ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ/ክረክብ ይኽእል'ዩ። ምምዝጋብ ከምዚኦም ዓይነታት ወግዓውነት ዘይብሎም ዝምድናታት (ዲ ፋክቶ ሪለይሽንሺፕስ) ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ይፈላለ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ምፍልላይ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ዲ ፋክቶ ዝምድናታት ኣብ ትሕቲ ሕግታት ኮመንዊልዝ ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ይተሓዙ/ይዳነዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም።