ንሎሚ ሰኑይ 4 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ መራሕቲ ሃገራት ኣስያን ዝገብርዎ ፍሉይ ኣኼባ ፡ ኣብ ጸጥታ ኰነ ኣብ ቊጠባ እቲ ዞባ ዘጋጥም ብድሆታት ንምምካት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ ። ፈረንሳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቅዋማ ሕጋዊ ብምግባር ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ሃገር ክትከውን እያ ። ማንቸስተር ደርቢ ብዓወት ሲቲ 3-1 ተዛዚሙ፣ ፖግባ ኣርባዕተ ዓመት ተፈሪድዎ፣ ሱቱሜ ከበደ ኣብ ቶክዮ ተዓዊታ፣