SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,688 episodes - Tigrinya - Latest episode: 17 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ለካቲት 2024)

February 14, 2024 00:56 - 5 minutes - 7.98 MB

ንሎሚ 14 ለካቲት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳን ብርቱዕ ባርዕን ዘስዓቦ ኵነታት ድሕሪ ምግጣሙ ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቪክቶርያውያን ብዘይ ኤለክትሪክ ሓዲሮም ። ብዛዕባ ኩነታት እቶም ኣብ ራፋ ተኸርዲኖም ዘለዉ ልዕሊ ሚልዮን ፍልስጢኤማውያን ንምዝታይ ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ግብጺ ፡ እስራኤልን ቀጠርን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም። ድሕሪ ኩናት፡ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ጉድኣት 80 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ።

ኣገዳስነት ኢደ ስራሓት ቀዳሞት ህዝብታት

February 13, 2024 06:58 - 9 minutes - 12.7 MB

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ እተሓላለኸን ዝኸበደ ንምፍታሑን ኣብነታት ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ቴክኖሎጂን ባህልን ፡ ብኢደ ስራሓት እዩ ዝግለጽ ። ሰራሕቲ ኢደ ስራሓት ጽባቐ ናይ ነገራት ይፈጥሩ : እቲ መስርሕ ግን ዓሚቝ ባህላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣብ ፍልጠት ምክፋል ዘለዎ ተራን ፣ ምስ ሰባትን ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ርክብን ፣ ንስምዒት ክስሕበሉ ዝኽእለሉን ካልእን ክንድህስስ ኢና ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2024)

February 12, 2024 23:47 - 5 minutes - 8.05 MB

ንሎሚ 13 ለካቲት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ኣብ ቪክቶርያ ድሕሪቲ ኣብ 2019 ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ባርዕ ከጋጥም ትጽቢት ይግበር። ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዉሕሃ መትከላዊ ጸግዒ ክሕዝ ሶማሊያ ሓቲታ። ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ዝዀነ ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ሞይቱ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2024)

February 12, 2024 04:24 - 51 minutes - 48.5 MB

ንሎሚ ሰኑይ 12 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሓደ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ እስያ ዝዓበየ በዓላት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝኽበር በዓላት ሉናር ተባሒሉ ዝፍለጥ እዩ ። ነቶም ዘብዕልዎ ርሑስ ሓድሽ ዓመተ ድራጎን እናበልና፡ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ክገብረሉ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዲያስፖራ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥኢ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ምስና ዕላል ጌሩ ነይሩ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ኣብ ወፍሪ ምህናጽ ኣባይቲ ናይ ግብሪ ዕረፍቲ ክህሉ ጸቕጢ ይግ...

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይተወሓሶም ኣሽሓት እሱራት ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ነበር ኣማሪሮም።

February 12, 2024 01:49 - 3 minutes - 1.66 MB

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይተወሓሶም ኣሽሓት እሱራት ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ነበር ዝገብርዎ ዘለዉ ጥርዓንን መረረን ዝምልከት ጸጋይ ክንፈ ኣዋድኢድዎ ኣሎ።

ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ታሪኻዊ ውጽኢታት ብዝፈታተኑ ውጽኢታት ተዓዊቶም፣ ኣይቮሪ ኮስትን ቐጠርን ጎብለላት ኣህጉራተን ኮይነን፣

February 11, 2024 22:11 - 10 minutes - 8.64 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/02/2024) * ኣብ ኤርትራ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ተኻይዶም ሳምሶን ኣማረን ርግበ ሃብተስላሰን ተዓዊቶም፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ንታሪኻዊ ውጽኢታት ዝፈታተኑ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ብዓወት ኣይቮሪ ኮስት ተዛዚሙ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዲኣር ኮንጎ ስዒራ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ * ቐጠር ሻምፒዮን ኤስያ ኮይና፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ኣብ ኤውሮጳ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድነቕ ምንቅስቓሳቶም ይቕጽሉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እግሊዝ ሰለስቲኤን ኣብ ዝለዓሉ ተርታታት ዝርከባ ጋንታታት ብምዕዋተን ደረጃታተን ዓቂበን ይምርሻ’ለዋ፣ * ኣብ ግጥማት ኦሎሞፒክን ፓራሊምፒክን ፓሪስ 2024 ንተዓወትቲ ዝዕደሉ ስልማታት መዳልያ ቁራጽ ሓጺን ናይ’ቲ ኣብ ዓለም ህቡብ ዝኾነ ሓወልቲ ፍቑራት ኣይፍል ታወር ክህልዎም’ዩ፣

MiniPod: Ep6 Home| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 6ይ ክፋል፡ ገዛን መንበሪን| መደብ English on Repeat (Easy)

