ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/02/2024) * ጋንታ ኤርትራ ተዓዋቲት ዙር ሩዋንዳ 2024 ኮይና፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ኸኣ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሞም፣ * ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ኼይማ ኢትዮጵያዊት ጽገ ገብረሰላማ ተዓዊታ፣ * ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ 2024 ዘካይዶም ውራያት ኩዕሶ እግሪ ከአንግዳ ዝመረጸን ሃገራት ዘርዚሩ፣ ኢትዮጵያ ውራያት ደቀንስትዮ ከተአንግድ’ያ፣ * ካብ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዘዕረፈት ሊቨርፑል ንቸልሲ ስዒራ ጽዋዕ ዋንጫ ካራባኦ ክትዓትር’ንከላ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ከኣ ዓወታት ብምምዝጋብ ምስኣ ዝነበረን ፍልልያት ኣጽቢበን፣