ናይ ሎሚ ሰኑይ 27 ሕዳር 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ናይ ቆርበት ካንሰር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሜላኖማ ሓዊስካ መብዛሕትኦም መንሽሮታት ቆርበት ዝፍጠሩ ፡ ዋህዮታት ቆርበት ምክልኻል ከይተገብረሎም ናብ ኣልትራቫዮለት ወይ UV, ወይ ናብ ጨረርታ ጸሓይ ምስዝቃልዑ እዩ። ነቶም ጸሊም ናይ ቆርበት ሕብሪ ዘለዎም ወሲኹ፡ ቆርበት መንሽሮ ዝስዕቡ ሓደገኛ ረቛሒታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዘሎ ጸሓይ ሓደጋ ብኸመይ ትከላኸሎ ዝጥምት ሓደ መደብ ክቐርብ'ዩ ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። ግዝያዊ ምምሕዳር ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ብወግዒ ተኸፊቱ ቆምስ ኣብ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተባሂሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም ብብልሽውና ዝተዘምተ 9 ቢሊየን ብርን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትር ቦታን ከም ዘምለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ፥ ከም ኡውን ዘዛንዩ ዜማታት ክንጋብዘኩም ኢና። Newzealand ኣርእስታት ዜና፥ ** ስድራቤታት ናይቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዝጸንሑን እሱራት እስራኤልን ሓራ ብምውጻኦም ፈተውቶም ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ ። ** ላዕለዋይ ሚኒስተር ካቢነ ሚኒስተራት ክሪስ ቦወን ፡ ናጽነት እስራኤል ኣብ ናጽነትን ውሕስነትን ፍልስጤማውያን ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጹ ። ** ኣሰልጣኒ ኣንጌ ፖስተኮጎሉ ዝመርሓ ጋንታ ቶተንሃም ፡ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ናይ ሳልሳይ ደረጃኣ ናብ ሓሙሻይ ወሪዳ።