SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,688 episodes - Tigrinya - Latest episode: 17 days ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ethiopia - ሓጸርቲ ጸብጻባት ካብ ኢትዮጵያ

February 05, 2018 20:53 - 2 minutes - 977 KB

ethiopia - ብዓሌቶም ምኽንያት ንዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን መትከሊ እግሪ ከም ዝወሃብ ምክትል ምምዳር ትግራይ ተዛሪቦም፡፡ እቶም መጥቃዕቲ ዘውረዱ ሰባት ከዓ አብ ትሕቲ ቀይዲ ይውዕሉ ከም ዘለው አብሪሆም፡፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ንክልተ ሰብ መዚ ካብ መዝነቶም አልዩ ንካልኦት ሽዱሽተ ከዓ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ አፍሊጡ፡፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ንሰለስተ መኰነናት ጀነራል መዓርግ ምክትል አዛዚ ኢታማዦር ሂቦም፡፡ ፕረዝደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ን አርብዓ አባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀፍሒታት መዓርግ ሂቦም፡፡

Hywet gtmi and Abrha - ሞዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ. (1 ለካቲት 2018)

February 01, 2018 06:38 - 15 minutes - 6.68 MB

Hywet gtmi and Abrha - ሎሚ ሞዛይክ ባህሊ “ኣብርሃ መን’ዩ?” ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ዘመነ ንግስነት ኣክሱም ኣብ የመን ነጊሱ ዝነበረ ናይ ሓበሻ ንጉስ ኣብርሃ ዛንታ ቀሪቡ ኣሎ። ብተወሳኺ 'ህይወት ብዘይ ህይወት" ዘርእስቱውን ቀሪቡ ኣሎ።

US RUSSIA

February 01, 2018 05:14 - 4 minutes - 1.91 MB

US RUSSIA

ሞዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ. (12 ጥሪ 2018)

January 11, 2018 05:49 - 17 minutes - 6.68 MB

ናይ ሎሚ መደብ ኤፍሬም በየነ ካብ ኣስመራ ዝለኣኾ "ብ ኢድ ዘይተሃንጸ ሓወልቲ" ዘርእስቱ ትሕዝቶን "ሃገረሰብ ዓደይ" ዘርእስቱ ግጥሚን ቀሪቡ ኣሎ።

humanity - በዓል ልደት ምስ ገበርቲ ሰናይ ኣብ መቐለ

January 09, 2018 21:06 - 6 minutes - 2.86 MB

humanity - ብንኡስ ዓቕሚ ዝካየድ፣ ዉሑድ ደገፍ እናረኸቡ ስኡናት ቆልዑ ካብ ትምህርቶም ከይቦዂሩ ዝሰርሑ ገበርቲ ሰናይ መንእሰያት ኣብ ከተማ መቐለ ንሽጉራት ምሳሕ ብምግባዝ በዓል ልደት ብሓጎስ ኣኽቢሮም ዉዒሎም፡ ጸብጻብ።

Ethiopian Politic; analyasis - ጣዕሳ፣ ንስሃን መፅባዓታትን ኢህወደግ ናብ ልቢ ተዓዛቢኦም ይሰርፁ ዶ ይዕንቅፁ?

January 09, 2018 02:57 - 6 minutes - 2.86 MB

Ethiopian Politic; analyasis - ብሊቃነ መናብርት አርባዕቲኦም ውድባት ማለት አቶ ሀይለ ማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሊቀ መንበር ውድብ ደህዴን ካብ ደቡብ፣ አቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ሊቀ መንበር ውድብ ብኣዴን ካብ አምሓራ፣ ዶ.ር ደብረ ፅዮን ገብረ ሚካኤል ሚንስትር ኢንፎርሜሽንን  ቴክኖሎጂን ሊቀ መንበር ውድብ ህወሓት ካብ ትግራይ፣ አቶ ለማ መገርሳ ፕረዝደንት ክልል ኦሮምያ ሊቀ መንበር ውድብ ኦህዴድ ካብ ኦሮም፣ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ዝገለፁዎ ናይ ጣዕሳ፣ ንሳሃን መፅበዓን መደረ፡-

Aklabat gtmi n Rezan ngedwa - ሞዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ. (4 ጥሪ 2018)

January 04, 2018 04:39 - 17 minutes - 7.63 MB

Aklabat gtmi n Rezan ngedwa - ኣብ ናይ ሎሚ መደብ 'ነቶም ኣኽላባት ግደፉ በልዎም' ዘርእስቱ ብዲያቆን ዳኒ ኤ፣ ክብረት ብ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ናብ ትግሪኛ ዝተተርጎመ ጽሑፍ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንረዛን ንገድዋ ዘርእስታ ግጥሚ ተዳሊያ ኣላ።

Shire - ኣብ ከባቢ ሽረ እንዳ ስላሴ ጥንታዊ ከተማ ካብ ጉድጓድ ተዃዒቱ ተረኺቡ ኣሎ፡ መብርሂ ካብ ኪኢላ ኣርኪዮሎጂ ግደይ ገብረእግዚኣብሄር

January 03, 2018 22:17 - 6 minutes - 2.86 MB

Shire - ኢትዮጵያዊያንን ናይ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ኪኢላታት  ኣብ ከባቢ ሽረ 1250 ዓመታት ዘቑጸረ 700 ኣባይቲ ዝውንን ከተማ ብዂዕታ ረኺቦም ከምዘለዉ ኣብ ዜናታት ተቓሊሑ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ኣርኪዮሎጂስት ግደይ ገብረእግዚኣብሄር ብዛዕባዚ መብርሂ ሂቦምና ኣለዉ።

kemdlayey classical - መደብ ሞዛይክ ባህሊ ኤስ ቢ ኤስ (20 ታሕሳስ 2017)

December 21, 2017 07:51 - 11 minutes - 4.77 MB

kemdlayey classical - ኣብ ናይ ሎሚ መደብና “ጥንታዊ ግጥሚታት ትግሪኛ” ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ምሁር ታሪክ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነ ማርያም ካብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቋቋታት ትግራይ ዝቕረቦ ጽሑፍ’ዩ፡፣ ከም ኡውን ናይ መለስ ንጉሰ ግጥሚ ኣዝግንኒ ክቐርብዩ።

car - ብዲግሪ ተመሪቕካስ ኣብ ስራሕ ምሕጻብ መኻይን!

December 20, 2017 03:34 - 6 minutes - 2.86 MB

car - መድሃኔ፡ ሃይላይን ሓዲሽን ሰለስቲኦም ትምህርቶም ብዲግሪ ዝተመረቑ እዮም፣ እንተኾነ በቲ ዝተማህርዎ ሞያ ዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕ ምሕጻብ መኻይን ተዋፊሮም ይርከቡ። ዝተማህረ ሰብዶ ኣብ ከምዚ ስራሕ ይዋፈር’ዩ? ስርሖም ክሳብ ክንደይ ኣዕጋቢ እዩ? መጻዒኦምከ እንታይ ክመስል’ዩ? መልሲ ኣብዚ መደብ ክጸንሓኩም እዩ። 

Settlement Guide: Water safety in Australia - ኣብ ምዝንጋዕ ዘንጊዕና ኣብ ባሕሪ ምእንቲ ከይንጥሕል (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ 18 ታሕሳስ 2017)

December 18, 2017 23:14 - 7 minutes - 2.86 MB

Settlement Guide: Water safety in Australia - ኣውስትራሊያ ልዕሊ ሓደ ሺሕ መዘናግዒታት ገማግም ባሕሪ ወይ ቢች ትውንን። ኣብ እዋን ወቕቲ ሙቐት (ሳመር) ትዘናጋዓሎም ቦታታት ኣለዉዋ። እንተኾነ ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ሓደጋ ከምዘጋጥም ኣይፈልጡን እዮም።  ስለዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሓደጋ ከየጋጥም እንታይ ስጉምቲታት እዩ ክውሰድ ዝግብኦ? እዚ ትሕዝቶ ክገልጾ እዩ።

መደብ ሞዛይክ ባህሊ ኤስ ቢ ኤስ (14 ታሕሳስ 2017)

December 14, 2017 05:53 - 17 minutes - 6.68 MB

ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ሞዛይክ ባህሊን “ህዝቢታት ሓበሻን መበቆሎምን ዘርእስቱ ኤፍሬም በየነ ካብ ኣስመራ ዝለኣኸልና ጽሑፍን “ከመጉሰኪ እየ” ግጥሚ ተስፋገርጊስ ሃብተን ከነቕርብ ኢና።

Gtmi tesfu Hagos - ሞዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ. (7 ታሕሳስ 2017)

December 07, 2017 04:53 - 12 minutes - 4.77 MB

Gtmi tesfu Hagos - ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ሞዛይክ ባህሊ፡ ብመምህር ዑቕቢት ሓድጉ ካብ ዝተጻሕፈ ‘ጉራማይለ ብሂል ቀዳሞት’ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያንን ካልእን ካብ ዝድረፉ ዝነበሩ ባህላዊያን ደርፊታት ከምኡ’ውን ካብ መጽሓፍ ፈውሲ ናፍቖት ግጥሚ ‘ሰብ ተረኺቡ’ ብተስፉ ሓጎስ ፣ ሒዛ ቀሪባ ኣላ።

TPLF - ዉሳነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

November 28, 2017 22:01 - 1 minute - 710 MB

TPLF - ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ከም ዘውረደን ንክልተ ድማ መጠንቀቕታ ከምዝሃበን ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፥ 1) ኣቶ ኣባይ ወልዱ ካብ ኣቦመንበርነትን ኣባል ፖሊት ቢሮን ወሪዶም ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ፡ 2) ኣቶ በየነ መኩሩ ካብ ፖሊት ቢሮ ወሪዶም ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ፡ 3) ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ፖሊት ቢሮ ወሪደን ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ኣባልነት እውን ክእገዳ ወሲኑ ኣሎ።  እዚ ከምዚ እናሃለወ ንገለ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እውን እግድ ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ::

tsegish - ጸብጻብ ካብ ኢትዮጵያ (27/11/2017)

November 27, 2017 05:18 - 4 minutes - 977 KB

Report - ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ዓቢ ጉያ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ሺሕ ሰባት ተሳቲፎም፡ 2 ካብ ተሳተፍቲ ሞይቶም። ንዓወት ዓድዋ ዘንጸባርቕ ሙዝየም ክህነጽ ጀሚሩ። ኣብ ጎንጺ ኦሮሚያን ሶማሊያን ኢድ ነይርዎም ዝተባህሉ 103 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

Embatat Eritrea - ምዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ (11 ሕዳር 2017)

November 10, 2017 21:00 - 17 minutes - 7.63 MB

Embatat Eritrea - ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ጋዜጠኛ ተስፋገርግስ ሃብተ ካብ ስዊድን ዝሰደደልና ሕቡእ ዛንታታት እምባታትና ዝብልዩ። 

anen nesfeyn - ሞዛይክ ባህሊ (4 ሕዳር 2017)

November 03, 2017 20:54 - 15 minutes - 6.68 MB

anen nesfeyn - ኣብ ናይ ሎሚ መደብ “ኣነን ነፍሰይን” ዘርእስታ ዛንታ ‘በዓል-ሓቦ’ ዝለኣኸልና ዛንታ እያ። …ኣብ ዉሽጠይ ሰለስተ ሰባት ይካትዑ ነይሮም፡ እቲ ሓደ ኩሉ ቀልጢፉ ክገላገል ዝተሃንጠየ እዩ ዝመስል፡ እቲ ካልኣይ ኩሉቲ ኩነታት መስሓቕ ኮይኑዩ ዝረኣዮ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ነቲ ነፍሰ ቅትለት ከፋጥን ላዕሊ ታሕቲ ይብል ነበረ፡፣

Ethio - ህሉው ኩነታት ተጋሩ ኣብ ሻሸመኔን ከባቢኣን፡ ጻዊዒት ሰላማዊ ሰልፊ ዓረናን መልሲ ህወሓት ን

November 03, 2017 20:16 - 9 minutes - 3.81 MB

Ethio - ኣብ ሻሸመኔ ነበርቲ ዝኾኑ ተጋሩ፡ ብሄራዊ መጥቃዕቲ ወሪዱና ክብሉ ንራዲዮ ኤስ.ቤኤስ ገሊጾም ዉዱብ ዓረና ትግራይ ኣብ ትግራይ ክግበር ዝሓሰቦ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ምንጻጉ ዝምልከት መራሒቲ ውድብ መልሲ ሂቡሉ።

Religion - ናይ ሃይማኖታት ነጻነት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊ)

October 30, 2017 23:23 - 9 minutes - 4.38 MB

Religion - ኣውስትራሊያ ካብ እዋን ፈደረሺን ኣትሒዛ ዓለማዊት ወይ ብሃይማኖት ዘይትመሓደር ሃገር እያ።  እቲ ናይ 1901 ቅዋም ፡ መንግስቲ ኮመን ወልዝ ኣብ ነጻነት ሃይማኖት ኢዱ ከየእቱ ዝኽልክል እዩ።  እንተኾነ ኣውሮጵውያን ካብቲ ናብዚ ሃገር መጺኦም ክነብርሉ ዝጀመርሉ ጊዜ ኣትሒዙ፡ ኣብዚ ሃይማኖት ክርስትና ዝዓብለለሉን 30 ሚእታዊ ካብቲ ህዝቢ ድማ ሃይማኖት ዘይብሉን ኣብ ዘለዎ ሃገር  ደኣ ነጻነት ሃይማኖት ብከመይ እዩ ዝኽበር?  …እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክትንትኖ እዩ፡፡

Religion - ነጻነት ሃይማኖት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊ 1/11/2017)

October 30, 2017 23:12 - 9 minutes - 3.81 MB

Religion - ኣውስትራሊያ ካብ እዋን ፈደረሺን ኣትሒዛ ዓለማዊት ወይ ብሃይማኖት ዘይትመሓደር ሃገር እያ።   እቲ ናይ 1901 ቅዋም ፡ መንግስቲ ኮመን ወልዝ ኣብ ነጻነት ሃይማኖት ኢዱ ከየእቱ ዝኽልክል እዩ።   እንተኾነ ኣውሮጵውያን ካብቲ ናብዚ ሃገር መጺኦም ክነብርሉ ዝጀመርሉ ጊዜ ኣትሒዙ፡ ኣብዚ ሃይማኖት ክርስትና ዝዓብለለሉን 30 ሚእታዊ ካብቲ ህዝቢ ድማ ሃይማኖት ዘይብሉን ኣብ ዘለዎ ሃገር  ደኣ ነጻነት ሃይማኖት ብከመይ እዩ ዝኽበር?   …እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክትንትኖ እዩ፡፡

Knie - መደብ ሞዛይክ ባህሊ ኤስ.ቢ.ኤስ (28 ጥቅምቲ 2017)

October 27, 2017 20:37 - 20 minutes - 8.58 MB

Knie - “ካብ ቅኔ ሓበሻ ደጉዓት ትግራይን ሓማሴንን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዶ/ር ያዕቆብ ፋስዮ ልዊጂ ኣብ 1910 ኣብ ፈረንጸ ኢጣልያ ካብ ዘሕተምዎ መጽሓፍ ማሰን መልቀስን ዝተወስደ እዩ።

Mosic bahli - ሞዛይክ ብህሊ ኤስ ቢ ኤስ (21 ጥቅምቲ 2017)

October 20, 2017 20:22 - 17 minutes - 7.63 MB

Mosic bahli - ታሪኽ ህይወትን ፍርያትን ፍሉጥ ማሰኛን መላቓሳይን ኣይተ ወልደድንግል ገድሉ

Mosic bahli

October 20, 2017 20:22 - 17 minutes - 7.63 MB

Mosic bahli

gtmi neSebrak - ነጸብራቕ ሃለዋት

October 13, 2017 20:49 - 2 minutes - 977 KB

gtmi neSebrak - ምስትምቓር ግጥሚ ብ ማይሎ ተኽለ፡ ኣንባቢ መኮነን ተስፋይ

ባህላዊ መስተ ኮረፌ

October 13, 2017 20:39 - 8 minutes - 2.86 MB

ኮረፌ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝውተር ባህላዊ መስተ እዩ። ኮረፌ እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይዳሎ? ልኡኽና ናብ ከተማ ኮረም ገይሹ ዘዳለዎ ባህላዊ መደብ እዩ።

Interview with Prof Girmat Negash - “ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ንጸሓፍቲ ጥራይ ዝምልከት መሰል ኣይኮነን።” ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ

September 22, 2017 19:26 - 32 minutes - 13.4 MB

Interview with Prof Girmat Negash - ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ዩኒቨሪሲታትን ከምኡ'ውን ክሳብ ዝዕጾ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲውን ኣብ ፈለማ ተስዓታትውን ከም መምህርን ተመራማሪን ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ፕሮፌሰርን ዳይረክተር ናይ ኣፍሪቃ ፕሮግራምን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ካብተን ብቋንቋ እንግሊዝን ትግሪኛን ዘሕተመን መጻሕፍቲ ትርጉም ብ እንግሊዝኛ ሓደ ዛንታ፡ ናይ ደረስቲ ናጽነት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ድማ ብዛዕባ ዘሕተማ መገዲ ዓዲና ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዝን ሕቶታት መሊሱ ኣሎ። 

Interview with Hanan Idris (SBS/ Tigrinya) - “ ካብ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ መስትያት’የ ዝፈቱ” ሓናን እድሪስ

August 02, 2017 05:37 - 19 minutes - 8.58 MB

Interview with Hanan Idris - ትሕቲ ዕድመ ከላ ተመርዕያ ትሕቲ ዕድመ ከላ ድማ ቆልዓ ወሊዳ እያ ናብ ኣውስትራሊያ ተሰዲዳ። ንኹሉ ዘጋጥማ ማሕለኻታት ሰጊራ ግና፡ ንሓሙሻይ ርእሳ ስራሕ ዝፈጥር ናይ ስነ ጽባቐ ስራሕ ንግዲ ኣማዕቢላ። ዛጊት ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ብዙሓት ዓማዊል ኣጥርያ ኣላ። እታ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝወለደታ ዓባይ ጓላውን ኣብ ስራሕ ትሕግዛያ፡ ብስነ-ጽባቐን ኣርትን ትመሃር ኣላ። ናይ ርሑቕ ጠመተ ሓናን ምስ ጓላ ነቲ ቢዝነስ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እያ ትገብር ዘላ። ንዝርዝር ዕላል ምስ ሓናን እድሪስ ኣብዚ ተውቑ። 

How to get public housing in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ መንግስቲ ገዛ ንምርካብ..

February 13, 2017 22:07 - 8 minutes - 3.81 MB

For new Australians securing accommodation is an integral part of the settlement process. Community groups across the country work alongside governments to help those most in need develop sustainable and effective solutions. But one of these solutions, public housing, is now harder to find.  - ንሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራሊያ፡ መንበሪ ገዛ ምርካብ ኣጸጋሚ መስርሕ ምጥያስ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርናዕ እዚ ሃገር ዘለዉ ጉጅለታት ማሕበረሰባት ምስ መንግስቲ ሓቢሮም ነቶም ኣዚቱ ናይ መንበሪ ገዛ ጸገም ዘለዎም ጸጎሞም ንምፍታሕ ለይትን መዓልቲን እዮም ዝዓዩ። ይኹን እምበር ናይ መንግስቲ ገዛ ንምርካብ እናኣጸገመ ይኸ...

