* ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶምዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣ * ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ ከቕንዑ ይኽእሉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣቶ ዮናስ ምሕጽንቱ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ዘለዎ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮን ልዕሊ 15 ዓመት ተሞክሮ ዘለዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብን’ዩ። ጭንቀት፣ ጸገማት ኣብ ዝምድናታትን ምስግጋር ህይወትን ገለ ካብ’ቶም ብዙሓት ተገዲሱ ዝሰርሓሎም ጸገማትን ሞያዊ ኣትኩሮ ዝገብረሎምን’ዮም። ኣብ ከተማ መልበርን፣ 'ዮኔክስ ማይንድኬር' ዝተባህለ ማእከል ከፊቱ ይነጥፍ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ጸገማቱን፣ ሓፈሻዊ ርድኢት ሕብረተስብን ተጠቃምነት ቀረብ ኣገልግሎታትን ዝምልከት መብርሂ ክህበና’ዩ። * ኣብ መወዳእታ ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ትሮውማ ኢልና ንገልጾ ካብ ሕማቕ ተሞክሮ ዝብገስ ስንባደ/በሰላ ኣእምሮ/ የጋጥሞም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ይኹን ነዊሕ ዝገበረ፡ ምስ ግቡእ ሓገዝ እቶም ህጻናት ክሓውዩ ይኽእሉ'ዮም። ወለዲን ኣለይቲን ነዞም ህጻናት ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን መሊሱ ክስምዖም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ወለድን ኣለይትን ሕይወት ደቆም ንምምሕያሽ ዝሕግዝዎም ገለ ሜላታት ነቕርብ።