ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/02/2024) * ሓያሎ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሳተፍዎ ዙር ሩዋንዳ 2024 ሰንበት ብቕድድም ቅልጣፈ ግዜ ጋንታታት ተጀሚሩ፣ * ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ መንእሰያት ት20 ክኸውን ተሰይሙ፣ * ኣብ ፕሪምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ብገፊሕ ስዒረን ምረሻታተን ኣብ ዝቐጸላሉ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቸልሲ ማዕረ ወጺኣ ገለ ነጥብታት ከሲራ፣ * ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ጉያ እግሪ ማራቶን ኬንያዊ ኬልቪን ኪፕቱም ኣብ ዞባ ሪፍትቫሊ ናይ ኬንያ ምስ ኣሰልጣኒኡ ብመኪና እናተጓዕዘ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ከምዝዓረፈ ተገሊጹ፣ ውጽኢት ኣፈናዊ መርመራ ኣይንቕበልን ዝበሉ ቤተሰብ ኣሰልጣኒኡ መንግስቲ ካልእ መርመራ ክገብር ጸዊዖም፣