February 11, 2024 20:25 - 5 minutes - 4.2 MB

Listen to 'English on Repeat', a podcast to help us improve our speaking skills: Where do you live? | I live in a small apartment in the city. | I live in a house with two bedrooms. | We are renting. | Are you close to public transport? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ ኣበይ ትነብሩ፧ | ኣብ ሓደ ንእሽቶ ኣፓርትመንት ኣብ ከተማ እነብር። |ኣብ ሓደ ክልተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ እነብር። | ተኻሪና ኢና ዘለና። | ናብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቀረባ ዲኻ ዘለኻ፧

English on Repeat - Home - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 6ይ ክፋል፡ ገዛን መንበሪን| መደብ English on Repeat (Easy)

February 11, 2024 20:25 - 5 minutes - 4.2 MB

Listen to 'English on Repeat', a podcast to help us improve our speaking skills: Where do you live? | I live in a small apartment in the city. | I live in a house with two bedrooms. | We are renting. | Are you close to public transport? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ ኣበይ ትነብሩ፧ | ኣብ ሓደ ንእሽቶ ኣፓርትመንት ኣብ ከተማ እነብር። |ኣብ ሓደ ክልተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ እነብር። | ተኻሪና ኢና ዘለና። | ናብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቀረባ ዲኻ ዘለኻ፧

"ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ነዚ ዘሎ ስርዓት ዝቃወም ሓይልታት ኣሎ።" ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

February 08, 2024 04:05 - 23 minutes - 20.1 MB

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ክገብረሉ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዲያስፖራ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥኢ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ቃለ መሕትት።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ለካቲት 2024)

February 08, 2024 01:45 - 55 minutes - 52.6 MB

ንሎሚ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕመኣመሪካ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ዓሪፉ። እታ ንሱ ዝመስረታ መርበብ ሓበሬታ ከም ናይ ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ ኪኢላ ኣላ። ስነ ጥበባዊ ኣማኒኤል ኣድሓኖም ካብ ቀንዲ ቀረቡን ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋናትውን ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ...

"ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ሕጂ’ውን ብሰለማዊ መንገዲን ዓለምለኻዊ ስምምዓትን ጥራይ’ዩ ክፍጸም።" ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

February 07, 2024 21:59 - 5 minutes - 3.1 MB

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሉ ንጉዳይ ባሕሪ፡ ደርቂ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ዝበጽሖ ደረጃን ካልእን መሊሱ። ጽሟቕ ናይቲ ትሕዝቶ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ከምዝኽእል ተወሲኑ

February 07, 2024 20:18 - 6 minutes - 4.93 MB

ሓደ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ምርጫ 2020 ዝተሳዕሮ ክግልብጦ ፈቲኑ ተባሂሉ ቀሪብሉ ካብ ዘሎ ክስታት ዘይሕተተሉ መሰል ወይ ኢምዩኒቲ የብሉን ክብል ወሲኑ። እዚ ማለት እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ሓደ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ቀሪቡ'ሎ ማለት'ዩ።

ብዘይመርዓ ብሓባር ተጻሚድኩም ትነብሩ ኣለኹም ዲኹም፧ ሕጊ ኣውስትራልያ ብኸመይ ይርእየኩም ትፈልጡ ዶ፧

February 06, 2024 20:40 - 11 minutes - 8.76 MB

ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ/ክረክብ ይኽእል'ዩ። ምምዝጋብ ከምዚኦም ዓይነታት ወግዓውነት ዘይብሎም ዝምድናታት (ዲ ፋክቶ ሪለይሽንሺፕስ) ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ይፈላለ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ምፍልላይ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ዲ ፋክቶ ዝምድናታት ኣብ ትሕቲ ሕግታት ኮመንዊልዝ ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ይተሓዙ/ይዳነዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም።

"ተስፋልደት ሰማዓይ እዩ።" ስነ ጥበባዊ ኣማኑኤል ኣድሓኖም

February 06, 2024 05:15 - 14 minutes - 13.3 MB

ኣቶ ተስፋ ልደት ኣለም መሓረና ኣብ ካሊፎርኒያ ሕመኣመሪካ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ዓሪፉ ዝብል ናይ መርድእ ዜና ምስ ተሰምዐ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ዓበይትን መንእሰያትን ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ተጸሚዶም ቀንዮም። መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣብ 1978 ናብ ኣመሪካ ምስተሰደ ብዘጥረዮ ትምህርቲ ኮምፑዩተር፡ ኤርትራዊያን ሓሳቦም ብነጻ ዝገልጽሉ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ኣብ 1997 ከፊቱ። በዚ ከም ናይ ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ክትከውን ኪኢላ ኣላ። ስነ ጥበባዊ ኣማኒኤል ኣድሓኖም ካብ ቀንዲ ቀረቡን ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋናትውን ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ዝቐነየ ሓዘን ኮይኑ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ተስፋልደት ዘለዎ ጦብላሕታን ንሱ ዝገደፎ ሓድግን ኣካፊሉና ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (6 ለካቲት 2024)