"ህዝቢ ወልቃይት ካብ ትግምቶ ንላዕሊ ትግራዋይ'ዩ" ኣናንያ ሴቭ ዓድና - "ህዝቢ ወልቃይት ካብ ትግምቶ ንላዕሊ ትግራዋይ'ዩ" ኣናንያ ሴቭ ዓድና " ኣናንያ ሴቭ ዓድና

July 22, 2016 22:52 - 17 minutes - 8.14 MB

ጉዳይ ወልቃይት ፀገም መንነት ዘይኮነስ አብ ሞንጎ ተጋሩ ዘሎ ሕመቕ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ፡፡ሕቶ መንነት እንተ ዝከውን አብ 1960ታት 1970ታት ካብ በገ ምድር ተበጊሱ ናብ ህወሓት ተፀምቢሩ አይምተቓለሰን፡፡ እቲ አብ ዝሓለፈ ቅንያት ንዝተወለዐ ግጭት ምክንያት ዝኮነ ኮለኔል ደመቀ እውን ምስ ህወሓት ንደርጊ አይምተቓለሰን፡፡ አብቲ እዋን ምስ ዝነበረ ናይ አምሓራ ውድብ ብኣዴን ምተቓለሰ ነይሩ፡፡ ጉዳይ ወልቃይት ጉዳይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፡ ስእነት ዲሞክራሲ እዩ፡፡ እዚ ፀገም ተጋሩ ብሓባር ምስ ዝዝትዩ እዩ ዝፍታሕ፡፡ዘፀዐት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡ት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡ - ጉዳይ ወልቃይት ፀገም መንነት ዘይኮነስ አብ ሞንጎ ተጋሩ ዘሎ ሕመቕ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ፡፡ሕቶ ...

Settlement Guide: what does ANZAC Day mean to migrants? - ኣንዛክ ንኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ስደተኛታት እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

April 22, 2016 22:48 - 9 minutes - 3.81 MB

For many migrants ANZAC Day symbolises soldiers wearing a slouch hats who fought in the fields of Gallipoli in 1915. However, over the last one hundred years this image has slowly changed.ANZAC Day has come to mean a day where the nation pays tribute to veterans from different wars and from culturally diverse backgrounds.  - ንብዙሓት ስደተኛታት መዓልቲ ANZAC ተምሳሌት ከቢብ ቆቡዕ ዝወደዩ ወተሃደራት ኣብ 1915 ሜዳታት Gallipoli i ዝተዋግኡ ዝወደቑን ክከውን ይኽእልዩ ።እንተኾነ እዚ ምስሊዚ ኣብ ዝሓለፉ ሓደ ሚእቲ ዓመት በብቕሩብ ተቐይሩ ኢዩ።መዓልቲ ANZAC ማለት ኣብዝተፈላ...

SBS Interview with Mulugeta Beyene - ኣብ 2016 ብዙሕ ሰማዒ ካብ ዝረኸቡ መደባት: ዕላል SBS ምስ ስነ ጥበባዊ ሙሉጌታ በየነ - "ዘይምፍቃር ይሓይሽ ከም ባሕታዊ ገዳም"

April 17, 2016 02:27 - 25 minutes - 10.5 MB

SBS interview with the late artist Mulugeta Beyene - ወናምን ገዲምን ስነ ጥበባዊ ሙሉ ጌታ በየነ አብ እገሩ ብዘጋጠሞ ኩነታት ምርካስ ዓሪፉ፡፡ ዝሓለፈ ረቡዕ 5 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ከም አቆፃፅራ ኢትዮጵያ አብ ትውልዲ ዓዱ ትግራይ ከተማ ውቅሮ ሐመድ ድበኡ ተፈፂሙ፡፡ ቅደሚ ገለ አዋርሕ አብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ስራሕቱን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሮ ተዘክሮታትን ቀፃሊ ሰሙን አብ ኤስ ቢ ኤስ ስምዕዎ፡፡

Aden Wedin (poem0 - ግጥሚ፡ ኣደን ወዲን

January 04, 2016 22:37 - 5 minutes - 1.91 MB

Aden Wedin (Tigrinya poem) - ቀዳመይቲ ተሸላሚት ሃገራዊ ፈስቲቫል 2012 ግጥሚ ናይ ዮሃንስ ኣብርሃም።

Facebook n kem kolo meshela - ሞዛይክ ባህሊ ምስ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ

November 27, 2015 21:14 - 17 minutes - 6.68 MB

Positive and Negative impacts of use of Facebook - 1.እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ወደይስ ኣብ ፈይስቡክ ተሰጢሑ 'ዩ ዝውዕል ኢሎሞ2. ከም ቆሎ መሸላ፡ ግጥሚ በየነ ሃይለማርያም

belew kelew - በለው ከለው እንታይ እዩ? ዳስ ሓዊያከ?

