ንሎሚ 6 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ኣብ ርብዒ ዓመታዊ ናይ ታሕሳስ ብ 0.2 ሚኢታዊ ምዕባዩ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራሊያ ገሊጹ። “ሰራዊተይ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቱ'ዩ ዘሎ።” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ፡ ሰራዊቱ ገና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣሎ ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂብሉ። ሚ/ር ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ንምፍታሕ ፈደራል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ ኣነጺሩ።