February 05, 2024 21:29 - 7 minutes - 6.27 MB

ንሎሚ ሰሉስ 6 ለካቲት 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ እናበኣሰ ዝኸደ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸውን ናይ ሚልዮናት ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ረዲኤት ከም ትልግስ ኣፍሊጣ፣ * ንጉስ ቻርለስ ሕማም ካንሰር ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጹ ሕክምናዊ ምክትታል ንክገብር ኩሎም ህዝባውያን ንጥፈታቱ ንኻልእ እዋን ተመሓሊፎም፣ * ፈደራል ባይቶ ክምለስ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ’ቲ ንሱ ኣሚምዎ ዘሎ ለውጥታት ኣብ ‘ስተይጅ 3 ታክስ ካትስ’ ተቓዋሚ ስልፊ ኣብ ሓደ መርገጺ ዘይምብጽሑ ነቒፉ፣

ኤርትራ ሰራዊት ሱዳን ተሰልጥን፡ ከም ዘላ ተገሊጹ። ህወሓትን ብብልጽግና ዝምራሕ መ/ኢትዮጵያን ብኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተወቓቒሶም።

February 04, 2024 22:13 - 5 minutes - 2.89 MB

ግጭት ሱዳን ናብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሑ፡ ኤርትራ ሰራዊት ሱዳን ተሰልጥን፡ ከም ዘላ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘቖመ ህወሓትን ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብጉዳይ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተወቓቒሶም።

MiniPod: Ep5 Likes & Dislikes| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 5ይ ክፋል፡ ንፈትዎምን ንጸልኦምን ነገራት | መደብ English on Repeat (Easy)

February 04, 2024 21:03 - 5 minutes - 3.9 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What do you like? | I like going for walks in the park. | I love sunny days. | I don’t like spicy food. | I hate running. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ እንታይ ትፈትዉ፧ | ኣብ መናፈሲ ፓርክ ብእግርኻ ምዝዋር እፈቱ። | ብሩህ ጸሓይ ዘለዎም መዓልታት ደስ ይብሉኒ። | ቀመማዊ መግቢ ኣይፈቱን’የ። | ምጉያይ ይጸልእ።

'ሄኖክ ምሉእብርሃን መጉዳእቱ ከቢድ ኣይኮነን፣' ጋንታ ኣስታና፣ እዚ ኣፍኮን ዓመተ ናይጀርያ ዶ ይኸውን፧

February 04, 2024 20:57 - 13 minutes - 12 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/01/2024) * ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ት17 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብገፊሕ 3-0 ስዒራታ፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ፍርቂ ፍጻመ በጺሑ፣ ናይጀርያ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት ኣንጻር ዲኣርኮንጎ ክገጥማ’የን፣ * ወቕቲ ቅድድማት ብሽግለታ ኣብ ዝተዋዓውዕሉ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድነቕ ምንቅስቓሳቶም ይቕጽሉ፣ * ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን ዝለዓለ ግጥም ኣርሰናል ንሊቨርፑል ስዒራ ፍልልየን ናብ ክልተ ነጥቢ ኣጽቢባቶ፣ * ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ብሰንኪ ልዑል ጸቕጢን ድኻምን ኣብ ምውዳእ ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ምስልጣን ከዕርፍ ከምዝደሊ ድሕሪ ምግላጹ ደገፍቲ ሊቨርፑል የተሓሳስቦም፣ እዚ ኣሰልጠንቲ ዘጋጥሞም ጸቕጢ ግን ክሳብ ክንደይ ልሙድ ተርእዮ’ዩ፧

ዕላል ምስ ጸሓፊ "እቲ ትግራዋይ አለክትሪሺያን፡ ዝኽሩን ዘፍቅራ ዓዱን" ዶ/ር ኢሳያስይ ይርጋው

February 04, 2024 04:16 - 19 minutes - 16.3 MB

ብሰንበት 28 መጋቢት 1976 ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓደ ናይ ደርጊ ኮሎኔል ብፈዳይን ተቐቲሉ። ብድሕር’ዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕነ ንምፍዳይ፡ ብጃምላ ንብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም። እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣባይቲ ኣስመራ ሰይሮም ብምእታዉ፡ ኣብ ቅድሚ ዘፍቅሮም ስድራቤቱ ብጥይት ካብ ዝቐተልዎ ግዳያት ሓደ ኤለክትሪሻን መንእሰይ ነይሩ። ብድሕር’ዚ እታ ስድራቤት ኣብ ሓዘንን ነቲ ዝተጸጥሐ ሬሳ ሒዛ ተሪፋ። ነቲ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ከቢድ ኲናት ብምትሕሓዝ ንሓቀኛ ታሪኽ ኣቦይ ይርጋዉ ባህታ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ይርጋዉ ባህታ “the TIGRAYan electrician, Memories of my father and his beloved motherland” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ቅትለት ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ኣብ ኣሜሪካ ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ለካቲት 2024)

