ን ሎሚ 13 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፡ ኬንያ 1000 ኣባላት ፖሊስ ናብ ሀይቲ ክትሰድድ ዝመደበቶ ኣደናጒያቶ። "ቀጥታ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ን ኢትዮጵያ ናይ ርግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ሕቶ እዩ።" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ-ኣጽቀ ስላሴ ገሊጹ። ብብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንቀንዲ መደበር ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝተቖጻጸሩ ተፈሊጡ።