ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም፡ ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእ ብዘይምፍጻሙ ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። ኣብ ግብጺ ካይሮ ካብ ክሳብ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ድርድር ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ፡ ገለ ምዕባለን ምርድዳእን ከምዘርኣየ ተገሊጹ። መራሕቲ ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ባህርዳር ተመያዪጦም። ኤርትራ ንፉዓት ተምሃሮ ሸሊማ ኣባል ባይቶ ኢውሮፓዊ ሕብረት ካትሪን ላንገንሲፐን፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ዝግደሱ ኤርትራውያን ዝርርብ ከም ዘካየደት ተገሊጹ።