ሓሙስ 26 ጥቅምቲ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ ግድን ከምዝኾነ ዝሃቦ መግለጺ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ቀዳማይ ኣጀንዳኦም ኮይኑ ይዘራረብሉ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ኣብዚ እዋን ምልዓሉን ክመጽእን ክምዕብልን ዝኽእልን ኩነታት ብዝምልከትን ካብ መሪሕነት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝኾነ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶንዮ ትንታነ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም፡ ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእ ብዘይምፍጻሙ ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። ኣብ ግብጺ ካይሮ ካብ ክሳብ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ድርድር ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ፡ ገለ ምዕባለን ምርድዳእን ከምዘርኣየ ተገሊጹ። መራሕቲ ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ባህርዳር ተመያዪጦም። ኤርትራ ንፉዓት ተምሃሮ ሸሊማ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ; ካልእ ትሕዝቶታትውን ኣለና ምሳና ጽንሑ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣውስትራልያ ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ እተፈጸመ ደብዳብ ፡ ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝጥሕስዩ ኢሉ ። ** ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሰልፊ ሪፓብሊካዊያን ፡ ንማይክ ጆንሰን ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንኺመርሕ ሓጸይዎ ። ** ኣብ ግብጺ ካይሮ ካብ ክሳብ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ድርድር ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ፡ ገለ ምዕባለን ምርድዳእን ከምዘርኣየ ተገሊጹ።