ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (11032024) * ማራቶን ባርሴሎና ሰንበት ተኻይዱ ደጊቱ ኣዝመራውን ታደሰ ብርሃነን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ኣብ ኣንፊልድ ገጢመን ማዕረ 1-1 ብምፍልላየን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ኣርሴናል ተረኪባ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ እንተነበረ'ኳ ዘይንቡር ምፍንጣስ ኣካይዱ ተባሂሉ ንድሕሪት ክስራዕ ተገይሩ፣ * ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣትሌታት ዝሳተፍዎ ግጥማት ኣፍሪቃ ዓርቢ ኣብ ኣክራ፣ ጋና፣ ተጀሚሩ፣ ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ብጋናውያን ተሳዒረን፣ * ንሓደ ጻዕዳ ሰብ ‘ጻዕዳ’ ኢልካ እንተጸረፍካዮ ኣድልዎ ዓሌትነት ድዩ፧ ዝብሉ ገለ ትሕዝቶታት ንምልከቶም’ዮም፣ ሰናይ ምክትታል።