November 13, 2015 21:24 - 11 minutes - 4.77 MB

Cultural program on Belew Kelew - ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ሞዛይክ ባህሊ፡ ንታሪኽ በለው ከለውን ዳስ ሓዊያን ዝምልከት ታሪካዊ ትሕዝቶታ ኢዩ ዘለዎ።

Wurayna - "ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይ፡ ናይ ውልቂ መጽሔት ምንባብ የሰክፎም'ዩ"ዋና ኣሰናዳኢ ዉራይና

November 04, 2015 03:34 - 18 minutes - 8.47 MB

Interview with the managing director of Wurayna magazine. - ምስ ወናኒን ስራሕ አካያዲን መፅሔት ውራይና ጌታቸው አረጋዊ ዝገበርና ቃለ መሕትት ንምስማዕ ኣብዚ ጠዉቑ።

Interview with Prof Dan connell - ቃለ መሕትት ምስ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል (ምሉእ ትሕዝቶ)

July 22, 2015 01:47 - 42 minutes - 19.4 MB

እቲ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዙ መሓዛን ተደናጋጺን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ነቲ ቃልሲ ምስ ዓለም ዘላለየ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ቃልሲ ህዝባን ሓያሎ ጽሑፋትን መጽሓፍትን ዘበርከተ ተመራማሪ፡ ጸሓፋይ፡ መምህር ጋዜጠኛነትን ፎቶግራፈርን ዳን ኮኔል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንመጽናዕታዊ ዑደት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ምስ ሬድዮ SBS ቃለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕትት ኣብቲ ካብ 2012 ክሳብ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ክፍለ-ዓለማት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናተራኸበ ዘካየዶ መጽናዕታዊ ቃለ መጠይቓትን ትዕዝብትታትን ዘተኩር እዩ።   - እቲ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዙ መሓዛን ተደናጋጺን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ነቲ ቃልሲ ምስ ዓለም ዘላለየ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ቃልሲ ህዝባን ሓያሎ ጽሑፋትን መጽሓፍትን ዘበርከተ ተመራማሪ፡ ጸሓፋይ፡ መምህር ጋዜጠኛነ...

HAPPY LIVING - ሕጉስ ህይወት

July 16, 2015 02:47 - 5 minutes - 2.38 MB

A major new report suggests city living, parenting and early retirement are unlikely obstacles to achieving true happiness. The annual Hilda report, exploring lifestyle, family, health and wellbeing, covers a survey of 17-thousand Australians.  - ኣስታት 20 ሺሕ ኣውስትራሊያዊያን ተሓቲቶም ካብዝሃብዎ መልሲ፡ ሓጎስን ጥዑይ ህይወትን ዘምጽኡ ረቛሒታት ተዳሊዩ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ። ሓጎስን ጥዑይ ህይወትን ዘምጽኡ ነገራት እንታይ ኢዮም? እዚ መጽናዕቲ ዝረኸቦ ምላሽ ንስማዕ...

Romana Berhanu Mehamed Nur - "ድሕሪ ነዊሕ ለይቲ ነዊሕ ቀትሪ ኣሎ፡ ንሱ'ዩ እምነተይ" ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ

May 26, 2015 05:08 - 36 minutes - 15.3 MB

"ኣብ ሲና ዝተሸጡ ኣሕዋተይ ከም ዮሴፍ ክነግሱለይ ኢየዝደሊ።" ኢላ ትገጥመሎም....ንሰላም ፡ ኣብ ጎደናታት መንዲላ ኣውዲቓ እትልምን.... ኣዋርቕ ቢሻ ስልማት ኣዴታት ክኾነላ ብግጥማ እትምነ.... ኣብ ቅድሚ ዓይና ኣብ ኩናት ዝወደቑ ኣብ ዝኽራ እትቕነየሎም......ቁንቁኛ ሃይማኖት ኣብ ፍቕሪ ትርጉም ትስእነሉ..... ጫውጫውታ ዓለም ንጸሎታ ከይዓግቶ እትጭነቕ.... ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ መሓመድ ኑር ምስ ራዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበረቶ ዕላል። - "ኣብ ሲና ዝተሸጡ ኣሕዋተይ ከም ዮሴፍ ክነግሱለይ ኢየዝደሊ።" ኢላ ትገጥመሎም....ንሰላም ፡ ኣብ ጎደናታት መንዲላ ኣውዲቓ እትልምን.... ኣዋርቕ ቢሻ ስልማት ኣዴታታ ክኾነላ ብግጥማ እትምነ.... ኣብ ቅድሚ ዓይና ኣብ ኩናት ዝወደቑ ኣብ ዝኽራ እትቕነየሎም......ቁንቁኛ ሃይማኖት ኣብ ፍቕሪ ትርጉም እትስእነሉ..... ጫውጫ...

toowoomba 8 - ትዉምባ፡ ጽዋ ክልተ ዓለም - 8

December 02, 2014 00:28 - 9 minutes - 4.33 MB

.....ይሁኔ ካብዚ መዓርን ጸባን ዘዉሕዝ ሃገረ ኣውስትራሊያ ፍቕርን ሓጎስን ዝመል ኦ ቁሪ ሃገሩ መሪጹ ፡ካብ ናይ ድኽነት ዝኽትምና ብጾቱ ክፍለ ዝርንዝሕ እናነብ ዐዩ ናብዚ መጺኡ.... - .....ይሁኔ ካብዚ መዓርን ጸባን ዘዉሕዝ ሃገረ ኣውስትራሊያ ፍቕርን ሓጎስን ዝመል ኦ ቁሪ ሃገሩ መሪጹ ፡ካብ ናይ ድኽነት ዝኽትምና ብጾቱ ክፍለ ዝርንዝሕ እናነብ ዐዩ ናብዚ መጺኡ....

