SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

2,771 episodes - Tigrinya - Latest episode: about 2 hours ago - ★★★★★ - 9 ratings

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

News sbs feature tigrinya
Homepage Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed

Episodes

ኣብ ጥልያን፡ ካብቲ ካብ መፋርቕ መጋቢት ክርአ ዝጸንሐ ብዝሒ መዓልታዊ ብኮረና ቫይረስ ሞት ነክዩ። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

April 13, 2020 09:12 - 11 minutes - 19.1 MB

አርእስታት ዜና፡ ኣብ ቻይና ፡ ዳግማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተኸሲቱ ከይከውን ተሰጊኡ።   ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ከምዝውስኹ ናይ ታዝማኒያ ፕሪሜር  ኣፍሊጡ።   ንምግታእ ለበዳ ዝተወስደ ስጉምቲታት ድሕሪ ዉሑድ ሳምንታት ዳግም ከምዝግምግምዎ ሰብ መዚ ኣውስትራሊያ ኣፍሊጦም።   ሱዳናዊያን ኣብ ከተማ ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።

"ኣነ HIV ክልከፍ እንከለኹ ብዙሓት ንጸዓዱ ጥራይ'ዩ ዝሕዝ ይብሉ ኔሮም፡ ሕጂ'ውን ንኮቪድ-19 ከምኡ ዝብሉ ኣለው"

April 13, 2020 06:57 - 10 minutes - 18.1 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/04/20)  * ገዲም ኣሜሪካዊ ተጸዋታይ ኩ’ሰኪዐት ኣሜሪካ ኤንቢኤ ማጂክ ጆንሰን ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ማዕረ ቀረብ መርመራ ንኮሮናቫይረስን ክንክን ጥዕናን ክረኽቡ ጸዊዑ * ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኒፖ ደልኮ ዋን ፕሮቨንስ ዋና ኣካያዲ ዝዓበየ መዋሊኣ ዝኾነ ደልኮ ግሩፕ ኣካያዲ ከምዝገበረቶ ኣፍሊጣ፡ * ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ነዚ ስፖርት ተወንዚፍሉ ግዜ ንምኽፋል ደሞዝ ደያኑ ኩ’እግሪ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡  * ጋንታ ባርሴሎና ዝሓለፈ ዓርቢ ሽዱሽተ ካብ ኣካየድታ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ቅልውላው ኣትያ፡  

ካብ ጁቡትን ስዑድያን ዝተሰጎጉ ኢትዮጵያውያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ፀቕጢ ይኾኑዎ (ኻብ ጸብጻብ)

April 13, 2020 06:50 - 3 minutes - 6.68 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፥   ጁቡቲ መግቢ ዝርከቦም ኣቑሑ ናብ ኢትዮጵያ ከልኪላ ዝብል ጌጋ እዩ ተባሂሉ፡ ኣሃዝ ኣብ ኢትጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 71 በጺሑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሕግዙ፡ ካብ ጁቡትን ስዑድያን ዝተሰጎጉ ኢትዮጵያውያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ፀቕጢ ይኾኑዎ፡

"መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንኣገባብ ኣወሃህባ ቅዱስ ቁርባን ክቕይር ኣይክእልን'ዩ" ኣባ ሰረቀብርሃን

April 13, 2020 05:14 - 38 minutes - 66.8 MB

ቆሞስ ኣባ ሰረቀ-ብርሃን ወልደሳሙኤል፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲን ስልጣናን እዮም። ኣብዚ እዋን ናብ ኣብ መልበርን ትርከብ ቤተ ክርስትያን ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ብግዚያዊነት መጺኦም የገግሉ ኣለዉ። ብምኽንያት በዓል ትንሳኤን ኩነታት ቤተ ክርስትያንን ሕማም ኮሮና ቫይረስን ምሳና ጻንሒት ጌሮም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ መላግቦ ክፈቱ። 

ናይ ኮሮና ቫይረስ ክታበትን መድሃኒትን ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣብምንታይ ኩነታት በጺሑ'ሎ፧

April 13, 2020 01:05 - 8 minutes - 15.3 MB

ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ሳይንሰኛታት ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ንኽረኽቡ ኣብ ከቢድ ናይ ጉያ ጻዕሪ ይርከቡ ኣለዉ። ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝሕግዝ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ምወላ’ውን ይረኽቡ ኣለዉ። በዚ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ማራቶን ጉያን ዝፈሶ ዘሎ ዘይተኣደነ ቢልሊዮናት ዶላራት እዚ ክታበት ወይ መድሃኒት ቀልጢፉ ክርከብዶ ይኸውን፧

ኣብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰርሐ ናይ ኮሮና ቫይረስ ክታበት ኣብ ኔዘርላንድ ክፍተን እዩ። ካብ ኣርእስታት ዕለታዊ ዜናታት)

April 09, 2020 09:18 - 15 minutes - 26.7 MB

አርእስታት ዜና፡ ኣብ ኒው ዚላንድ ዝተኣወጀ ምዕጻው ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘምጸአ እንተኾነ ነቲ  እገዳታት ንምፍዃስ መደብ ከምዘየለ ተገሊጹ። መራሕቲ ፖለቲካ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ንዝግበር ዘሎ ቃልሲ ፖለቲካዊ መልኽዕ ከየትሕዝዎ ትካል ዉድብ ጥዕና ጸዊዑ። ኣብ ኒውዮርክ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዘባት እቶም ዝበዝሑ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያንን ምዃኖም ተፈሊጡ። በርኒ ሳንድረስ ካብ ውድድር ሕጹይ ዲሞክራሲያዊይን ንፕረሲደንትት ኣመሪካ ወጺኡ። ኣብ ታሪኽ ኣውስትራሊያ ዝዓበየ ቁጠባዊ ስጉምቲ ዝኾነ ናይ 130 ቢሊዮን ዶላር ኮሮናቫይረስ ድጎማ ደሞዝ ሰነት ኣጽዲቑ። ኣህጉራዊ በረራታት ብምቁራጾም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 550 ሚሊዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ።

