብሮ ተጽዕኖ ተመሳሳሊ እዩ ። ሎሚ ፡ ነዚ እተሓላለኸ ዛዕባ እዚ ፡ መበቈሉ እንታይ ምዃኑ ብምቕላዕ ፡ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን መብርሂ ኽንህብ ኢና ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2024)

February 26, 2024 23:53 - 6 minutes - 10 MB

ንሎሚ 27 ለካቲት ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት፡ እስራኤል ካብ 1967 ኣትሒዛ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝሓዘቶ መሬት ብዛዕባ ሕጋውነቱ ዝምልከት እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመወዳእታ ግዜ ሰሚዑ ። ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽምበር ባይቶ ሃንጋሪ ደጊፍዎ፡ በራጊድ ምጥፋእ ሓዊ ቪክቶሪያ ኣብታ ግዝ ኣት ከቢድ ኵነታት ኣየር ከስዕቦ ንዝኽእል ዝኸፍአ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣብዘሎ፡ ኣብ ምክልኻል ሞት ኣተኲሮም ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2024)

February 26, 2024 05:07 - 48 minutes - 46.7 MB

ንሎሚ ሰኑይ 26 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣውስትራሊያ ንኽቱር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዐት ሃገር እያ ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ናይ ሓዊ ሓደጋ ስርዓተ ዓቐን ተኣታትዩ ኣሎ ፡ ንማሕበረሰብ ከምኡ "ውን ንናይ ህጹጽ እዋን ግብረ-መልሲ ትካላት ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመታት ከጋጥምከሎ ንኽርድኡ ፡ ንኽዳለዉ ፡ ከምኡ" ውን ንዝተፈላለየ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ከም ባርዕ ጫካ፡ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ህቦብላ ንፋስ ፡ ብርቱዕ ዋዒ ዝኣመሰሉ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝሕግዝ ስርዓተ-መጠንቀቕታ እዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና...

ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ ንዕዉታት ተመሃሮ ኣብ መልበርን ኣውስትራሊያ። ((ጸብጻብ)

February 26, 2024 04:45 - 9 minutes - 8.01 MB

ጸብጻብ፥ መበል 14 ዓመታዊ ስሩዕ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ፡ ብ24 ለካቲት 2024 ብቤት ትምህርቲ ቋንቋ ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መልበርን ተኻይዱ ። እቲ ስነ ስርዓት ፡ ነቶም ኣብ 2023 ብ VCE, IB. እተመረቑን ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡን ንስድራ ቤቶምን ንምጽምባል ዝተገብረ በዓል እዩ ነይሩ ። እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ተመሃሮን ንስድራ ቤቶምን ናይ ምሽላም ስነ-ስርዓት ወዲቡ ፡ ንዅሎም ተዓወትቲ ናይ ዓወት ምስክር ወረቐት ዓዲሉ ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ልዑል ዓወት ዘመዝገቡ ብሉጽ ሽልማት ዓዋተ ተዋሂብዎም ። ብተወሳኺ፡ ግዜኦም ንማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋል ዝወፈዩ ወለንተኛታት ንዝገበርዎ ኣበርክቶ'ውን ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ። ብዘይካዚ ፡ መደረታትን ባህላዊ ምርኢታትን ቀሪቡ ኣምስዩ ።

ግብጽን ኤርትራን ዞባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ርክባተን ከጠናኽራ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጸን።

February 25, 2024 21:54 - 2 minutes - 1.54 MB

ግብጽን ኤርትራን ዞባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ርክባተን ከጠናኽራ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጸን፡ ሶማሊያ ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ።

ኤርትራ ሻምፒዮን ዙር ሩዋንዳ ኮይና፣ እኽሊሉ ኣረፋይነን ዳዊት የማነን ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተሰይሞም፣ ጽገ ገብረሰላማ ኣብ ራስ ኣል-ኼይማ ተዓዊታ፣