Twoomba No 6 - ትዉምባ፡ ጽዋ ክልተ ዓለማት (6ይ ክፋል )

November 14, 2014 19:04 - 9 minutes - 4.55 MB

መርዓ ኢና ተዓዲምናልኩም፡ ናይ ሓበሻ መርዓ። ካብ ብሪስበን ናብ ፐርዝ ካብምኻድ ካብ ኣስመራ ናብ ሮማ ከይድካ መርዓ ክትዉዕል ይቐርብ። ንሰዓታት ኣብ ሰማይ ብርር ሓዲርና ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣቲናልኩም..... - መርዓ ኢና ተዓዲምናልኩም፡ ናይ ሓበሻ መርዓ። ካብ ብሪስበን ናብ ፐርዝ ካብምኻድ ካብ ኣስመራ ናብ ሮማ ከይድካ መርዓ ክትዉዕል ይቐርብ። ንሰዓታት ኣብ ሰማይ ብርር ሓዲርና ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣቲናልኩም.....

Toowoomba 5: Tales of Two Worlds - ትዉምባ 5፡ ጽዋል ክልተ ዓለም

November 03, 2014 22:44 - 9 minutes - 3.81 MB

....ኣብ ዓቢ ከተማ ትነብር መናኒት ኮይነየ ጸኒሐ ሎሚ ግና ምስ ወዲ ቆጸራ ገይረ፡ ከማና ሓበሻ ዲዩኸ መሲልኩም፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዝዓይኑ ጻዕዳ ጎበዝ እምበር.... - ....ኣብ ዓቢ ከተማ ትነብር መናኒት ኮይነየ ጸኒሐ ሎሚ ግና ምስ ወዲ ቆጸራ ገይረ፡ ከማና ሓበሻ ዲዩኸ መሲልኩም፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዝዓይኑ ጻዕዳ ጎበዝ እምበር....

Toowoomba 4: Tales of two worlds - ትዉምባ 4፡ ጽዋ ክልተ ዓለም

October 28, 2014 04:00 - 8 minutes - 2.86 MB

ቀደም ኣብቲ መስመር ደብዳበ ይኹን ተለፎን ዘይነበረሉ እዋን፡ ኣቦታትና ፍቕሮም ንምግላጽ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ክንደይ ይሽገሩ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ኣዚዩ ኣጸጋሚዩ። ንገለ ግና እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ሺሻዮም ይሰር ዓሎም ምንባሩ ንምርዳእ እዛ ትስዕብ ዛንታ ሹምባሽ ጻዕዱ ምስማዕ ኣኻሊዩ..... - ቀደም ኣብቲ መስመር ደብዳበ ይኹን ተለፎን ዘይነበረሉ እዋን፡ ኣቦታትና ፍቕሮም ንምግላጽ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ክንደይ ይሽገሩ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ኣዚዩ ኣጸጋሚዩ። ንገለ ግና እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ሺሻዮም ይሰር ዓሎም ምንባሩ ንምርዳእ እዛ ትስዕብ ዛንታ ሹምባሽ ጻዕዱ ምስማዕ ኣኻሊዩ.....

Inteview with Keshi Yonas Welderufael - ቃለ መሕትት ምስ ገጣሚ፡ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

October 17, 2014 18:40 - 33 minutes - 14.3 MB

ገጣሚ፡ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ቀሺ ዮናስ ብዛዕባ ዝጸሓፎም ግጥምታትን መጻሕፍትን ምስ ራዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ምሉእ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ። - ገጣሚ፡ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ቀሺ ዮናስ ብዛዕባ ዝጸሓፎም ግጥምታትን መጻሕፍትን ምስ ራዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ምሉእ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ።

