ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ኣብ ደገፍቲ ፍልስጤም ኣብ ዝካየዱ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝረአ እዩ። ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት መህሪን ፋሩቒን ሊድያ ቶርፕን ኣብ ባይቶ ተኸዲነንኦ ኔረን፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ከይተረፈ ብላዕሊ ተሰንዲዩ መሸፈኒ ኮይኑ’ዩ። ስለዚ እዚ ስካርፍ እንታይ እዩ?