SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ artwork

Homeland Report - ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኦሮሚያ ነጻነታ ክትእውጅ ትቀራረብ፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ይቃወም (ጸብጻብ ካብ ኢትዮጵያ)

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Tigrinya - September 01, 2019 22:35 - 6 minutes - 11.8 MB - ★★★★★ - 9 ratings
News sbs feature tigrinya Homepage Download Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed


Homeland Report

-

ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ቤት ፅሕፈት ቤተ ክህነት ከይኽፈት ተቓዊሙ።

ብሊቀ ኣእላፍ በላይ መኮነን ዝምራሕ ውዳበ ብወገኑ ምኽፋት እቲ ቤት ጽሕፈት ጠለብ አመንቲ ስለ ዝዀነ ዝዓግቶ የለን ኢሉ።

ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ 5ተ ጀነሬተራቱ ተሃኒጹ ማይ ምስ መልአ ከም ዝትከሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ኣባይ ዘለዋ ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ዝመልአሉ እዋን ነዊሕ ክኸውን ፅዕንቶ ከይገብራ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝህቡ 16 ጀነሬተራት ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ክትከሉ ተወሲኑ ኣሎ።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ፣  ተምቤን፣ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዓለምን ክፅምበል ቀንዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕሩግ ድባብ ተኸምቢቱ።

ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ከኣ ምድላዋት ይጻፈፍ ከም ዘሎ ተገሊጹ።