ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ካብ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ዝኾነት ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ባላራት ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ/ከይግለጽ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብይን ወይ ውሳነ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ወዱ ንሓደ ገዲም ተጻዋታይ ፍሉይ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ዝነበረ’ዩ።