ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር 'ትሮውማ' ኢልና ንገልጾ ካብ ሕማቕ ተሞክሮ ዝብገስ ስንባደ/በሰላ ኣእምሮ/ የጋጥሞም፡ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ይኹን ቀደም ነዊሕ ዝገበረ፡ ምስ ግቡእ ሓገዝ እቶም ህጻናት ክሓዊዩ ይኽእሉ'ዮም። ወለዲን ኣለይቲን ነዚኦም ህጻናት ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን መሊሱ ክስምዖም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ወለድን ኣለይትን ህይወት ደቆም ንምምምሕያሽን ዝሕግዝዎም ገለ ሜላታት ነቕርብ።