February 01, 2024 01:37 - 54 minutes - 61.5 MB

ንሎሚ ሓሙስ 01 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ቃለ መሕትት። ጸብጻብ ልኡኻናን “ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንእሽቶ ንግዲ ወይ ቢዝነስ ብኸመይ ይጅመር?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ትሕዝቶታትን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተራት ምክልኻልን ወጻእን ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ሎሚ ኣብ መልበርን ንመጀመርታ ግዜ ብሓባር ክእከቡ እዮም ። ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ካብ ኢምባሲ እስራኤል ወጻኢ ዝርከብ "ሓደገኛ ነገር" ኢሎም ዝሰመይዎ ከምዘዕነዉዎ ገሊጾም ። ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ጉዳያት እስልምና ፌደራል ተቋሪፁ ዝነበረ ርክብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ቤተመዘክር ሰነዳት መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ንምኽፋት ይሕሰብ፡ ዳህሳስ ዕደና ኤርትራ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺቡ ተባሂሉ።

January 31, 2024 21:12 - 6 minutes - 3.36 MB

ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ሓድሽ ቤተመዘክር ሰነዳት መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ንምኽፋት ይሕሰብ ኣሎ ተባሂሉ። ዕደና ኤርትራ፡ ኣብ ኣቡርና ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኸቦ ተገሊጹ

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ጥሪ 2024)

January 31, 2024 01:54 - 5 minutes - 7.57 MB

ንሎሚ 31 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ዒምራን ክሃን ፡ ወግዓዊ ምስጢራት ከምዘውጽአ ድሕሪ ምርግጋጹ ን10 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ። ናይ ኢድ ቦርሳ ንምውሳድ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ማያት ሆባርት ኣጥሒሎም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ናይ መወዳእታ 16 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ፣ ኣንጎላን ናይጀርያን እተን ክልተ ቀዲመን ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፈን ዘረጋገጻ ኮይነን፣

ስርሒት ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ሆስፒታል፡ እማመ ስምምዕ ተኹሲ ምባልን በሸሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፍልስጢኤም ንምፍታሕ።

January 31, 2024 01:49 - 5 minutes - 7.21 MB

ዕጡቓት ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዌስት ባንክ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ወሪሮም ፡ወተሃደራት ሓማስ ምዃኖም ንዝገለጽዎም ሰለስተ ፍልስጤማውያን ቀቲሎም ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ሰራዊቱ ካብ ጋዛ ከም ዝስሕቡ ዝገብር ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ነጺግዎ ኣሎ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንእሽቶ ንግዲ ወይ ቢዝነስ ብኸመይ ይጅመር?

January 30, 2024 05:32 - 10 minutes - 15.5 MB

ኣብ ኣውስትራሊያ ስራሕ ንግዲ ወይ ቢዝነስ ምጅማር ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ ። ኣውስትራሊያ ን ፈጠራን ንስርሕ ምፍጣርንት ድልዱል ትሕተ ቅርጺ ብምቕራብ፤ ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ብምቕራብን ፤ ከምኡ "ውን ብናይ መንግስቲ ተበግሶታት ንዕብየት ነኣሽቱ ንግዲ ንምትብባዕ ናጻ ምወላታት፡ ገንዘባዊ ሓገዝን ናይ ግብሪ ምጉዳልን ኣቢላ ትድግፍ ።

ጣልያን ን ኣፍሪቃ 5.5 ቢልዮን ክትምውል እያ። ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥሪ 2024)

January 29, 2024 23:51 - 8 minutes - 10.9 MB

ን ሎሚ 30 ጥሪ 2024 ዝተዳለው ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ሓንቲ ንዶናልድ ትራምፕ ብምጽላም ዝኸሰሰት ሰበይቲ ፡ ገለ ካብቲ ዝወሃባ ናይ ካሕሳ ገንዘብ ኣብቲ እቲ ፕረዚደንት ዝጸልኦ ነገር ከተውዕሎ ከም እትደሊ ገሊጻ ። ኣብ ኲንስላንድ ብድሕሪ ትሮፒካዊ ኪሪሊ ዝሰዓበ ብርቱዕ ዝናም ን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ መገዲታት ተቘሪጹ ፡ እቲ ቦታ ድማ ንኣዋርሕ ተነጺሉ ክጸንሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኢጣልያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝምድና ንምድልዳል ዝሕግዝ ናይ 5.5 ቢልዮን ዩሮ ክትምውል ምዃና ኣፍሊጣ። ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ዓወቱ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ኣመዝጊቡ።

ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ኣውስትራልያ ዝደመቕሉ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ኦሳካ ተዓዊታ፣