February 25, 2024 21:02 - 11 minutes - 9.51 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/02/2024) * ጋንታ ኤርትራ ተዓዋቲት ዙር ሩዋንዳ 2024 ኮይና፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ኸኣ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሞም፣ * ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ኼይማ ኢትዮጵያዊት ጽገ ገብረሰላማ ተዓዊታ፣ * ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ 2024 ዘካይዶም ውራያት ኩዕሶ እግሪ ከአንግዳ ዝመረጸን ሃገራት ዘርዚሩ፣ ኢትዮጵያ ውራያት ደቀንስትዮ ከተአንግድ’ያ፣ * ካብ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዘዕረፈት ሊቨርፑል ንቸልሲ ስዒራ ጽዋዕ ዋንጫ ካራባኦ ክትዓትር’ንከላ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ከኣ ዓወታት ብምምዝጋብ ምስኣ ዝነበረን ፍልልያት ኣጽቢበን፣

MiniPod: Ep8 Talking About Shopping | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 8ይ ክፋል፣ ዕላል ብዛዕባ ሸመተን ዕዳጋን | መደብ English on Repeat (Easy)

February 25, 2024 20:49 - 5 minutes - 4.09 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you enjoy shopping? | I enjoy shopping for new clothes. | I need a new jumper. | I do my grocery shopping online. | The markets have the best fruit and vegetables. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ኣብ ዕዳጋ ምሽማት የሐጉሰኩም ዶ፧ | ሓደስቲ ክዳውንቲ ምዕዳግ ደስ ይብለኒ። | ሓድሽ ጎልፎ የድልየኒ’ሎ። | ናይ ግሮሰሪ ሸመተ ዕዳጋይ ኣብ ኦንላይን የካይዶ። | እቶም ዕዳጋታት ዝበለጸ ፍሩታትን ኣሕምልትን ኣለዎም።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ለካቲት 2024)

February 22, 2024 01:43 - 52 minutes - 58.1 MB

ንሎሚ ሓሙስ 22 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ክንክን ስኒ ዝምልከት ምስ ዶ/ር ገነት እንድርያስ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ጠቓሚ ምኽሪ ኣለና። ተመራመርቲ ጠፈር፡ ብ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝበርህ ነገር ኣብ ዩኒቨርስ ረኪቦም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ናይ ልቓሕ መደባትን ኣገባባትን፡ዝምልከት ድማ ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ልኡኽና ዝርእዮም ኣርእስታት ሶማልያ ምስ ቱርኪ ን10 ዓመት ዝጸንሕ ገዚፍ ናይ ምክልኻልን ቁጠባውን ምትሕብባር ስምምዕ ከምዘጽደቐት ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ልዝብ ክካየድ ጸዊዓ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ገሊጾም።ዝብ...

ኣመሪካ ኣብ መንጎ ዕጡቕ ፋኖን መንግስቲ ኢትዮጵያን ልዝብ ክግበር ሓቲታ።

February 21, 2024 21:01 - 3 minutes - 2.35 MB

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ገሊጾም። ኣመሪካ ኣብ መንጎ ዕጡቕ ፋኖን መንግስቲ ኢትዮጵያን ልዝብ ክግበር ሓቲታ።

ተመራመርቲ ጠፈር፡ ብ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝበርህ ነገር ኣብ ዩኒቨርስ ረኪቦም።

February 21, 2024 04:33 - 6 minutes - 8.35 MB

ብኣውስትራልያ ዝምራሕ ጕጅለ ተመራመርቲ ጠፈር (astronomers) ፡ ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝደመቐ ብርሃን ዘለዎ ነገር ክኸውን ዝኽእል ከምዝረኣየ ኣፍሊጡ ። ምብራሁ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ጸሓይ ብርሃን ዝበልጽ ከም ዝዀነን quasar, ዝበሃል እዩ ። እዚ ዝስዕብ ዝርዝር ሓበሬታ ናይዚ ርኽበት ዝገልጽ እዩ ።

ዉጥረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንኣታዊታት ግብጺ ይጸልዎ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ለካቲት 2024)

February 21, 2024 00:50 - 5 minutes - 7.41 MB

nay 21 ለካቲት 2024 ዝተዳለወ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ውጥረት ብምስፋኑ ግብጺ ካብ መትረብ ስወጽ ዝርከብ ኣታዊታት 40-50% ከም ዝጎደለ ገሊጻ። መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ብሰንኪ ሕማም ናብ ቤት ፍርዲ ለንደን ኣይቀረበን ፣ ን ውግእ እስራኤል-ሓማስ ብህጹጽ ሰብኣዊ ንጥፈታት ደው ክብል ብዉሕሃ ዝቐረበ ንድፊ፡ ኣመሪካ ብዘለዋ ናይ ቐውፊ ስልጣን ከይሓልፍ ገይራቶ።