ጸሊም ሞትን ኮሮናን (ሞዛይክ ባህሊ)

April 09, 2020 05:19 - 10 minutes - 17.2 MB

ሎሚ ሃኒ ኣሕመድ ናይ ታሪኽ መወከሲታት ምርኩስ ጌሩ ዝጸሓፎ፡ ከም ኮሮና ቫይረስ ዝበሉ ብዓለም ደረጃ ዝላብ ዑ ሕማማት፡ ኣብ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ ታሪኽ ደቂ ሰባት ኣብ ምልዋጥ ዘለዎም ተራ ዘብርህ ትሕዝቶ እዩ። 

መንግስቲ ክ/ትግራይ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከምዝኽእል ኣማሓዳሪ ዞ/ሰ/ምዕራብ ትግራይ ገሊጹ። (ካብ ጸብጻብ)

April 09, 2020 05:17 - 7 minutes - 12.4 MB

ኣርእስቲ ጸብጻባት ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 55 በጺሑ ኣዋጃት እቶ እቶን ኣጽዋማትን ተኣዊጁ። ካብ ኤርትራ ብትግራይ ገፅ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን መንግስቲ ፌደራል ኣይቅበሎምን እንተይሉ ፤ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘመሓድሮ ባይታ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከም ዝኽእል ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ በዝሒ ብኮሮናቫይስ ዝሓመሙ ሰባት 33 በጺሑ ፤ እገዳ በረራታት ተናዊሑ። ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክሳብ ክንቀትለካ ኢና ዝብል ምፍርራሕ ከም ዘጓነፎም ብምግላጽ ፤ እንተዀነ ድምብርጽ ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም። ዝብሉን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ዝድህስስ ጸብጻብ።

ኮሮና ቫይረስ፥ ሞያዊ ምኽሪ ምስ ዶ/ር ጥላህኡን ነጋሽ (ሳልሳይ)

April 09, 2020 05:00 - 18 minutes - 32.4 MB

ኣብ ናይ ሎሚ ሞያዊ ምኽሪ፥ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ዘስዕቦ ዘሎ ስነ ኣእምሮ ጸቕጢ ብኸመይ ክተሓዝ ይግባእ፡ ስራሕ ደው ኢሉ ኣብ ገዝ ምስ ምውዓል ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ዘቤታዊ ዓመጽ እቶም ካልእ ሕክምናን መጥባሕቲ ዝደልዩ ሕሙማት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብኸመይ እዮም ክእለዩ? ዝብሉን ንኻል ኦት ሕቶታትን ዶ/ር ጥላሁን ነጋሽ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

ካብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕን መሰላትን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

April 09, 2020 02:30 - 10 minutes - 17.2 MB

ኣብ ዓለም ካብዝርከቡ 88 ሚእታዊ ትካላት ካብ ገዛኦም ኮይኖም ንኽሰርሑ ሃንደበታዊ ለውጢ መጺኡ ኣሎ። ክኢላታት ከምዝሕብርዎ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቲን ዉሑስን ድሕነቱ ዝሓለወ ኩነታት መስርሒ ክህሉ ድልየት ኣሕዲሮም ኣለዉ።

"መራሕቲ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ብመንጽር ተርእዮ'ዚ ለበዳ ብቑዕ መሪሕነት ከርእዩ እንከለው ኣብ ኤርትራ ግን ኣመና ቦኺሩ ንረኽቦ።"

April 08, 2020 07:20 - 50 minutes - 86.8 MB

ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ካናዳ፡ መምህር ታሪኽን አብ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካይድን'ዩ። ንጽልዋ ለበዳ ኪቪድ19ን ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲን ኣብ ልዕሊ ተቐባልነት መራሕቲ ዓለምን ስርዓታቶምን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ምንቅስቓሳትን ሞያዊ ማሕበራትን ዝፈጠሮ ኩነታት ትንተና ክህበና'ዩ። * ንምኳኑ ፕረዚደንት ኤርትራ ንምንታይ ንቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 ብመሪሕነት ኣብ ቅድሚት ወጺኡ ዘይሓዞ፧ * ነዚ ዘይንቡርን ከቢድን ኩነታት ክምክትዎ ካብ ፈለምኡ ድሌት ዘርኣዩን ቀዲሞም ዝተዋፈሩን መራሕቲ ዞባና ኣየኖት’ዮም፧ እቶም ከይፈተው፡ ክብደት ናይ’ቲ ክስተት ተረዲእዎም ወይ ንኻልኦት ሃገራት ርእዮም ዝነጠፉ ኸ ኣየኖት’ዮም፧ * ኣብ መንጎ መራሕቲ ዞባና ኣብ ድሌትን ተበግሶን ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 እንታይ ፍልልይ ...

መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ንኽፈትሕ ንዝተገብረሉ ጻዊዒት መልሲ ሂቡ:: (ሓጸርቲ ጸብጻብ)

April 08, 2020 01:26 - 6 minutes - 10.5 MB

ካልኦት ነጥቢታት፥ ዳ/ጀ ዉድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ክልተ ሓኻይም ፈረንሳ ዝሃብዎ ርእይቶ ኮኒኑ ኣብ መቐለን ሃዋሳን ኣሻሓት እሱራት ተፈቲሖም።

ቻይናዊ ሃብታም ጃክ ማ ኣብ አፍሪቃ ንለበዳ ኮሮና ንምምካት ዝሕግዝ ካልኣይ ዙርያ ሓገዝ ከምዝሰደደ ኣፍሊጡ። (ካብ ኣርእስታት ዜና)

April 06, 2020 09:22 - 16 minutes - 28.6 MB

አርእስታት ዜና፡ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ዝነብር ሓደ ነብሪ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፈ ተፈሊጡ። ኣብ ቪክቶሪያ 2 ተወሰኽቲ ሰባት ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ሓደ ሽማግለ ድማ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሎሚ ሞይቶም  ኣብ ኣውስትራሊያ  በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 40 በጺሑ። ንክልተ ሰባት ብኻራ ዝቐተለ ተባሂሉ ሳልሳይ ተጠርጣሪ  ብዜግነት ሱዳናዊ ዝኾነ ሰብ ከምዝሓዘ ናይ ፈረንሳይ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብዝተራእየ ንሓደ መራሒ ዝወሃብ ናይ ቅብሉነት ድምጺ ዝለዓለ ረኺቡ። ቻይናዊ ሃብታም ጃክ ማ ኣብ አፍሪቃ ንለበዳ ኮሮና ንምምካት ዝሕግዝ ካልኣይ ዙርያ ሓገዝ ከምዝሰደደ ኣፍሊጡ።

'ኣፍሪቃ ቤተ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣይኮነትን፡ እዞም ከምኡ ዝበልኩም ሓካይም ቀተልቲ ሰብ ኢኹም' ሳሙኤል ኤቶ

April 06, 2020 07:34 - 11 minutes - 19.1 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/04/20)  * ኩ’እግሪ ድሕሪ ምስጋር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተመሊሱ ክቕጽል እንከሎ ዝተፈልየ  ከምዝኸውን ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ገሊጹ፡ * ህቡባት ከዋኽብቲ ኣፍሪቃ ዲድየር ድሮግባን ሳሙኤል ኤቶን ኣፍሪቃ መፈተኒ መድሃኒታት ኮሮናቫይረስ ክትከውን ሓሳብ ንዘቕረቡ ክልተ ህቡባት ሓካይም ፈረንሳ ዓሌተኛታት ክብሉ ነቒፎሞም፡  * ኬንያዊ ወናኒ ክብረወሰን ማራቶን ነበር ዊልሰን ኪፕሳንግ ብሃገር ደረጃ ዝተኣወጀ እዋን እቶ እቶ ጥሒሱ ድሕሪ ምእሳሩ ብዋሕስ ተለቒቑ፡ * ገዲም ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣያክስ ነበር ሉዊስ ቫንጋል ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኤረዲቪዘ ተሰሪዙ ወይ ኣብ ዘለዎ ተዓጽዩ ሻምፒዮን ንኣያክስ ክወሃባ ኣለዎ ኣብ ዝብል ከምዘይሰማማዕ ገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ሰባት ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ሞይቶም፥ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 5ተ ሓደሽቲ ተለኺፎም።(ጸብጻብ)

April 06, 2020 05:40 - 4 minutes - 6.68 MB

ካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥ 29 ግዳያት ሕማም ኮሮናቫይረስ ከም ዝረኸበት ዘፍለጠት ኤርትራ ድማ ዝተኣስሩ ዜጋታት ፈቲሓ ካብቲ ለባዳ ክተድሕኖም ምሕጽንታ ቀሪቡላ። ኤርትራውያንን ተጋሩን ህዝቢታቶም ካብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ከድሕኑ ይረባረቡ ከም ዘለዉ  ተሓቢሩ ኣሎ። ዝብሉን ካልኦት ኩነታት ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ዝድህስስ ጸብጻብ።

ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

April 06, 2020 05:23 - 14 minutes - 24.8 MB

  ኣብዚ ሰሙን ዓብለልቲ ዛዕባ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ፡ ሎሚ ዝተዳህሰሱ ፥ኮሮና ቫይረስ ፥ ነብይ ስሑልን ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያን፡ ካልኦትን ቀሪቦም ኣለዉ።

ጥንቃቐን ኣገባብ መርመራን ኮሮናቫይረ፡ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ጥላሁን ነጋሽ (ካልኣይ ክፋል)

April 05, 2020 23:18 - 13 minutes - 22.9 MB

ከም መቐጸልታ ናይቲ  ዝቐርብ ዘሎ መደብ ኮሮና ቫይረስ ምስ ኪኢላታ፥ ንሎሚ ምስ ምስ ዶ/ር ጥላሁን ነጋሽ ካብ መልበርን፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ዘተ ተጌሩ ኣሎ። ኣብ ማሕበረሰባትና ዘሎ ኣጠማምታን ርድኢትን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ፡ ምልክታት ምስዝኽሰቱ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምቲታት፡ ናብ ሕክምና ብኸመይ ኣገባብ ቀሪብካ ሕክምናዊ ረዲኤት ትረክብ ኣብዝብሉ ካልኦት ዛዕባታት።

