ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/10/2023) * ማራቶን ዳብሊን 2023 ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያዊያን ከማል ሑሴንን ኣመንተ ሶመረን ተዛዚሙ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥም ንኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ደቀንስትዮ ኢትዮጵያን ናይጀርያን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥመን ማዕረ 1-1 ተፈላልየን፣ * ዝዓበየ ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዓለም ዝኾነ ዙር ፈረንሳ ዝመጽእ ዘሎ ዓመተ 2024 ኣብ ኢጣልያ ተበጊሱ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ኒስ ክዛዘም ምዃኑ ኣዳለውቲ ኣፍሊጦም፣ * ወለዲ ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ኮሎምቢያዊ ሉዊስ ዳያዝ ኣብ ሃገሩ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሰባት ከምተጨውዩ ተጸብጺቡ፣ * ኣብ 10ይ ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ተጻወቲ ሊቨርፑል ነቲ ወለዱ ተጨውዮሞ ዘለዉ ወዲ ጋንትኦም ደገፎም ይገልጹ፣ * ኣብ ግጥም ኣብ መንጎ ጋንታታት ከተማ ማንቸስተር ወይ ማንቸስተር ደርቢ ሰማያዊ ሕብሪ ዝነገሰሉ ማንቸስተር ሲቲ ተዓዊታ፣