ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ። ኣብ ኣምሓራ ቤት ትምህርቲ ከተማ ፍኖተሰላም ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጒ ኣብ 25 ተማሃሮ ተጎዲኦም ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኣምሓራ “ገበናት ኲናት” ዝበሎ ፍጻመ ብመርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ መርመራ ክገበረሉ ጸዊዑ።