ንሎሚ ሰኑይ 19 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሕጽረት ነዳዲን መጥቃዕቲ እስራኤልን ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝገበሮ ተገሊጹ። ሓይልታት ሩስያ ፡ ነታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ኣቪዲቪካ (ኣቭ-ደ-የዌ-ካ) ከም ዝሓዙ ተፈሊጡ። ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጉጅለታት ብዝተፈጠረ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ነዲደን።