ንሎሚ ሓሙስ 29 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 14 ዓመታዊ ስሩዕ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ፡ ብ24 ለካቲት 2024 ብቤት ትምህርቲ ቋንቋ ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መልበርን ተኻይዱ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና። ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ንፈልጦን ንቃለሶን። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ልኡኽና ዝርእዮም ኣርእስታት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ዝሰወሩዎም ሰባት ሃለዋት ክነግሩ ተሓቲቶም። ኢትዮጵያን ኬንያን ዝምድናአን ዝያዳ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብዛዕባ ሓገዝ ንናይ ፈለማ ዓደግቲ ገዛ ዝምልከት ፈደራል መንግስቲ ዘቕረቦ እማመ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ታሕተዋይ ባይቶ ኣሓሊፍዎ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ምስ መደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተገሊጹ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስቶ ኣውስትራሊያ፡ ማቲልዳስ ንጋንታ ኡዝበኪስታን ስዒራ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝግበር ጸወታታት ኦሎምፒክ ምስታፋ ኣረጋጊጻ ።