ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መጋቢት 2024)
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Tigrinya - March 04, 2024 04:06 - 46 minutes - 44.1 MB - ★★★★★ - 9 ratingsNews sbs feature tigrinya Homepage Download Apple Podcasts Google Podcasts Overcast Castro Pocket Casts RSS feed
Previous Episode: ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ክልተኣዊ መስርሕ ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።
Next Episode: ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መጋቢት 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 4 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ መራሕቲ ሃገራት ኣስያን ዝገብርዎ ፍሉይ ኣኼባ ፡ ኣብ ጸጥታ ኰነ ኣብ ቊጠባ እቲ ዞባ ዘጋጥም ብድሆታት ንምምካት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ ። ፈረንሳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቅዋማ ሕጋዊ ብምግባር ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ሃገር ክትከውን እያ ። ማንቸስተር ደርቢ ብዓወት ሲቲ 3-1 ተዛዚሙ፣ ፖግባ ኣርባዕተ ዓመት ተፈሪድዎ፣ ሱቱሜ ከበደ ኣብ ቶክዮ ተዓዊታ፣