ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ደቡብ ኻርቱም ዝርከብ ዲጋ ድሕሪ ዝወረዶ ዕንወት ክልቲኦም ነንሓድሕዶም ተኻሲሶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ጎድኒ ዋዕላ ኤፐክ ኣብ ሳንፍራሲስኮ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ ኣብ ዝቐረባ ግዜ ዝተነሃሃሩ ወጥሪታት ‘ኣዝሒሎሞም ኣለዉ’ ኢሉ፣ * እስራኤል ነቶም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኻን ዩኒስ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ክግዕዙ ደጊማ ኣዚዛቶም፣ * ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ንወናኒ X ኢሎን ማስክ ነቲ ‘ሓደገኛ' ጸረሴማውነት ውዲታዊ ስነሓሳብ ኢላ ዝገለጸቶ ብምድጋፉ ኮኒናቶ፣