Toowoomba- Tales of Two Worlds - ቱዉምባ፡ ጽዋ ክልተ ዓለም

September 05, 2014 21:56 - 14 minutes - 5.72 MB

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣባሻውል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓንቲ ሰለስተ ብሰለስተ ሜትሮ ዝግፍሓ ብጭቃን ዕንጸይትን ዝተሰርሐት ንእሽቶ ገዛ ነበረት፡ ብደገ ክትርእያ ኣይተብህግንያ። ዝኣረገን ዝመረተን ዚንጎኣ ንኽትርእይ መሳልል መደያይቦ ኣየድልየካንዩ። ፍንትት ንዘበለ ሰብኣይ ይኹን ቆልዓ ከይተመጣጠረ ብማዕረ ዓይኑ ዝባን ዚንጎኣ ምጥማት ከቢድ ኣይኮነን። ብርቱዕ ዝናብን ንፋስን ዝበጃጀሎ ብጭቃ ዝተለጣጠፈ መንደቕ እታ ገዛ ኣብ እዋን ሚሸት ጩራታት ብርሃን ካብ ዉሽጢ ንደገ ይትፋእሞ ፡ እቶም ጩራታት ብደበና ከም ዝተሸፈነ ናይ ለይቲ ሰማይ ዝረኣዩ ከዋኽብቲ እዮም ዝመስሉ......  - ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣባሻውል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓንቲ ሰለስተ ብሰለስተ ሜትሮ ዝግፍሓ ብጭቃን ዕንጸይትን ዝተሰርሐት ንእሽቶ ገዛ ነበረት፡ ብደገ ክትርእያ ኣይተብህግንያ። ዝኣረገን ዝመረተን ዚንጎኣ ንኽትርእይ መ...

Girmay Gebru's New Book - Girmay Gebru's New Book

June 13, 2014 19:44 - 21 minutes - 8.58 MB

Author and Journalist Girmay gebru inaugurates a new book titled Kstay 2. Our reporter caught with Girmay following the inaugural of his book.  - ደራስን ጋዜጠኛን ግርማይ ገብሩ ክስታይ 2 እትብል መጽሓፉ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ኣመሪቑ ነይሩ፡ ድሕሪ ስነስርዓት ምረቓ መጽሓፉ ሓጺር መብርሂ ሂቡና ኣሎ። 

MAYA ANGELOU OBIT - ሓጺር ታሪኽ ህይወት ስነ ጥበባዊት ማያ ኣንጉሉ

May 30, 2014 19:48 - 7 minutes - 2.86 MB

Author and poet Maya Angelou, who rose from poverty, segregation and violence to become a force on stage, screen and the printed page, has died. At the age of 86, Angelou died Wednesday morning at her home in Winston-Salem, North Carolina.  - ደራሲትን ገጣሚትን Maya Angelou, ካብ ድኽነት፡ ኣፈላላይን ዓመጽን ቦሎኽ ኢላ ብምውጻእ ሓይሊ መድረኽ፡ ስክሪንን ጽሑፋት ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፋ። Maya ኣብ 86 ዓመት ዕድሚኣ ንግሆ ረቡዕ ኣብ Winston-Salem, North Carolina. ዝርከብ ገዝኣ ዓሪፋ። 

Interview with Sophia Tesfamariam Part 2 - Interview with Sophia Tesfamariam Part 2

May 30, 2014 19:24 - 19 minutes - 7.63 MB

In this part Sophia Tesfamariam speaks on Democracy, human rights, 2 precent diaspora tax and …   - ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ወይዘሮ ሶፊያ ተስፋማሪያም ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ 2 ሚእታዊ ግብሪ ዲያስፖራ፡ ስደት መንእሰያት ኤርትራን ካልእ ጉዳያትን ትዛረብ 

Interview with Mengsteab Asmerom - ቃለ መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

May 01, 2014 02:36 - 32 minutes - 14.3 MB

Mengsteab Asmerom is the chairman of the Eritrean People Democratic Party (EPDP), he talks about his party's principles and general public questions that are raised against his party.    - ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ-መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፎምን ብዛዕባ ሰልፎም ብህዝቢ ዝሕተቱ ሕቶታትን ይምልስ… 

Interview with Artist Berhane Ghebrehiwet Part 2 - Interview with Artist Berhane Ghebrehiwet Part 2

January 31, 2014 20:36 - 17 minutes - 6.68 MB

Berhane Gebrehiwet wrote many poems and Tigrinya lyrics. In this second part of the interview,he explains and reads some of his works.  - Berhane Gebrehiwet wrote many poems and Tigrinya lyrics. In this second part of the interview,he explains and reads some of his works.

Interview with Girmay Gebru Part 1 - Interview with Girmay Gebru Part 1

November 22, 2013 20:56 - 17 minutes - 7.63 MB

ስነ ጥበባዊ ግርማይ ገብሩ ፡ ጋዜጠኛ፡ ገጣምን ጸሓፊ ሓጸርቲ ልብወለድን ወግዒታትንዩ። ምስ ገዛእ ርእሱን ክሳብ ሕጂ ዘወፈዮም ስርሑን ምስ ራዲዮ SBS ሰፊሕ ዕላል ገይሩ ኣሎ፡ ብተኸታታሊ ድማ ከነቕርቦ ኢና።  - ስነ ጥበባዊ ግርማይ ገብሩ ፡ ጋዜጠኛ፡ ገጣምን ጸሓፊ ሓጸርቲ ልብወለድን ወግዒታትንዩ። ምስ ገዛእ ርእሱን ክሳብ ሕጂ ዘወፈዮም ስርሑን ምስ ራዲዮ SBS ሰፊሕ ዕላል ገይሩ ኣሎ፡ ብተኸታታሊ ድማ ከነቕርቦ ኢና።