January 28, 2024 19:39 - 12 minutes - 10.7 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/01/2024) * ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ዓወቱ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ከመዝግብ’ንከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅድድም ካደል ኤቫንስ ግሬት ኦሸን ሮድ ረይስ ብዝነኣሰ ፍልልይ ብፎቶፊኒሽ ተቐዲሙ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኢትዮጵያዊያን ሳሙኤል ተፈራን ዲሪበ ወልተጂን ኣብ ኣስታና ተዓዊቶም፣ ወርቅነሽ እዴሳ ክብረወሰን ማራቶን ኦሳካ ብ2 ደቒቕ ብምምሕያሽ ተዓዊታ፣ * ኢትዮጵያዊ ህቡብ ጋዜጠኛ ስፖርትን ደራሲን ገነነ መኩሪያ ብሕማም ምኽንያት ዓሪፉ፣ * ሓያሎ ኣሰልጠንቲ ናይ’ተን ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢታት ዘመዝገባ ሃገራት ካብ መዝነቶም ኣብ ዝተስጎጉሉ ግጥማት ናይ መወዳእታ 16 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ተጀሚሮም፣ ኣንጎላን ናይጀርያን እተን ክልተ ቀዲመን ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፈን ዘረጋገጻ ኮይነን፣

MiniPod: Ep4 Hobbies | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 4ይ ክፋል፡ ኣብ ትርፊ ግዜና ነዘውትሮም ተግባራት | መደብ English on Repeat (Easy)

January 28, 2024 17:56 - 5 minutes - 3.99 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What do you like doing? | My favourite hobby is gardening. | I listen to music to relax. | I play tennis and go swimming. | What are your favourite hobbies? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ እንታይ ክትገብሩ ትፈትዉ፧ | እቲ ዝፈትዎ መዘናግዒየይ ጀርዲን ምኹስኳስ’ዩ። | ንኽዛነ ሙዚቃ እሰምዕ። | ቴኒስ ይጻወትን ናብ ምሕንባስ ይኸይድን። | ትፈትውዎም መዘናግዒታት እንታይ’ዮም፧

"ንኹላትና ከተሰማምዓና ናብ ትኽእል ናብ ተልእኾ ኤሪሳት ንመለስ" ኣቶ ተወልደ፡ "ሄኖክ ሲዒሩ፡ ሳባ ወዲቓ ምባል ንኹላትና ኣይጠቕመናን'ዩ" ፊልሞን

January 27, 2024 05:11 - 39 minutes - 35.6 MB

ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝዓዪ ናይ ኤርትራዊያን መዲያ ኤሪሳት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ መንጎ ቦርድን ኣካየድቲ ስራሕን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ እቲ ክሳብ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ብመገዲ ሳተላይት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ከቋርጽን ኣብ ቀጻሊ ናይ እንካን ሃባን ፍሕፍሕ ተፈጢሩ ጸኒሑ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕርታትን ኣብ መንጎ ዘሎ ፍልልያትን እንታይ ከምዝመስል ምስ ኣባል ቦርድ ኤሪሳት ኣቶ ተወልደ እሲፋኖስን ኣባል ኣካየድቲ ኤሪሳት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝተገብረ ዝርርብ።

“ካብ ሲ ኣይ ኤ (ስለያ ኣመሪካ) ናብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ እናመጽኡ ከሰልጥኑናን ነቲ ዝምድና ከትርርዎ ይፍትኑ ነይሮም’ዮም።” ዳኒኤል ጋርዛ

January 25, 2024 04:14 - 13 minutes - 11.2 MB

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ምሁር ወተሃደራዊ ሳይንስ ዳንኤል ተስፋሚካኤል ጋርዛ ; ስትራተጂካዊ ረብሓታት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ን ኤርትራ ትማልን ሎሚን ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ፧ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ሲ ኣይ ኤ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት (በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ንምርኻብ ዝደረኸ ረቛሒታት፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምዕራባውያን ንሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ዝብሉን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዙ ነጥብታት ተዘሪብሎም ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ጥሪ 2024)

January 25, 2024 03:49 - 55 minutes - 59.9 MB

ንሎሚ ሓሙስ 25 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስትራተጂካዊ ረብሓታት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኤርትራ ትማልን ሎሚን ብኸመይ ጸልይዋ፧ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ሲ ኣይ ኤ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት (በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ንምርኻብ ዝደረኸ ረቛሒታት፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምዕራባውያን ንሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ዝብሉን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዙ ነጥብታት ኣልዒልና ምስ ምሁር ወተሃደራዊ ሳይንስ ዳንኤል ተስፋሚካኤል ጋርዛ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት። ደቂ ሰብ ኣብ ኣፍ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ቀሪቦም ከምዝርከቡ ዘመልክት "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" ወይ "Doomsday Clock" መወዳእታ ደኢ ሰብ ኣብ 2024 ንፍርቂ ለይቲ 90 ካል ኢት ተሪፍዎ፡ ነዚ ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣለና። ጸብጻብ ል ኡኽና ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ውን ግዜኦም ...