"ብሃይማኖትን ዓሌትን ዓድታትን ከይተፈላለና ንህዝቢና ካብ ጥፍአት ንምድሓን ንብጀወሉ እዋን ሎሚ'ዩ" መ/ዑቅባስላሴ ሃይለ

April 05, 2020 04:23 - 11 minutes - 20 MB

አብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላለየ ጉጅለ ብምቛም ነቶም አብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ እዋን ኮረናቫይረስ መሰረታዊ ቀረብ መግቢን መንጽሂ ነገራት ዝኸውን ገንዘብን ኣኪቦም ንምልኣኽ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ። ንሓንቲ ካብ'ተን ጉጅለታት ምትእኽካብ ሓገዝ ጠርናፊ ዝኾነ መ/ዑቕባስላሴ ሃይለ ብዛዕባ ዕላማን ንጥፈታትን እቲ ናይ ምሕጋዝ መደብ ገሊጹልና አሎ። ኣብ'ዚ ኣቲና ንስምዓዮ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝላብዓሉ ዘሎ፤ መንግስቲ ኤርትራ አሱራት ፖለቲካ ብህጹጽ ክፈትሕ ተሓቲቱ

April 05, 2020 03:27 - 9 minutes - 16.2 MB

  * ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ብመቅሰፍቲ ኮረናቫይረስ ከይጸንቱ ተሰጊኡ፡ * ናይ ፈለማ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ አፍሪቃ ክፍተን አለዎ ዝበሉ ክልተ ፈረንሳዊያን ዶክተራት ብዓሌታውነት ይውቀሱ አለዉ።                            ኩነታት ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃ ከመይ አሎ?

ኣብ ኤርትራ ንስለ ድሕነት ሃገር መምርሒታት ምፍንታት ከይጠሓስ መጸዋዕታ ቀሪቡ፡

April 02, 2020 09:31 - 8 minutes - 14.3 MB

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (02/04/20) * ኤርትራ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ኩሎም ዜጋታት አብ ገዝኦም ን21 መዓልታት ክጸንሑ አዚዛ: ህዝቢ መመርሒታት ምፍንታት ክትግብር ዳግም መጸዋዕታ ቀሪቡ፡ * ቀ/ሚ ሶማልያ ነበር ኑር ዓደ ብሕማም ኮቪድ19 አብ ለንደን ዓሪፉ፡ * መንግስቲ አውስትራልያ አብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ አገደስቲ ወይ አድለይቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ነጻ አገልግሎት መዋእለ ህጻናት ወይ ቻይልድከይር ከምዝረኽቡ አፍሊጡ። * ክልተ ሰባት ናብ ሎሚ ዘውግሕ ድሕሪ ምማቶም አብ አውስትራልያ ብኮቪድ19 ዝሞቱ ሰባት 23 በጺሖም፡    

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ሰሙን ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኸአ ምርጫ ክሰጋገር ኣገዲዱ፡

April 02, 2020 06:40 - 5 minutes - 8.58 MB

ጸብጻባት ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (02/04/2020) * ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ካብ 15 ናብ 18 ድሕሪ ምውሳኹ ሰብ ካብ ቤቱ ከይወጽእ ተኸልኪሉ። * ኣብ ኢትዮጵያ ኣሃዝ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ካብ 25 ናብ 29 ክብ ኢሉ። ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ውን ተሰሪዙ። * ኣብ ትግራይ ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ፈላማይ እዩ ዝተብሃለ ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ተጀሚሩ።

ንምንታይ እዩ ኮሮናቫይረስ ክንድ'ዚ ፈጢኑ? 1ይ ክፋል ሕቶን መልስን ምስ ዶክተር ጥላሁን ነጋሽ

April 02, 2020 05:38 - 7 minutes - 13.4 MB

ሓቅታትን ምኽርታትን ካብ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘለው ሓካይም ካብ ሎሚ ጀሚርና ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓቅታት፡ መልስታትን ሓበሬታትን ምስ ዶክተር ጥላሁን ነጋሽ GP ሓኪም አብ መልበርን ተኸታታሊ መደባት ከነቅርብ ኢና። ንሎሚ ኮቪድ19 ንምንታይ ፓንደሚክ ተባሂሉ? ካብ ካልኦት ሰዓላት ብምንታይ ይፍለ? ንምንታይ'ዩ ብልዑል ፍጥነት ዝላባዕ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት ክምልሰልና'ዩ።

ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዋኒናት ንግዲ ንሕሱም እዋን ዝኸውን ተቐማጢ ብኸመይ ይምድባ

April 01, 2020 11:15 - 13 minutes - 22.9 MB

መላእ ቁጠባ ኣውስትራልያ ኣዕናዊ ጽልዋ ኮቪድ-19 ይስምዖ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጽላት ባንክ፡ መንግስታት ፈደራል፡ ግዝኣታውን ምምሕዳራዊ ዶባትን ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ብዘይጸገም ክጸንሑ/ ክቅጽሉ ንምሕጋዝ ህጹጻት ስጉምትታት ይወስዱ’ለው። ካብ’ዚ ቀጺሉ ከመይ ጌርኩም ሓደ ንሕሱም እዋን መድሕን ዝኸውን ማዕከን (safety net) ትሃንጹን ነዚ ማዕበል ክትወጽዎ ትኽእሉን ዝሕብር ሓበሬታ ቀሪቡ’ሎ።

ቪዛታት ንዝሓዙ ሰባት ኮሮናቫይረስ እንታይ ይጸልዎም?