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ናይ ልቓሕ መደባትን ኣገባባትን፡

February 20, 2024 05:40 - 9 minutes - 13.2 MB

ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ኣውስትራሊያውያን ብናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ልቓሕ ፕሮግራም ወይ ብእንግሊዝኛ the Higher Education Loan Program, ( HELP) scheme. ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ልቓሕ ይመሃሩ ። በዚ መገዲ ስሩዕ ስራሕ ክሳዕ ትረክብ ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ከይከፈልካ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትመሃር ።

ኣብ ዘ ሄግ ብኤርትራዊያን ዝተገብረ ናዕቢ ኣዛራራቢ ምዃኑ ቀጺሉ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 20 ለካቲት 2024)

February 19, 2024 23:21 - 5 minutes - 8.32 MB

ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ዘ ሄግ ብኤርትራዊያን ዝተገብረ ናዕቢ ኣዛራራቢ ምዃኑ ቀጺሉ። ብዓልቲቤት ናይቲ ኣብ ማእሰርቲከሎ ዝሞተ ኣልክሰይ ናቫልኒ፡ “ንሩስያ ሓራ ንምውጻእ” ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ። ብሰኑይ ኣብ ሲድኒ ዝወርድ ዝነበረ ብዙሕ በርቂታት እተወቕዑ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለዉ ተፈሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2024)

February 19, 2024 02:03 - 51 minutes - 47.8 MB

ንሎሚ ሰኑይ 19 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሕጽረት ነዳዲን መጥቃዕቲ እስራኤልን ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝገበሮ ተገሊጹ። ሓይልታት ሩስያ ፡ ነታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ኣቪዲቪካ (ኣቭ-ደ-የዌ-ካ) ከም ዝሓዙ ተፈሊጡ። ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጉጅለታት ብዝተፈጠረ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ነዲደን።

ንሞት ናቫሊኒ ተሓታቲ ፕረሲደንት ፑቲን'ዩ ክብሉ መራሕቲ ምዕራባዊ ዓለም ይኸሱ።

February 18, 2024 23:31 - 6 minutes - 5.63 MB

ሞት ተቓዋሚ ሩስያን ናይ ክሬምሊን ነቓፍን ወዲ 47 ዓመት ኣለክሲ ናቫልኒ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዓለም ምላሽ ምሃብ ቀጺላቶ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቓወምትን መራሕትን ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ሕቶታት ኣብ ልዕሊ ሞቱ ይቕጽል ብምህላዉ ፡ ሞት ናይ ናቫሊ ተሓተትቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝዀኑ እዮም ዝገልጹ ።

ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጉጅለታት ብዝተፈጠረ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ነዲደን። (ካልኦትን ጸብጻባት)

February 18, 2024 21:51 - 7 minutes - 4.7 MB

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ብልውወጥ ተዂሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ክልተ ሰባት ምቑሳሎም ተገሊጹ። ፕረዝደንት ጌታቸው ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ተራኺቡ ተመያይጡ። ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጉጅለታት ብዝተፈጠረ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ነዲደን። ሶማልያ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ናብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይኣቱ ንዝተፈጸመ ጥሕሰት እቲ ሕብረት ኣብቲ ጉዳይ ናጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዓ።

MiniPod: Ep7 Talking About Health | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 7ይ ክፋል፣ ዕላል ብዛዕባ ጥዕና | መደብ English on Repeat (Easy)

February 18, 2024 20:16 - 4 minutes - 3.7 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you fee OK? | I am not feeling well. | I have a runny nose. | I have a sore throat. | I have a headache. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡: ጽቡቕ ይስማዓኩም ኣሎ ዶ፧ | ጽቡቕ ይስማዓኒ የለን። | ኣፍንጫይ ጸረር ይብለኒ'ሎ። | ጎረሮይ ቆሲሉ'ሎ። | ርእሰይ ይሕመኒ'ሎ።

ዙር ሩዋንዳ 2024 ብቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ጋንታታት ተጀሚሩ፣ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ይምርሹ፣ ማንቸስተር ሲቲ ግን ትዕንቀፍ፣