ሰዓት ጥፍኣት ደቂ ሰብ (ምጽኣት) 2024 ንፍርቂ ለይቲ 90 ካሊኢት ጎደል ኮይኑ።

January 25, 2024 01:19 - 6 minutes - 5.96 MB

ደቂ ሰብ ናብ ኣፍ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ቀሪቦም ይርከቡ። እቲ ሰዓት "መዓልቲ ምጽኣት" ወይ "Doomsday Clock" ናይ ደቂ ሰብ መወዳእታኦም ተመልክት ምሳልያዊ ምቑጻር ሰዓት ፡ እቲ እዋን መዓስ ከምዝኾነ ብ መጽሄት ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ብዝተገብረ ግምገማ ናይ 2024 ንፍርቂ ለይቲ 90 ካሊኢት ጎደል ጥራይ ከምዝተርፎ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ነዚ ዝገልጽ እዩ። ።

ፕ/ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካይዱ ተመዛበልቲ ይቕረታ ሓቲቱ።

January 24, 2024 21:38 - 3 minutes - 1.87 MB

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ክግበርዎ ዝቐነዩ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተገብረ ሰልፊ እዩ ኣቶ ጌታቸው ይቕረታ ሓቲቱ፣

"ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ" CPJ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ጥሪ 2024)

January 23, 2024 22:48 - 4 minutes - 6.99 MB

ን24 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ኣውስትራልያን ጃፓንን ናይ ኣብትሕቲ ባሕሪ ዝግበር ውግእ ዝምልከት ናይ ምርምር ስምምዕ ከቲመን ። ጉጅለ ሓማስ ኣብ ጋዛ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን ብዝብል ቅድመ ኩነት እስራኤል ነቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ ዳግም ነጺጋቶ ። ኤርትራ ፡ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 እተን ሰለስተ ዝኸፍኣ ኣሰርቲ ጋዜጠኛታት ከም ዝኾና ጸብጻብ CPJ ኣረጋጊጹ ።

ምድላይ ስራሕ ኣብ ኣውስትራሊያ። (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

January 23, 2024 22:35 - 11 minutes - 16.2 MB

ኣብ ኣውስትራሊያ መብዛሕትኡ ዕድላት ስራሕ ብወግዒ ኣይወዓውዑን እዮም ። ነዚ ዘይወግዓዊ ዕድላት ስራሕ ብዚግባእ ንምድህሳስ: ብዛዕባ ዕዳጋ ስራሕ ኣውስትራልያ ርጡብ ምርዳእ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ ። ኣብ ብልሙድ ዝግበር ምፍላጥ ስራሕ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምውካል፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ንኽሰፍሕ ካልእ መገዲ ምድህሳስ’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ተኽእሎታት ናይ "ቲ ዝይተገልጸ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ምፍታሽን ፡ ከምኡ" ውን ምስ ናይ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ኣገልግሎታት ምልላይን ፡ ነቲ መስርሕ ምድላይ ኣብ ምስላጥ ኣድላዩ ስጒምቲ እዩ ። ነዚ ጸጋታት እዚ ምስ እትፈልጦ ፡ ቀልጢፍካ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ከቀላጥፎ ይኽእል እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥሪ 2024)

January 23, 2024 00:31 - 5 minutes - 7.05 MB

ን23 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ እስራኤል ብመንገዲ ሸምገልቲ ፡ ክሳብ ክልተ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ተኹሲ ደው ንምባል እማመ ንሓማስ ኣቕሪባ ። ኢትዮጵያ ቀረብ ጽሩይ ማይ ናብ ጅቡቲ ብሰለስተ ዕጽፊ ክብ ኣቢላቶ ሶማሊላንድ ፡ "ንዝዀነ ይኹን" ናይ ደገ ምትእትታው ብትሪ ከም እትቃወሞ ኣፍሊጣ፡

“ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ቀደም ናይ ምዕራባውያን ወይ ናይ እስራኤል ተጻብኦ ኣለዎ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።” ኣቶ ዳኒኤል ጋርዛ

January 22, 2024 05:02 - 16 minutes - 14 MB

ስትራተጂካዊ ረብሓታት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኤርትራ ትማልን ሎሚን ብኸመይ ጸልይዋ፧ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ሲ ኣይ ኤ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት (በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ንምርኻብ ዝደረኸ ረቛሒታት፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምዕራባውያን ንሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ዝብሉን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዙ ነጥብታት ኣልዒልና ምስ ምሁር ወተሃደራዊ ሳይንስ ዳንኤል ተስፋሚካኤል ጋርዛ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2024)

January 22, 2024 03:35 - 50 minutes - 49.3 MB

ን ሎሚ 22 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ እስራኤል ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ እተገብረ ሰልፊ ተቓውሞ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተኻፊሎም ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሪፓብሊካዊ ሕጹይ ተወዳዳሪን ናይ ፍሎሪዳ ኣመሓዳሪን ሮን ደሳንቲስ ካብ ዉድድር ምርጫ ወጺኡ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ትግራይ ወሪዱ ምስ ተመዛበልቲ ተጋሩ ንምዝታይ መደብ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሞያለ-ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተሰሚዑ።