April 01, 2020 10:33 - 8 minutes - 15.3 MB

ልዕሊ 120 ምድባት ቪዛ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለው። ሚልዮናት ቪዛ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ቀረባ መጻኢኦም ተሻቒሎም ወይ ከኣ ተደናጊሮም ኣለው። እዚኦም ከም በዓል ቦርሶኦም ተሰኪሞም ንስራሕን ምዝዋርን ዝኸዱ/Backpackingን ምብጻሕ ዝፍጽሙ/Visting ቪዛን፡ ተመሃሮን ሰልጠንትን፡ ቤተሰብን መጻምድን፡ ሰራሕተኛታትን ሞያተኛታትን፡ ስደተኛታትን ብሰብኣዊ ኩነታት ዝረኣዩን፡ መሰጋገሪ/ብሪጂንን ዝተሰረዘ ቪዛን፡ ካልኦት ብዙሓትን የካትቱ፡ ንዜጋታት ኒውዚላንድ ዝወሃቡ ቪዛታት’ውን ኣብ’ዚ እትዋት’ዮም። ኤስቢኤስ እዋናዊ መንግስታዊ ሓበሬታን ነዞም ሰብ ቪዛ ዝወሃቦም ደገፍን የቕርብ።

ስታድየማት ዓበይቲ ክለባት ዓለም ንምምካት ኮቪድ19 ናብ ሆስፒታላትን መደበራት ጥዕናን ክቕየሩ'ዮም፡

March 30, 2020 09:56 - 8 minutes - 14.3 MB

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/03/2020)  * ን2020 ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሓለፉ አትሌታት ዋላ ን2021 እንተተመሓላለፈ'ውን ከምዝሓለፉ ክቁጸሩ'ዮም፡ * ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መጻኢ ዕድል ስፖርት ብሓፈሻ ኰዕሶ እግሪ ኸአ ብፍላይ ይውስን፡ * ብዙሓት ስታድየማት ዓበይቲ ክለባት ዓለም አብ መኸተ አንጻር ለበዳ ኮቪድ ሆስፒታላትን መደበር ጥዕናታት ክኾኑ'ዮም፡ * ፕሪምየርሊግ ይሰረዝ ዶ አይሰረዝ፡ ሊቨርፑል ሻምፒዮን ይወሃባ ዶ አይፋል፡ ሕቶታት ይለዓሉ'ለው ርእይቶታት ከአ ይዘንቡ'ለው 

"ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ክመቱ ይኽእሉ'ዮም" - ዶክተር አንተኒ ፋውቺ

March 30, 2020 09:35 - 8 minutes - 14.3 MB

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ቪክቶርያ ልዕሊ 820 ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድሕሪ ምምዝጋባ ናብ ልዕል ዝበለ ሳልሳይ ደረጃ ቀይድታት ከምዝተሰጋገረት አፍሊጣ። * ታዝመንያ ናይ ፈለማ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተአሳሰር ሞት ከምዝመዝገበት አፍሊጣ። * ሓደ አብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ንመንግስቲ አሜሪካ ዘማኽር ክኢላ-ለበዳ-ሕማማት ክሳብ 200 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ አጠንቂቁ። * ብሰንኪ ስእነት ካልእ ኣማራጺ እስራኤል ንሓተቲ ዑቅባ አብ ግዜ ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ከም ዜጋታት ከም እትርእዮም አፍሊጣ።

ወፈያታት ንመኸተ ኮቪድ19 ኣብ ኤርትራ ኣካታዕቲ ዛዕባታት መራኸቢታት ሓፋሽ

March 30, 2020 08:02 - 5 minutes - 9.54 MB

ወፈያታት ንመኸተ ኮቪድ19 ኣብ ኤርትራ ኣካታዕቲ ዛዕባታት መራኸቢታት ሓፋሽ ኮይኖም፡ ወፈያ ኣብ መዓልኡ ከምዝወዓለ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ? እቲ ዝውፈ ዘሎ ኸ ሓቂ ድዩ? ፕረዚደንት ኣብ ምምራሕ መኸተ ኣሎ ድዩ?

ኣብ ትግራይ ኣካረይቲ ፍርቂ ዋጋ ገዛ ክራይ ከኽፍሉ መንግስቲ ደንጊጉ

March 30, 2020 05:07 - 3 minutes - 5.72 MB

ጸብጻባት ዜና (30/03/20)  * ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብኮሮና ከም ዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት 21 ከም ዝበጸሐ ተሓቢሩ። * መንግስቲ ትግራይ ሕማም ኮሮና ንምክልኻል ተወሰኽቲ ውሳነታት ኣሕሊፉ።   * ኣብ ኤርትራ 1.2 ሚልዮን ዓመታት ዝዕድሚኦም ምልክታት ታሪኽን ስልጣነታትን ተረኺቦም

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ካብ ስራሕኩም ደው ዝበልኩም ሰንተርሊንክ ተመዝጊብኩም ዶ? እንታይ ሓገዛት ክትረኽቡ ትኽእሉ?

