ንሎሚ 28 ሕዳር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ተገይሩ ዘሎ ምንዋሕ ናይ ሰብኣዊነት ስምምዕ ረድኤት ንምቕራብ እኹል ኣይኮነን ይብል ። ብፍታው እናተሓገዝካ ህይወትካ ምሕላፍ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ሎሚ [28 ሕዳር] ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ 46 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።