ን ሎሚ 12 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሓማስ ፡ ብ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ ከም እተቐትለ ተሓቢሩ ። ካብ ሲድኒ ናብ ኦክላንድ ኣብ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቴክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠማ እንተ ወሓደ 50 ሰባት ተጐዲኦም ። ማሌዥያ ንጸወታታት Commonwealth 2026 ንምእንጋድ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተዋሂብዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።