ንሎሚ ሰኑይ 26 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣውስትራሊያ ንኽቱር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዐት ሃገር እያ ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ናይ ሓዊ ሓደጋ ስርዓተ ዓቐን ተኣታትዩ ኣሎ ፡ ንማሕበረሰብ ከምኡ "ውን ንናይ ህጹጽ እዋን ግብረ-መልሲ ትካላት ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመታት ከጋጥምከሎ ንኽርድኡ ፡ ንኽዳለዉ ፡ ከምኡ" ውን ንዝተፈላለየ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ከም ባርዕ ጫካ፡ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ህቦብላ ንፋስ ፡ ብርቱዕ ዋዒ ዝኣመሰሉ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝሕግዝ ስርዓተ-መጠንቀቕታ እዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ፡ ብዛዕባ ቓዛ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ፓሪስ ይካየድ ከም ዘሎ ፡ ገሊጹ። ስብርባር ናይ ሓንቲ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ከሰል መርከብ ፡ 32 ሰራሕተኛታት ጽዒና ካብ እትጠፍእ 120 ዓመት ዝገበረት ተረኺቡ ። ካብ ደብረ ብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ተዓፅዩ። ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ፈለስቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐተልዋ ኣፍሊጣ።