January 21, 2024 23:14 - 3 minutes - 1.72 MB

እቶም 13 ቆልዑ ዝርከብዎም 116 ስደተኛታት ኣብ ሞያለ ኢትዮጵያ ን ኣዋርሕ ብምእሳሮም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እስራኤል ምምስራት ሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ነጺጋ፡ ኣመሪካ ግና ንሱ ከይኮነ እስራኤል ሰላም ኣይክትረክብን’ያ ኢላ።

January 21, 2024 21:56 - 6 minutes - 6.3 MB

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ፍታሕ ክልተ ሃገራትን ምትካል ሃገረ ፍልስጤም ክህሉሉ ዝቐረበ ጻውዒት ነጺግዎ ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ እስራኤል ናይ ፍልስጢኤም ሃገር ከይተመስረተት ፡ ንጸገማት እስራኤል ክትፈትሖ ከም ዘይትኽእል እያ እትገልጽ ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ሆስፒታል መጥቓዕቲ ኣብ ትፍጸመሉ ዘሎ እዋን ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ጋዛ ተወሳኺ ሓገዝ ክቐርብ ይጽውዕ ኣሎ ።

MiniPod: Ep3 Family| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 3ይ ክፋል፡ ስድራቤት | መደብ English on Repeat (Easy)

January 21, 2024 21:01 - 6 minutes - 4.64 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you have family in Australia? | I have a big family. | I have two brothers and one sister. | My brothers live in Sydney and my sister lives in Perth. | Do you have any brothers and sisters? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ስድራቤት ኣለኩም ዶ፧ | ዓቢይ ስድራቤት ኣለኒ። | ክልተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓፍትን ኣለዉኒ። | ኣሕዋተይ ኣብ ሲድኒ፣ ሓብተይ ከኣ ኣብ ፐርዝ ይነብሩ። | ንዓኹም ከ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉኹም ...

ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ናይ ኣውስትራልያ ቅድድሙ ዛዚሙ፣ ማራቶን ሙምባይ ኢትዮጵያዊያን ዓብሊሎሞ፣

January 21, 2024 20:51 - 12 minutes - 11.2 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/01/2024) * ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ብቕዓቶም ኣመስኪሮም፣ * ማራቶን ሙምባይ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶሞ፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ገለ ሃገራት ክልተ ግዜ ብምዕዋት ምሕላፈን ድሕሪ ምርግጋጸን ካልኣይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማቱ ኣጠናቒቑ፣ ኬፕቨርደን ሰነጋልን እተን ክልተ ቀዲመን ምሕላፈን ዘረጋገጻ ኮይነን፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ናይ ሓሙሽተ ነጥብታት ፍልልይ ብምፍጣር መሪሕነታ ከተስፍሕ እንከላ ኣርሰናል ብገፊሕ ተዓዊታ ናይ ሳልሳይ ተርታኣ ኣደልዲላ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ጥሪ 2024)

January 18, 2024 01:52 - 55 minutes - 65.2 MB

ንሎሚ ሓሙስ 18 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ግዝኣታት በቲ ብ JN.1 ዝጽዋዕ ንኡስ ዓልየት ቪይረስ ኮቪድ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። እዚ ዓልየት እዚ ኣዝዩ ተመሓላላፍን፡ ብቐሊሉ ንዚጥቃዕ ክፋል ህዝቢ ረዚን ክኸውን ይኽእል እዩ ። እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣውስትራሊያዊያን መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ ብግዜኡ ስለዘይወሰዱ ፡ ኣብ ክኢላታት ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ። ብዛዕባዚ ሃደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣውስትራሊያውያን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ቅልውላው የጋጥሞም እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ቢልዮነራት ግን ብዝሒ ሃብቶም ክብረ-ወሰን ይሕዝ ከምዘሎ’ኸ ፈሊጥኩምዶ፡ ብዛዕባዚውን ክንሕብር ኢና ። ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና የለን፡ ቃለ መሕትትን ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ግና ግዜኦም ሓልዮም ዝቐርቡ መደባትና እዮ...

ኣውስትራሊያዊያን ዉሑዳት ቢልዮነራት ብሃብቲ ይዝቕብቡ ሚልዮናት ድማ ኣብ ድኽነት ይሽመሙ።

January 17, 2024 03:07 - 7 minutes - 10.6 MB

ኣውስትራሊያውያን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ቅልውላው የጋጥሞም እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ቢልዮነራት ግን ብዝሒ ሃብቶም ክብረ-ወሰን ይሕዝ ኣሎ ። ሓድሽ ጸብጻብ ኦክስፋም "Inequality Inc." ከም ዝሕብሮ ፡ እቶት እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ 47 ቢልዮነራት ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብዕጽፊ ዓብዩ ናብ 255 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 18 ጥሪ 2023 (ዓበይቲ መራኽብ ዓለም ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ደው ኣቢለን)