February 18, 2024 19:57 - 10 minutes - 8.5 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/02/2024) * ሓያሎ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሳተፍዎ ዙር ሩዋንዳ 2024 ሰንበት ብቕድድም ቅልጣፈ ግዜ ጋንታታት ተጀሚሩ፣ * ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ መንእሰያት ት20 ክኸውን ተሰይሙ፣ * ኣብ ፕሪምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ብገፊሕ ስዒረን ምረሻታተን ኣብ ዝቐጸላሉ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቸልሲ ማዕረ ወጺኣ ገለ ነጥብታት ከሲራ፣ * ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ጉያ እግሪ ማራቶን ኬንያዊ ኬልቪን ኪፕቱም ኣብ ዞባ ሪፍትቫሊ ናይ ኬንያ ምስ ኣሰልጣኒኡ ብመኪና እናተጓዕዘ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ከምዝዓረፈ ተገሊጹ፣ ውጽኢት ኣፈናዊ መርመራ ኣይንቕበልን ዝበሉ ቤተሰብ ኣሰልጣኒኡ መንግስቲ ካልእ መርመራ ክገብር ጸዊዖም፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ለካቲት 2024))

February 15, 2024 01:35 - 55 minutes - 61.2 MB

ንሎሚ ሓሙስ 15 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ክገብረሉ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዲያስፖራ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥን ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝተወስደ እዩ። ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ሎሚ ከነቕርቦ ኢና። ሰራሕቲ ኢደ ስራሓት ደቀባት፡ ጽባቐ ናይ ነገራት ይፈጥሩ : እቲ መስርሕ ግን ዓሚቝ ባህላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባዚ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ጸብጻብ ልኡኽና ኣብ ትግራይ 12ሽሕ ሓደሽቲ ሰባት ተመዛቢሎም ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወተሃደራቱ ኣብ ኣምሓራ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ነፂጉዎ። ዝብሉ ትሕዝቶ ዘለዎ ዜና ከቕርበልና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ማኪና ዘፍ...

ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 12 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፡ ኣብ ኣምሓራ ብወተሃደራቱ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ህዝቢ፡ መንግስቲ ነጺግዎ።

February 14, 2024 21:37 - 4 minutes - 2.88 MB

ኣብ ትግራይ 12ሽሕ ሓደሽቲ ሰባት ተመዛቢሎም ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወተሃደራቱ ኣብ ኣምሓራ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ነፂጉዎ።

#55 Describing personal relationships (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (ኣዘራርባ ፍቕራዊ ዝምድና)

February 14, 2024 02:16 - 14 minutes - 19.7 MB

Learn how to describe different types of romantic relationships - ብዛዕባ ንፍቕራዊ ዝምድና ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ኣገላልጻ ተመሃሩ፣ Learn how to describe different types of romantic relationships

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ለካቲት 2024)

February 14, 2024 00:56 - 5 minutes - 7.98 MB

ንሎሚ 14 ለካቲት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳን ብርቱዕ ባርዕን ዘስዓቦ ኵነታት ድሕሪ ምግጣሙ ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቪክቶርያውያን ብዘይ ኤለክትሪክ ሓዲሮም ። ብዛዕባ ኩነታት እቶም ኣብ ራፋ ተኸርዲኖም ዘለዉ ልዕሊ ሚልዮን ፍልስጢኤማውያን ንምዝታይ ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ግብጺ ፡ እስራኤልን ቀጠርን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም። ድሕሪ ኩናት፡ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ጉድኣት 80 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ።

ኣገዳስነት ኢደ ስራሓት ቀዳሞት ህዝብታት

February 13, 2024 06:58 - 9 minutes - 12.7 MB

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ እተሓላለኸን ዝኸበደ ንምፍታሑን ኣብነታት ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ቴክኖሎጂን ባህልን ፡ ብኢደ ስራሓት እዩ ዝግለጽ ። ሰራሕቲ ኢደ ስራሓት ጽባቐ ናይ ነገራት ይፈጥሩ : እቲ መስርሕ ግን ዓሚቝ ባህላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣብ ፍልጠት ምክፋል ዘለዎ ተራን ፣ ምስ ሰባትን ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ርክብን ፣ ንስምዒት ክስሕበሉ ዝኽእለሉን ካልእን ክንድህስስ ኢና ።