March 29, 2020 23:11 - 23 minutes - 40.1 MB

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሃገር ብምሉኣ ደው ኢላትሉ ኣብ ዘላ ሽቅለተኣልቦነት ብሓንሳብ ሰማይ ደይቡ'ሎ። መንግስቲ'ውን ነዚ ነቶም ስርሖም ዝሰኣኑን ትሑት ኣታዊታት ዝነበሮም ኣብ'ዚ ፈታኒ እዋን ክሕግዞም ዝተፈላለየ ገንዘባዊ ጥማራት ደገፍ ኣዊጁ'ሎ። እዚኦም ንመን'ዮም ዝምልከቱ፡ ነዞም ሓገዛት ክትረክብ እንታይ ከተማልእ ኣለካን ትኽተሎም መስርሓትን ክሕብረና ንኣቶ ያሲር ዓብደልረሒም ደዊልና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። 

ርሕቀትኩም ሓልው፡ ገዛ ኮፍ በሉ፡ ንህበኩም መምርሒ ተኸተሉ፡ እንተጥሒስኩሞ ግን ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ክንቀጽዓኩም ኢና።

March 29, 2020 02:28 - 9 minutes - 16.2 MB

ፈደራል፡ ግዝኣታውን ዶባዊ ምምሕዳራት ኣውስትራልያ ሃገራዊ መጠን ሞት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብቐጻሊ እናለዓለ ምስ ከደ ዝያዳ ትርር ዝበሉ ስጉምታት ክወስዱ ይውጥኑ’ለው።

ካብ ኤርትራዊያን ኣብ ዊሃን ቻይና፡ “ካብ ገዛ ኣይትውጻእ እንተተባሂልካ፡ ማዕጾ ክፉት ገዲፎምልካ’ውን ክትወጽእ የብልካን፡ ነብስኻ ኣሚንካ ከም’ታ ዝተበሃልካያ ምግባር’ያ።”

March 26, 2020 10:23 - 20 minutes - 36.2 MB

ካልኣይ ዓመት ናይ ድሕረ-ምረቓ ተመሃራይ ዳንኤል መብራህቱ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ዉሃን ዩኒቨርሲቲ ናይ ቴክኖሎጂ መጽናዕቶም ዘካይዱ ዘለው ሓያለ ኤርትራውያን ተመሃሮ’ዩ። ንሱ ብማተሪያል ሳይንስ ናይ ዶክተረይት ማዕርግ ትምህርቱ ይከታተል ኣሎ። ህይወት ኣብ’ታ እዚ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ19 ዝጀመረላ ከተማ ዉሃን ኣዕሊሉና’ሎ። ገለ ካብኡ፦ እቲ ለበዳ ፈለማ ክጅምር እንከሎ ዝነበረ ፍርሒ፡ ምውሻብ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ህይወትን፣ ጽምዋ፡ ናፍቖት፡ ድሩት ምንቅስቓስ፡ ትዕግስቲ፡ ዲሲፕሊን ህይወት፡ ራሽን መግቢ፡ ሕጂ ምስ ተመሓያሸ’ኸ ናብራ ቀደም ተመሊሱ ድዩ፡....

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም

March 26, 2020 10:16 - 8 minutes - 14.3 MB

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ  # ሰለስተ ስባት አብ ግዝአት ቪክቶርያ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምማቶም ቁጽሪ ዝሞቱ አብ አውስትራልያ ናብ ሓደ ደርዘን ደይቡ። # መንግስቲ ፈረንሳ ንህዝባውያን አገልግሎታትን ሓፋሽ ህዝብን ደገፍ ንምሃብ አንጻር ኮሮናቫይረስ አብ ዝካየድ ቃልሲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ/ስርሒት የበግስ አሎ። # ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ስርሖም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ

"ንሃገርና እናተቓለስና ነብስና ጽቡቕ ኣለና ንብል ኔርና፡ ድሕነት ህዝብና ዝፈታተን ኮቪድ ግን ቀዳምነት ሒዙ"አቶ የዕብዮ መስፍን

March 26, 2020 08:16 - 12 minutes - 21.9 MB

ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን 'ሓይሊ ዕማም ጥዕና ኤርትራውያን ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን' ዝብል ተበግሶ ብምጅማር ንለበዳ ኮቪድ19 ዝምልከት ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ንምቅራብን ሞያተኛታት አተአኻኺቦም ካልስ ዝድለ ደገፍ ንምብርካትን ይንቀሳቀሱ አለው። ነዚ ዝምልከት ሓደ ካብቶም አወሃሃድቲ ምስ ዝኾነ አቶ የዕብዮ መስፍን ዕላል አካይድና አለና።

ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 4 ምስ በጽሑ ኩሉ ንግዳዊ በረራታት ተዓጽዩ

March 26, 2020 01:23 - 4 minutes - 7.63 MB

ጸብጻባት ዜና ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይስ ዝተለኽፉ ሰባት 4 ምስ በጽሑ ንግዳዊ በረራ ትዓጹ። ኢትዮጵያ ዕዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ክድምሰስ ንሃገራት ጉጅለ 20 ትምሕጸን፣ ኮሮና ንምክልኻል ኩሎም ዶባታ ትዓጹ፣ እሱራት እውን ትፈትሕ። ትግራይ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዋጅ እቶ እቶ ትእውጅ።   ኤርትራ: ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መአዘዚ ክትሃንጽ ፈቒዳ ዝብል ሓበሬታ ትነጽጎ።

ለበዳ ኮቪድ19 ንህጻናት ከመይ ጌርና ነረድኦም?

