ንሎሚ ሓሙስ 22 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ክንክን ስኒ ዝምልከት ምስ ዶ/ር ገነት እንድርያስ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ጠቓሚ ምኽሪ ኣለና። ተመራመርቲ ጠፈር፡ ብ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝበርህ ነገር ኣብ ዩኒቨርስ ረኪቦም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ናይ ልቓሕ መደባትን ኣገባባትን፡ዝምልከት ድማ ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ልኡኽና ዝርእዮም ኣርእስታት ሶማልያ ምስ ቱርኪ ን10 ዓመት ዝጸንሕ ገዚፍ ናይ ምክልኻልን ቁጠባውን ምትሕብባር ስምምዕ ከምዘጽደቐት ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ልዝብ ክካየድ ጸዊዓ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ገሊጾም።ዝብሉ ትሕዝቶ ዘለዎ ዜና ከቕርበልና እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ቪክቶርያ ን ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ኣየር ይዳሎ ኣሎ። ሶማልያ ምስ ቱርኪ ን10 ዓመት ዝጸንሕ ገዚፍ ናይ ምክልኻልን ቁጠባውን ምትሕብባር ስምምዕ ከምዘጽደቐት ተገሊጹ።