January 17, 2024 02:54 - 5 minutes - 7.8 MB

ንሎሚ 17 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ገዘፍቲ መራኽብ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ምጉዓዝ ደው ኣቢለን ። ኢትዮጵያ 5ይ ወለዶ ሱ-30 ዝዓይነታ ናይ ዉግእ ጀትን ስትራተጂያዊ ናይ ውግእ ድሮን ከም ዝገዝ አት ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ ። ኣውስትራሊያዊ ታናሲ ኮኪናኪስ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፉ ።

#53 How to give encouragement (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ ብዛዕባ ምትብባዕ ምሃብ

January 16, 2024 22:48 - 12 minutes - 17.1 MB

Learn how to encourage someone and make them feel good and motivated. - ሰባት ጽቡቕ ንኽስምዖምን ሞራል ክረኽቡን ከመይ ገይርካ ከም እተተባብዖም ተመሃር፡ Learn how to encourage someone and make them feel good and motivated.

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥሪ 2023)

January 16, 2024 01:30 - 7 minutes - 9.52 MB

ሑቲ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ቀጥታዊ ምላሽ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝፍጽም ኣጠንቂቑ ። ኣብ መልበርን ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ተሃሪሞም ሆስፒታል ኣትዮም። ብሰንበት 14 ጥሪ፡ 45 ጽምዲ ኤርትራውያን መርዓውቲ ኣብ ካምፓላ - ዩጋንዳ ቃልኪዳን ኣሲሮም። እንግሊዛዊ ኣንዲ ሙረይ ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2014 ዉድድራት ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምስ ተሳዕረ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ መልበርን ፓርክ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣሚቱ ።

“ኮቪድ 19 ብሓድሽ ንኡስ ዓሌት ቫይረስ ኣብ መላዕ ዓለም ይላባዕ:

January 16, 2024 01:24 - 6 minutes - 9.21 MB

ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ግዝኣታት በቲ ብ JN.1 ዝጽዋዕ ንኡስ ዓልየት ቪይረስ ኮቪድ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። እዚ ዓልየት እዚ ኣዝዩ ተመሓላላፍን፡ ብቐሊሉ ንዚጥቃዕ ክፋል ህዝቢ ረዚን ክኸውን ይኽእል እዩ ። እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣውስትራሊያዊያን መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ ብግዜኡ ስለዘይወሰዱ ፡ ኣብ ክኢላታት ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2024)

January 15, 2024 11:10 - 43 minutes - 32.3 MB

ፈለማ ንጥንታውያን ወነንቲ ናይ’ዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፣ ኤስቢኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ዉራንጁሪን ዋይውራንግን ናይ ሃገረ ኩሊንን ሕሉፋትን ህሉዋትን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታዊያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ደቀባት ኣቦሪጅንን ህዝብታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 15 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ምድላይ ባሕሪ ኢትዮጵያን መጻኢ ኣመቱን ዝምልከት ምስ ምሁር ፖለቲካን ተንታንን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ ዘካየድናዮ ሰፊሕ ቃለመሕትት ሎሚ ካልኣይ ክፋሉ ከነቕርበልኩም ኢና። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖ...

ዕድመ ኣታሊሉ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ ካፍ መርመራ የካይድ፣ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገረምቲ ውጽኢት ይምዝገቦ፣

January 15, 2024 08:03 - 11 minutes - 9.26 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/01/2024) * ንተዓዘብቲ ዝመሰጡ መኽፈቲ መደባት ድሕሪ ምክያዶም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ቀዳም ብድሙቕ ኣገባብ ተኸፊቱ፣ * ኣይቮሪኮስት ብዓወት ክትጅምር እንከላ ናይጀርያ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒን ግብጺ ምስ ሞዛምቢክን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ማዕረ ወጺኤን፣ * ኢትዮጵያዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ድሕሪ ምስታፉ ካብ’ቲ ስፖርት ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ኤርትራዊ መንእሰይ ዮኤል ሃብተኣብ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ተጸንቢሩ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሓደ ምትላል ዕድመ ፈጺሙ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ፣ * ፍርቀን ፕሪምየር ሊግ ጋንታታት ጥራይ ግጥማተን ኣብ ዘካየዳሉ ሰሙን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ እንተመዝገበ’ኳ ጋንትኡ ኒውካስት...

MiniPod: Ep2 Daily Routine | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 2ይ ክፋል፡ ዕለታዊ ነዘውትሮም ንጥፈታት | English on Repeat (Easy)

January 14, 2024 16:59 - 5 minutes - 4.14 MB

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you wake up early? | I wake up at 6.| I start work at 7.30.| I always eat breakfast at work.| What about you? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ። ንግሆ ዲኹም ትትስኡ፧ | ሰዓት 6 እየ ዝትስእ።| ስራሕ ሰዓት 7.30 እጅምር። |ቁርሲ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ይበልዕ።| ንስኹም ከ፧