ንኣደ ሰለስተ ቆልዑ ሰማንታ መርፊ ዝቐተላ መንእሰይ ስሙ ተገሊጹ
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Tigrinya - March 09, 2024 21:31 - 5 minutes - 3.84 MB - ★★★★★ - 9 ratingsNews sbs feature tigrinya Homepage Download Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed
Previous Episode: ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2024)
ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ካብ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ዝኾነት ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ባላራት ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ/ከይግለጽ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብይን ወይ ውሳነ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ወዱ ንሓደ ገዲም ተጻዋታይ ፍሉይ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ዝነበረ’ዩ።