March 26, 2020 00:22 - 9 minutes - 16.2 MB

ምስ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ዜና ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ወለዲ ንዕኦም፡ ንዝፈትውዎም ሰባትን ንማሕበረሰቦምን ዝልህዎ ጽልዋ የፍርሖም። ክኢላታት ግን ዓበይቲ ብዛዕባ ኮቪድ19 ክዛረቡ እንከለው ንህጻናት ኣድላዪ ዘይኮነ ፍርሒ ከየሕድርሎም ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ ይሕብሩ። ክኢላታት ስነኣእምሮ ነዚ ለበዳ ህጻናት ብዝበለጸ ክርድኡ ንምሕጋዞም ዓበይቲ ክገብርዎም ዘለዎም ገለ ነገራት ኣለው ይብሉ።

ቻይና ናይ ፈለማ ጸረ ኮሮናቫይረስ ፈተነ ክታበት ከምዝገበረት ኣፍሊጣ። (ካብ ኣርእስታት ዜና)

March 23, 2020 08:15 - 11 minutes - 19.1 MB

አርእስታት ዜና፡ ምትንኻፍ ንምጉዳልን ኣብ ማሕበረሰብ ኮሮናቫይረስ ምምሕልላፍ ደው ንምባልን ኒውዚላንድ ናብ ዉሸባ ክትኣቱ ትዳሎ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኮሮናቫይረስ እቲ ዝኸበደ ብድሆ ኣውስትራሊያ ከምዝኸውን ቀዳማይ ሞሪሰን ገሊጹ ቫይረስ ንኸይላባዕ ንምሕጋዝ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ስራሓት ካብ ሎሚ ምዕጻው ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ዘይኮነስ ናይ ትምህርቲ ምቁራጽዩ ክህሉ ክትብል ናይ ኲንስላንድ ፕሪሜር ገሊጻ። መድሃኒት ዝኸትባ ዝነበረ ዶክተር ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንገላ መርከል ተወሺባ።   ቻይና ናይ ፈለማ ጸረ ኮሮናቫይረስ ፈተነ ክታበት ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

Eritrea and Ethiopia cancel sporting events amid COVID19 Pandemic - ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስፖርታዊ ውራያት ብምኽንያት ስግኣታት ኮቪድ19 ተሰሪዞም: ማልዲኒን ወዱን ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም

March 23, 2020 07:25 - 12 minutes - 23.6 MB

Weekly Sport (23/03/2020) * Athlete Berhane Tsegu banned for four years for doping * Eritrea and Ethiopia cancel sporting events amid COVID19 threats  * Paulo Maldini and son test positive for COVID19; KD, Marcus Smart and best five COVID19 team - ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/03/2020) * ሻምፒዮን ግጥማት ኣፍሪቃ 10000ሜ ብርሃኑ ጸጉ ህላወ ብቕዓት ዘደንፍዕ ኢፒኦ ኣብ ደሙ ስለዝተረኽበ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣጊዱ * ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስፖርታዊ ውራያት ብምኽንያት ስግኣታት ኮቪድ19 ተሰሪዞም  * ዝበዝሑ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዓለምና ህይወት ደቂሰብ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሕማም ኖቬል ኮሮና ቫይረስ ወይ ከኣ ብሳይን...

ዛዕባ ኮሮና ቫይረስን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

March 23, 2020 04:14 - 10 minutes - 18.1 MB

ከም ንዝበዝሐ ክፋል ህይወት ህዝቢ ዓለም ብሒቱ ዘሎ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትውን ብናይ ኮሮናቫረስ ዛዕባታት ኣጥለቕሊቖም ቀንዮም ኣለዉ። መርሃዊ ወልደሚካኤል ናይዚ ሰሙን ማሕበራዊ ሜዲያታት ኤርትራዊያን ዳህሲስዎ ኣሎ።

"ብሰንኪ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ነንሕድሕድ ዝግበር ሓገዝ ብተለፎን ጥራይ እዩ ዘሎ" ኣብ ጥልያንን ፈረንሳን ካብ ዘለዉ ኤርትራዊያን

March 23, 2020 03:54 - 14 minutes - 24.8 MB

ኣብዚ ኮሮና ቫይረስ ብፍላይ ንህዝቢ ጥልያን ወቒዕሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኡ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ደሃይ ንምፍላጥ ደዊልና፡ ንደጀን ካብ ዓዲ ጥልያን መንግስተኣብ ከምኡውን ኣቶ ደጀን ካብ ፈረንሳ ሓበሬታ ሂቦምና ኣለዉ። 

ንመኸተ ኮሮናቫይረስ ዓበይቲ ስጉምቲታት ይውሰድ፥

March 23, 2020 01:13 - 5 minutes - 8.58 MB

ትማሊ ሰንበት ሃገራዊ ካቢኔ ኣኼባ ብምግባር፥ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዘኽእል ብመራሕቲ ፖለቲካ ሓደሽቲ ስጉምቲታት ክውሰድ ተሰማሚዑ።

ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም

March 23, 2020 00:35 - 5 minutes - 8.58 MB

ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ኣብ ዉሃን ቻይና ካብዝኽሰተሉ እዋን ኣትሒዙ ዛጊት በዚ ቫይረስ ልዕሊ 300,000 ዝተለኽፉን ልዕሊ 14,000 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮይኖም ልዕሊ 100,000 ካብቲ ሕማም ሓውዮም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ: ሆቴላት ዝረኽብኦ ዝነበረ ገንዘብ ብ50% ይንኪ። (ካብ ጸብጻባት)

March 22, 2020 21:45 - 4 minutes - 8.58 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፥   ኤርትራ: አብ ዞባ ደቡብ ኣሃዝ ብሕማም ፌስቱላ (ምስንጣቕ ማህጸን) ዝህሰያ ኣዴታት ኣዝዩ ነክዩ ተባሂሉ። ኢትዮጵያ: ሆቴላት ዝረኽብኦ ዝነበረ ገንዘብ ብ50% ይንኪ። ኤርትራ: ናህሪ ዋጋ ንዘተባብዑ ነጋዶ ከቢድ ስጉምቲ ከም ትወስድ ተጠንቀቕ። ኢትዮጵያ: ንኬንያን ሶማልያን ክትሽምግል ትሕተት።

ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ንምቅላስ ኩለመናዊ ስጉምቲ ክውሰድን ምፍላይ፡ መርመራ ምግባርን ነቶም ዝተለኽፉ ክሳብዝከኣል ረኺብካ ምድላዪን ክግበር ትካል ዉድብ ጥዕና [[WHO]] ጸዊዑ። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

March 19, 2020 08:20 - 14 minutes - 24.8 MB

አርእስታት ዜና፡ ኮሮናቫይረስ ከየስፋሕፍሕ መንግስቲ ታዝማኒያ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ኣዊጁ። መገዲ ኣየር ኳንታስ ናብ ወጻኢ ዝገብሮ በረራታት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ወሲኑ።   ኣውስትራሊያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዶባታ ናይ ምዕጻው መደብ ከምዘይብላ ናይ ወጻኢ Minister Marise Payne ገሊጻ።   ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ንምቅላስ ኩለመናዊ ስጉምቲ ክውሰድን ምፍላይ፡ መርመራ ምግባርን ነቶም ዝተለኽፉ ክሳብዝከኣል ረኺብካ ምድላዪን ክግበር ትካል ዉድብ ጥዕና  [[WHO]] ጸዊዑ።  ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ጀርመናዉያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ።

ዶ/ር ካትሪን 'ቅድስቲ ኣዲስ ኣበባ' ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሚኤን ዓሪፈን።

March 19, 2020 08:07 - 2 minutes - 3.81 MB

ን ኣዴታት ኢትዮጵያን ሙሉእ ሂወተን ሕማም ፌስቱላ ክንኪ ዝሰርሓ.....ኣዉስትርያላዊት ዶ/ር ካትሪን ሃምሊን ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን !.... "

ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፀዓዱ ሰባት ብሰሪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብኢትዮጵያውያን ይጥቅዑ። (ካብ ጸብጻብ)

March 18, 2020 23:17 - 5 minutes - 8.58 MB

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻ ከም ዘተኣታተወት ትሕብር። ትግራይ ካብ እትውንኖ ንመስኖ ዝጥዕም 68 ሽሕ ሄክታር መሬት ነቲ 54 ሽሕ ከም ዘልመዐቶ ትገልጽ። ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፀዓዱ ሰባት ብሰሪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብኢትዮጵያውያን ይጥቅዑ።

Living close to my community - ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ኣትዮም ክነብሩ ንሓደስቲ መጻእቲ የርብሖም ዶ የኽስሮም፧

March 18, 2020 09:25 - 9 minutes - 16.8 MB

After moving to a new country, there's a lot to organise and a lot of new things to learn. Even if you've been in Australia for years, you probably still encounter situations you don't totally understand. It’s no surprise then that many new migrants decide to live close to their community to make things a bit easier. But is living close to your community always the best option for you? - ናብ ሓድሽ ሃገር ምስ መጻእኩም፡ ብዙሕ’ዩ እቲ ከተወሃህድዎን ክትመሃርዎን ዘለኩም። ኣብ ኣውስትራልያ ንዓመታት’ውን ዝጸናሕኩም እንተኾንኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይትርድ...

ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ብኮሮናቫይረስ ሓሚማ።

March 18, 2020 06:49 - 16 minutes - 28.6 MB

ኣብዚ ኣብ ዓለም እናስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ሕማም ኮሮናቫይረስ ነታ ኣብ ፓሪስ ትርከብ ናይ ትግርኛ ገጣሚት ሳባ ኪዳነውን ከምዘይነሓፋ ምስ ሬድዮ SBS ዝገበረቶ ሓጺር ዕላል ገሊጻ ኣላ።

ኣውስትራሊያ ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝተሓሓዝ ጽኑዕ መምርሒታት ኣመሓላሊፋ።

March 18, 2020 05:52 - 7 minutes - 11.4 MB

ኣብዚ ኣውስትራሊያ ኣብ ቃልሲ ኮሮና ቫይረስ (COVID-19) ተጸሚዳትሉ ዘላ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ እቲ ዝጸንዐ መምርሒታት ኣውጺኡ።

ዕላል መጽሓፍ ምስ ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ

March 18, 2020 02:21 - 29 minutes - 50.5 MB

ኣብዚ ዓመት ትካል ኣሕታሚ መጻሕፍቲ እምኩሉ ካብ ዘሕተመን መጻሕፍቲ ናይ ኣብርሃም ተስፋልኡል መጽሓፍ ‘ካልእ ስለ ዘየለ’ ሓንቲ ካብአን እያ። መጽሓፍ ‘ካልእ ስለ ዘየለ’ ደራሲ ኣብርሃም ተስፋልኡል ኣብ ነዊሕ ዓመታት ካብ ዘዋህለሎ ፍልጠትን ተሞኩሮን ዝተንጸባረቐላ ስራሕ ኮይና፣ ብዛዕባ መጽሓፉ ምስ ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ኣብ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ዕላል ቀሪቡ ኣሎ።

ሓቂታት ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ

March 18, 2020 01:42 - 5 minutes - 9.54 MB

ኣብዚ እዋን እቲ ዓብላሊ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፥ ክንዮ እቲ ዘስዕቦ ሕማም ምንጪ ጭንቀትን ትገብሮ ምጥፋእን ኮይኑ ኣሎ።  SBS news ብዛዕባዚ ጉዳይ እቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብን ሓቂታት ብዛዕባቲ ሕማም ንምፍላይን ንኪኢላ ተወኪሱ ዝረኽቦ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።